ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዙላ ዝርከቡ ዜጋታትና፡ብሰንኪ ሕማቕ ኣታሓሕዛ፡
ሞትን ምንጽልላው ሓዯጋ ሞትን የጋጥሞም ኣሎ።
ካብ ፈቐዶ ከተማታት ሃገርና ብምግፋፍ ታኣሲሮም፡
ካብ ዕለት 13/04/2016 ኣትሒዞም ናብ ቤት ማእሰርቲ ዙላ፡ ዝመጹ ሚኢትን ሓሰርተ ክልተን(112) መንእሰያት ዜጋታትና ፡ብሕማቕን ሰብኣውነት ዝጎዯሎ ኣታሓሕዛን፡ክሳቐዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ንስቓዮም መሊሱ ዘጋድድ፡ ብሰንኪ እኹል ሕክምና ዘይምርካብ፡ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝኣተወ ተላባዒ ሕማም ውጽኣት፡ ዝኸበዯ ስቓይን ምንጽልላው ሓዯጋ ሞትን ኣጋጢምዎም ኣሎ። እዚ ተላባዒ ሕማም ውጽኣት፡ ኣብ ውሽጢ፡ዓሰርተ(10) ማዓልታት ናብ ኩሎም እሱራት ብምልባዕ ዒስራን ሸውዓተን (27) ሰባት በዚ ሕማም እዚ ተዳኺሞም ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ከም ዝርከቡን፡ክልተ (2) ካልኦት ኣስማቶም ዘይበጽሓና ድማ፡ በቲ ሕማም ተሰኒፎም ከም ዝሞቱን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ።
ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ ምክትል ተሌንተ ማሓሪ ተስፋልኡል ይባሃል። ሓኪም ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣባል 24 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ኣብ ሳዋ ንክልተ(2) ወርሒ ቀዳምይ ረዲኤት ዝወሰዯ ሰብ ኮይኑ፡ነቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዙላ ኣጋጢሙ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑን ዝኾነ ሓላፍነት ከምዘይብሉን ዝተባህሎ ጥራይ ከም ዝገብርን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ብምግላጽ፡ እዚ ተላባዒ ሕማም ውጻኣት እዚ ፡ኣብ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ይረአ ከም ዘሎ፡ ተፈሊጡ ኣሎ። ብምቕጻል በዚ ኣጋጣሚ ስሙር ዯሞክራስያዊ ግምባር ኤርትራ ዘማሓላልፎ መልእኽቲ፡ ስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ምቕታል፡ ምእሳር ምጭዋይ ኮታ ኣሎ ዝባሃል ግፍዕን በዯልን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መመሊሱ ብምውሳኽ ጥርዚ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ኣሳሰይቲ ናይቲ ገበን ዝኾኑ ፡ልኡኻት ናይቲ ስርዓት ፡ንቚንጣሮ ውልቃዊ ረብሓ ክብሉ፡ ሕልና ዝጏዯሎ ስራሕ፡ ገበን ኣብ ልዕሊ ዜጋታቶም ዝፍጽሙ፡ ብተዯጋጋሚ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽትና ፡ነሕልፍ ኔርናን ኣሎናን።
ንመጠንቀቕታና ዕሽሽ ብምባል ፡ገበናዊ ስራሓቶም ዯው ንዘየበሉ ድማ ፡ናይ ቅንጸላ ስጉምቲ ክንወስድ ብምጽናሕ፡ ኣብ ዕለት 04 /09/2016 ኣብ ምዕጢር ዝተኻየዯ መጥቃዕቲ ድማ መቐጸልትኡ እዩ።ስለዚ ሕጂ ይኹን ድሕሪ ሕጂ ፡ኣብ ልዕሊ ሓዯ ንጹህ ኤርትራዊ ዜጋ ዝውሰድ ናይ ቅትለት ኮነ ምስቓይ ገበናዊ ስራሓት ዯው ከብል ዯጋጊምና ነጠንቅቕ ኣሎና ፡ ንብምሉእኩም ብስቓይ ህዝብኹምን ጥፍኣት ወገንኩምን ዘሕመኩም ዜጋታትና ኤርትራውያን፡ ህዝብና ንምድሓንን ናይ ጽባሕ ሰላማዊት ፡ፍትሓዊት፡ ዯሞክራስያዊት ብልጽግቲ ኤርትራ ፡ ክንርኢ ከይተገዳዳዕናን እናተሓጋገዝናን ሓድነትና ብምትራር፡ታኣማሚናን ካብ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ብምውጻእ ፡ነዚ ዯመኛና ስርዓትን ምእላይ ናይ ሓባር ፍትሓዊ ቅልጽም ውጹዓት ከነትርር ይግባእ።
ክፍሊ ዜናን ባህልን ስሙር ዯሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ። www.erifront.com – Email: uedf2012@gmail.com