
ኣብ ሞንጎ ህዝብና ዘይምትእምማን ክነግስ ካብዝገብሩ ጉዳያት ቀንዲ፡ ኩለን መሓውራት ጸጥታ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ዘካይድዎ ስውር ናይ ሓበሬታ ምእካብ መስርሕን ውዳቤታትን እዩ፡፡ እቶም ካልኦት ሚስጢራዊ መገድታት ሓዲግና ንሎሚ ብዛዕባ ተፍትሽ መንበሪ ገዛን ቤ/ጽሕፈትን ዝምልከት ገለ ክብለኩም፡፡
ስውር ተፍትሽ መንበሪ ገዛውትን ቤት ጽሕፈታትን መብዛሕትኡ እዋን ብጸላም ጽሞዋን ዝካየድ ኮይኑ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ማለት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት – ስለያ ምክልኻል፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ወጻእ ስለያን ከምኡ ውን ከከም ኣድላይነቱ ብገለ ኣባላት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይካየድ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ዝካየድ ተፍትሽ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ብሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ወልደዝጊ ባህታ ትምራሕ 7ተ ኣባላት ዘለዋ ጉጅለ ብምቋም ኣብ ዝተመርጹ ታርጌታት ትኹረት ብምግባር ኣሰር ከይገደፉ ገዛውቶም፡ ትካላቶምን መካይኖምን ብዝተፋለላዩ ማስተር መፋቱሕ ከፊቶም ይፍትሹ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ንዝኾነ ዓይነት መኪናን ገዛን ብሕቡእ ክኸፍት ዝተመርጸ ስውር ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ላኻ እንዳ መፍቱሕ ዘለዎ “ዮናስ መፍቱሕ” ዝተብሃለ ብቑመት ካብ ከሚዲያን ምራጭ ንእሽቶ ብርኽ ዝበለ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት እዩ፡፡ ዮናስ ዘይከፍቶ ማዕጾ ዳርጋ የለን፡፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢ ፖስት ኦፊስ ዘሎ ንግዳዊ ባንክ መፍቱሕ ስለዝጠፍአ ንወልደዝጊ ባህታ ፍቓድ ተሓቲቱ ከይዱ ከፊቱሎም ነይሩ፡፡ ኣብ ጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን እውን ናይ ገለ ላዕለዎት ሓለፍትን ሃብታማትን ቤ/ጽሕፈታት፡ መካይን፡ መንበሪ ገዛውትን መኻዚኖታትን ብሕቡእ ከፊቱ እዩ፡፡
ኣብ 2007/08 ካብቶም ምስ ነጋዳይ ፍቕረ ዓንደማርያም ወጊኑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ላዕለዎት ጎባልል ሓደ፡ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ (ወዲ ሃብተስሉስ) እውን ቤ/ጽሕፈቱ ብኣካላት ጸጥታ ብሕቡእ ተፈቲሹ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝለኣኾ ደብዳቤታት ከይተረፈ ማእለያ ዘይብሉ ሰነዳትን ደብዳቤታትን ብሕቡእ ካብ ኮምፒተሩ ብሃርድ ዲስክ ተቐዲሑ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት መጺኡ ኢዩ፡፡ እንሆ ከኣ ንሎሚ ካብኣቶም ክታም ዘይተገብረሎም ገለ ደብዳቤታትን ሰነዳትን ይፍንወልኩም፡፡ ዝተረፈ ከም ኣድላይነቱ ብቐጻሊ ክፍንወልኩም እየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ናይ ነጋዳይ ሳምሶን ወዲ ቀሺ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማሕዩር ኮይኑ እንዳገልገለ ዝርከብ ኣብ ከባቢ ማይሑጻ ዘሎ ገዛውቲ ኣሳእል ወሲኸ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብ 5ይ ክፋል ጽሑፍ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ካብ ዘካየዱ ዜጋታት ናይ ገሊኦም ኣስማቶም ንዝሓበርኩምኒ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡