ኣብ ሓለዋ እሱራት ተመዲቦም ከገልግሉ ዝጸንሑ 3 ወትሃደራት ን23 ሰባት ካብ ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ነጻ ኣውጺኦም ብለይቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣብጺሖሞም ኣለዉ። እዚ ዕዉት ስርሒት’ዚ ዝተፈጸመሉ ዕለት ድማ 7/3/2016 ዓ.ም.ፈ. ኢዩ ነይሩ። ቤት-ማእሰርቲ መዕጥር ብዘይካ ዝምልከቶም ኣካላት፣ ካብ ካልእ ቦታ ንምብጻሕ ይኹን ብኡ ንምሕላፍውን ዘይፍቀድ ሕቡእ ቦታ እዩ።
እዞም ኣብ ሓለዋ እሱራት ተመዲቦም ክሰርሑ ዝጸንሑ 3 ወትሃደራት ኣብ ልዕሊንጹሃት ዜጋታት ክፍጸም ዝጻንሐ ግፍዕን ዘስካሕክሕ ሓላፍነት ዝጐደሎ ኣተሓሕዛን እሱራት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ እዞም 23 ሰባት ኣብ ልዕሊኦም ዝእለም ዝነበረ ከቢድ ሓደጋ ከይመጸ ከሎ ንምፍሻሉ ቆራጽ ስጉምቲ ንኽወስዱ ተገዲዶም እዮም።
እዚ ስርሒት’ዚ ኣብ ነጻ ቦታ ኰንካ ክትዛረበሉ ቀሊል ዝመስል ግን ከኣ ድማ ንእሽቶ ሃጓፍ ምስ ዘጋጥም ናይ ብምሉኦም ህይወት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ክወድቕ ከምዝኸእል ርዱእ ኢዩ። እዚ ስርሒት’ዚ ናይ ግዜ ገደቡ ብንጹር ተቐሚጡ ብረቂቕ መጽናዕቲ ምስ ናይ ኣፈጻጽማ ኣገባቡ ምሉእ ምድላው ተገይርሉ እዩ ኣብ ዓወት ክዛዘም ዝተኻእለ።
እሱራት ንሓለውቶም ኣዕጊቦም ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዉት ስጉምቲ ንኽውሰዱ ቀሊል ኣይነበረን። ሕድሕዳዊ ምትእምማንውን ብቐሊል ዝመጽእ ኣይኮነን ናይ መዕጥር እሱራት ምስ ሓለውቶም `ተሰማሚዖም ካብ ቤት- ማእሰርቲ ምምላጥ ኣብ 2016 ዓ.ም. እዚ ንኻልኣይ ግዜ ዝፍጸም ዘሎ ተርእዮ እዩ።
ቅድሚ ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ምስ ሓለውቶም ተሰማሚዖም ዘምለጡ ከምዝነበሩ እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ካብ መዕጥር ናይ 6 ኪሎ-ሜትር ርሕቀት ዘለዎ ካልእቤት-ማእሰርቲ’ውን ኣሎ። እዚ ቤት-ማእሰርቲ’ዚ ካብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርትታት ዝመጹን ብፍላይ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ንፋስ ተኣሲሮም ዝነበሩን፣ ዝነብርሉ ሓድሽ ቤት-ማእሰርቲ እዩ። እዚ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ምስ በዓል ዓብደላ ጃብርን፡ ሙስጠፋ ኑር ሑሴን ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ብጥርጠራ ከካብ ገዝኦምን ፡ ስርሖምን ተገፊፎም ዝተኣስሩ ዘጠቓለለ እዩ።
ዓብደላ ጃብር ይኹን ሙስጠፋ ኑር ሑሴን ምስ ስርሒት ወዲ-ዓሊ ምትእስሳር ኣለኩም ተባሂሎም ኢዮም ተኣሲሮም። ኣብዚ ቤት-ማእሰርቲ’ዚ መብዛሕትኦም ካብ ብሄረ-ትግረ ዝኾኑ 127 እሱራት ኣለዉ። እዚ ቤት- ማእሰርቲ’ዚ ብቤት-ጽሕፈት ብቐጥታ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ብቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነትን ዝመሓደር ኣብ 2014 ዓ.ም. ተመስሪቱ። ካብዚኦም መብዛሕቶም ካብ ቤት-ጽሕፈት ዓዲ-ንፋስ ዝነበሩ ምስ ስርሒት ፎርቶ ዘተኣሳስር ጉዳይ ኣለኩም ተባሂሎም ዝተኣስሩ ዝቕመጥሉ ዘሎ ቤት-ማእሰርቲ እዩ።
ብዛዕባዚ ዘስካሕክሕ ቤት-ማእሰርቲ’ዚ ዝምልከት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ህዝቢ መታን ክፈልጦን፡ ክመሃረሉን ብጽሑፍ ክንዝርግሖ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ንህዝብና ክንሕብር ንፈቱ።
ዜናን ባህልን፣ ስሙር ደሞክርሲያዊ ግንባር ኤርትራ www.EriFront.com E-mail: uedf2012@gmail.com