ዕንባባ ወርሒ ነሓሰ ግሃድኤ-ሕድሪ ሆለት፡
አብ ኤላት ደቂ ሰባት ኣብ መነባብሮ ሂወቶም ዝጎደሎም ንኽምልኡ ላዕልን ታሕትን ክብሉ ግድነት ኢዩ፡፡ በዚ መሰረት ንሕና ኤርትራውያን ብስርዓት ህግደፍ ዝወርደና ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዓመጽ ብፖለቲካዊ ዓይነ-ሕልና ብምጥማት ዘዝዓቕምና ንምግባር ዝተበገስና ዉሑዳት ኣይኮናን፡፡ ውዳቤታትና ድማ ብሰለማዊ ምንቅስቓስ፡ ብቢሄራዊ ውዳበ፡ ብሃይማኖታዊ ጥርናፈ፡ ብሃገራዊ ህዝባዊ ወጽዓ ብምስትንታንን ብካልእ መዳይን በብዘለናዮ ዓገብ ምባል ኣይገደፍናን ኣይክንገድፍን’ውን፡፡ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ እምበኣር፡ ንባህርያትን ኣካይዳን፣ ንተመኩሮታትን እዱድ መትከላትን ስርዓት ህግደፍ ጽቡቕ ጌሩ ብምስትብሃል፣ ንህግደፍ ክስዕረሉ ዝኽእል መትከላዊ ዕላማ ዝተሓንገጠ ራኢ ብምንጻር፡ ንሃገራዊ ወጽዓ ብመላእ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝሓትት ቃልሲ ከምዘድሊ ኣሚኑ ነዚ ንምትግባር ዝምርሓሉ ራኢኡ ዝሓቖፈ ኣብ መትከላት ቃልሱ ከምዝሰፍር ብምግባር ኣብ መሬትን ( ግብራዊ ግንባርን ) ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ክብሃል ዝከኣል ህዝባዊ ውዳቤታቱ እንዳኣሐየለ ዝመጽእ ዘሎ ውድብ እዩ፡፡ ክንዲ ዝኾነ ከኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ርሱን ሃገራዊ ወኒ ዝተዓጥቁ ኣባላት ኣለዉዎ፡፡ እዞም ኣብ እዚ ስእሊ እንርእዮም ዕንባባ ገልገል-መስቀለ ዝመስሉ ከኣ ገለ ክፋል ካብ እቶም ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ብጾት ኮይኖም ኣብ ውሱን ቦታ ማለት ኣብ ሆለት ዝበሃል ቦታ ዝነብሩ ሸባባት እዮም፡፡

እዞም ውፉያት ተቓለስቲ ብዘይምግናን ኣብነት ብዙሓት ክኾኑ ዝኽእሉ፡ ብዝሰርዕዎ ምዱብ ግዜ ተራኺቦም ሕድ-ሕዶም ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ይዝትዩ፡ ፖለቲካዊ ንቕሓቶም ንምብራኽ ይጽዕሩ፡ ህዝቢ ክውደብ ክነቅሕ ኪንኡ ድማ ክዓጥቕ እሞ ወጽዕኡ ብገዛእ ቃልሱ ክቕንጥጥ ልዑል ምንቅስቓስ ይገብሩ፡፡ እዚ ግብራዊ ንጥፈታቶም ህያው ምዃኑ ብዘርኢ ተበግሶ ድማ ውድባዊ ጸዋዒት ብዘይተጉላባነት የተግብሩ፡ ሕድ-ሕዶም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናብ ዘለዉ ብጾት ብምጉዓዝ ተመኩሮታቶም ይለዋወጡ፡ ዘጓንፎም ብድሆታት ኣብ ቃልስን ኣፈታትሕኡን ብግልጺ ይዝትይሎም፡ ብኡ ምሰረት ድማ ውዳቤታት ናይ ውድቦም ብፍላይ ብሓፈሻ ክኣ ህዝቢ ንመሰሉ ክውደብ ዓቢ ጻዕሪ ኣብ ምክያድ ይርከቡ፡፡
ንቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ነሓሰ / 23 / 2016 ዝበጽሓና ሓበሬታ ከም ዘነጽሮ እዞም ብጾት ካብ ሆለት ናብ እታ ናይ መጨረሽታ ምስቀይሕ ባሕሪ እትዳወብ ወደባዊት ከተማ ኤላት ዝገበርዎ ጉዑዞ ምስ ኣብ ኤላትን ከባቢኣን ዝርከቡ ብጾት ዝመያየጥሎም ኣጀንዳታት ሒዞም’ም ወፊሮም፡ እቶም ንመዛተዪ ዝተታሕዙ ኣጀንዳታት ድማ፦
1 … ቃልስን ኣብ ቃልስን፣ ተቓላሳይ ከማልኦም ዘለዎ ነጥብታትን፡
2… ሓፈሻዊ መብርሂ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ውድብ ክህሉ ዘለዎ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡
3… ሓድነት ማለት እንታይ ኢዩ፣ ብኸመይ’ከ ይረጋገጽ፡
4… ራኢ ናይ እዚ ነካይዶ ዘለና ቃልስን፦ ዝብሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዛዕባታት ኣብ ቃልሲ ዝረኣየ ኣኼባ ብብጻይ ሓይሎም ዳኒኤል ኣባል ኣመራርሓ ማእከላይ ሽማግለ ውድብ ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ከምኡ’ውን ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓን ካድራትን ጨንፈር እስራኤል ዝኾኑ ብጻይ መምህር ሚካኤል ሰለሙንን ብጻይ መምህር ብሉጽን ካልኦት ኣመራርሓ ናይ ንኡስ ጨንፈር ሆለት ዝኾኑ ብጾትን ኢዩ ተመሪሑ፡፡ እቲ ኣስተምህሮ ክትብሎ ዘድፍር ኣኼባ፣ ኣዝዩ መሳጥን ርሱንን ግሉጽነት ዝዓብለሎን ኣብርእሲ ምንባሩ ካብ ተሳተፍቲ ኣባላት ኣዝዮም ሃነጽቲ ዝኾኑ ሪኢቶታት፣ ሕቶታት፣ ሓበሬታታትን ኣብ ቃልሲ መአረምታ ክግበረሎም ዘለዎም ሓሳባትን ኣፍሲሶም፡፡ እዚ ብመሰረት ዘውጽእዎ መደብ ኣብ ሓደ ናይ መዛተዪ መኣዲ ብምቕራብ ዝተኣንገደ ኣጋጣሚ፡ ዝነኣድ ናብ ግብራዊ ቃልሲ ዘቕንዐ ቅርቡነቶም ብምግልላጽ ብውድባዊ ተልእኾ ዝተሓተትዎ ዘበለ ንምምላስ ድልዋት ምህላዎም’ውን ገሊጾም፡፡ እዚ ከም እዚ ኢሉ ከሎ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን ዝምድናታትን ግሃድኤ-ሕድሪ ብጻይ ዕቑባዝጊ ድቡስ 21 / ነሓሰ / 2016 ንኣብ መዕቆቢ ኤርትራውን ስደተኛታት ማይዓይንን ዓድሓርሽን ዝርከቡ ኣባላት ኣብ ማይ ጸብሪ ከምኡ’ውን 23 / ነሓሰ / 2016 ብተመሳሳሊ ንኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ኣባላት ድማ ኣብ ሽረ ኣኼባ ኣካይዱ፡፡ ብጻይ ዕቑባዝጊ ድቡስ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ብዛዕባ ጂኦፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ሃገርና፡ ልዑላውነት ሓደ ህዝብን ሃገርን፡ ውደባን ምውድዳብን ንምነታይ ኣድለየ ሓያል ውደባ ኣብ ምቅልጣፍ ዓወት ዝህልዎ ተራ፡ ምቅርራብ 6 ውድባትን ጉዑዞ ንልፍንታዊ ሓይሊ 4 ውድባትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ተስፋታቱን ካልእ ስፍሕ ዝበለ መግለጽን ንተሳተፍቲ ኣቕሪቡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ሪኢቶታት፡ ለበዋታትን ከምኡ’ውን ሓበሬታታትን ብምስማዕ ዝተመደበ ናይ ኣኼባ እዋን ምዝዛሙ ኣብ እቲ ተሳትፎ ዝነበረ ወኪል ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ ሓቢሩ፡፡
ድሕንት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
24 / ነሓሰ / 2016
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ