ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ሃገረ ጥልያን ተሪፎም!!Sacttism ሳክቲዝም

BREAKING NEWS ሳክቲዝም

 

 

ሳክቲዝም ካብ እሙናት ምንጭታት ከምዘረጋገጾ ብዕለት 05/08/2016 ንፍሉይ መንግስታዊ ስራሕ ናብ ዓዲ ጥልያን ዝተለኣኹ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንኣዛዚዞም መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ጠንጢኖም ተሪፎም፡፡

ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዘማሓድረን ዳርጋ ኩለን ነፈርቲ ካብ ስራሕ ወጻእ ብምኻነን፡ ዓቕሚ ሰቡ ብስደትን ኩብለላን እንዳተመናመነ ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ’ሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ብድሕሪኡን ዝተዓደጋ Su-27, Mig 29, helicopterን ናይ በረራ ሰዓተን ወዲአን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት መቀያየሪን ዘይቅርዑይ ምሕደራን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይነን እየን፡፡ ካብ እዋን ናብ እዋን ዘጋጥሞ ዘሎ ምድስካል መደባትን ዕማማትን ንምፍታሕ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ብመምርሒታት ኢሳይያስ ዝተፈላለዩ ጽገናዊ ለውጥታት ክግበረሉ ጸኒሑ’ዩ፡፡

ሓይሊ ኣየር ብዓቕሚ ሰብ፡ ብሎጂስትክስን ዕጥቅን፡ ትንፋስ ንኽዘርእ ዝተፈላለዩ መደባት ተሓንጺጹ’ዩ፡፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ፡ ንኣብረርትን ቴክኒሻናትን ተወሳኺ ስልጠናታት ብምሃብ፡ ሓደሽቲ ኦፊሰራት ብምስልጣን፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ወጻእ ምልኣኽ ዝብሉ መደባት ዝተተሓዙ ኮይኖም ከም ኣካል ናይ’ዚ መደብ 20 ተምሃሮ ካብ ማይ ነፍሒ ተመምዮም ብ06/09/2012 ናብ ሕቡራት ዓረብ ዒማራት (ኣቡዳቢ) ተላኢኾም፡፡ እዞም ኣባላት ኢሳይያስ ብፍሉይ እንዳተኸታተሎም ንኣስታት 3 ዓመታት ዝለዓለ ወጻኢታት እንዳ ተሰላዓሎም ኣብ ኣቡዳቢ Khalifa Bin Zayeed Air College ን Rashid Bin Saeed Al Maktoum Naval College ክመሃሩ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብ ወርሒ 7/2015 ብ sub lieutenant ተመሪቖም ንሃገሮም ከገልግሉ ልዑል ትጽቢት እንዳተገብረሎም ቀስበቐስ ፋሕ እንዳበሉ ዛጊት እቶም 11 ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዕቑባ ሓቲቶም’ዮም፡፡ ሳክቲዝም ብዛዕባ’ቶም ዝጠፍኡ ሓደስቲ ኦፊሰራት ኣመልኪቱ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ናብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ) ዝተልኣኸ Office memo ኣሰንዩ ምቕራቡ ይፍለጥ፡፡

ኣብ ዕጥቅን ሎጂስቲክስን ከኣ፡ በቢእዋኑ እሙናት ሓለፍቲ ተመሪጾም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓረብ፡ ሩስያን ኤውሮጳን እንዳተልኣኹ መጽናዕታት ብምክያድ፡ ዘይሕጋዊ ዕድጊ ክፍጽሙ ጸኒሖም’ዮም፡፡ ብፍላይ ኣብ 2012 ብዘይሕጋዊ መገዲ ገለ ሓለፍቲ ናብ ራሻ ተላኢኾም ዝተፈላለዩ ናይ ሄሊኮፕተራት መቀያየሪ ብሕቡእ ዕድጊን ሰደድን (Smuggle flight) ናብ ሃገር ክኣቱ ተገይሩ እዩ፡፡ (ክቡራት ኣንበብቲ ንሓይሊ ኣየር ዝምልከት ሓበሬታ ደድሕሪ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብዝሰራዕኹዎ ናይ ግዜ ሰሌዳ መሰረት ክፍንወልኩም እየ፡፡) ንሎሚ ግን ኣብ ሚዲያታት ብፍላይ ኣብ ፌስቡክ ኣብዚ ቅንያት ዝተሰምዐ ጉዳይ ምጥፋእ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝምልከት ጥሉል ሓበሬታ ስለዘሎ ናብኡ ከብለኩም፡፡

ኣብ ቅልውላው ምሕደራ ጥሒሉ ዝርከብ ኢሳይያስ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ዘውረዶም ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት መምርሒታት ዘይሓላፍነታዊን ዘይሳንሳዊን እዮም፡፡ ካብዞም ብሃውሪ ናብ ሓይሊ ኣየር ዝወረዱ መደባት ሓደ፡ ዘይሕጋዊ ዕድጊ ዝተፈላለዩ ኣጽዋራትን መቀያየሪታትን ኮይኑ፡ ካብ ሓይሊ ኣየር ብመጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ (ወዲ ሃብተስሉስ) ዝተመርሑ ኦፊሰራት ብዕለት 10/07/2016 ናብ ዱባይ ተላኢኾም፡፡ ንወዲ ሃብተስሉስ ሓዊሱ ኩሎም ኣባላት ከም ተራ ነጋዶ መሲሎም ናብ ዱባይ ዝተለኣኹ ኮይኖም ዝተጠቐምሉ ጉልባብ ከኣ ከምዝስዕብ እዩ፡

1. መጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ እምባዬ (ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ፡ ብተራ ፓስፖርት ‘’ዳሪክተር ኮርፕሬት ኮሚኒከሽን’’ ብዝብል ጉልባብ)

2. መጀር ዮናስ ሄኖክ ገብረተንሳኤ (ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ኣብራሪን እስኳድሮ ሄሊኮፕተርን፡ ብተራ ፓስፖርት ‘’ቢስነስ ዲቮለፕመንት ማናጀር’’ ብዝብል ጉልባብ)

3. ካፒተን ኣስመሮም ኣማኒኤል ገብረመድህን፡ (ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ናይ ኣጉስታ ሄሊኮፕተር ኢንስትራክተርን ፍላይት ቴክኒሻንን፡ ብተራ ፓስፖርት ‘’ቢዝነስ ዲቮለፕመንት ማናጀር’’ ብዝብል ጉልባብ

4. ካፒተን ዮናስ ተስፋይ ተድላ፡ (ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ፋይናንስን ዕድግን ሓይሊ ኣየር፡ ብተራ ፓስፖርት ‘’ቢስነስ ዲቮለፕመንት ኮኦርዲነተር” ብዝብል ጉልባብ) ዝተልኣኹ’ዮም፡፡

እዞም ኣባላት ኣብ ሓይሊ ኣየር ንወፍርታትን ዕድግን ዝለኣኹ እቶም ዝተኣመኑ ኣባላት ኮይኖም፡ ካብ 10 ክሳብ 23 ሓምለ 2016 ኣብ ዱባይ ንኣስታት 14 መዓልታት ምስ ዝተፈላለዩ ዘይሕጋውያን ሸይጥቲ ኣጽዋር ርክብ ጌሮም፡፡ ቀጺሎም ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ጥልያን ብምኻድ ምስ ዝተፈላለዩ ካብ ሲሲሊ ሎምባርድያን ዝመጹ ናይ ኣጽዋር ክኢላታት ተራኺቦም፡፡

ኣብ መወዳእታ ብ5 ነሓሰ 2016 ናብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ክምለሱ ምስተሓበሮም መጀር ዮናስ ሄኖክን ካፒተን ኣስመሮም ኣማኒኤልን ንመጀር ጀነራል ተኽላይ ኣሽኪዖም ኣብ ጥልያን ተሪፎም፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ዳርጋ ኣብ ኩሉ መሓውራት መንግስቲ ዝነበሩ እሙናት ላዕለዎት ሓለፍትን ኪኢላታትን ቀስብቐስ ኣብ ዘዝገሽዎ ኣብ ዝተርፍሉ ዘለው ኣብዚ እዋን ናይዞም ክልተ ኪኢላታት ህድማ ነቲ ኣብ ሰንከልከል ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ዓቢ ክሳራ እዩ፡፡ ኣብ ኢደይ ካብ ዝርከቡ ሰነዳት ሓይሊ ኣየር ከምዝሕብርዎ ድሕረ ባይታ እቶም ዝጠፍኡ ኣባላት ዝስዕብ’ዩ፡፡

1. መጀር ዮናስ ሄኖክ ገብረትንሳኤ፡ ትውልዲ ዓዲ ዓዲ ሓውሻ ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኮይኑ ኣቦኡ ተጋዳላይ ሄኖክ ገብረትነሳኤ ኣብ ሜዳ ዝተሰውአ’ዩ፡፡ ዮናስ ሄኖክ ብ1996 ናብ ራሻን ጥልያንን ተላኢኹ ዝተፈላለየ ናይ ነፈርቲ ውግእ ስልጠና ካብ ዝወሰዱ ክኢላታት ሓይሊ ኣየር ሓደ’ዩ፡፡ ብመጀር ጀነራል ወዲ ሃብተስሉስ ኣዚዩ ተኣማኒ ዝነበረ ዮናስ ኣብ ዝተፈላለዩ ወፍርታት ንፕረሲደንትን ላዕለዎት ሓለፍትን ካብን ናብን ዘመላልስ፡ ኣብ ፍሉይ ተልእኾታት ዝዋፈር፡ ንሱቱር ዕድጊ ናብ ወጻእ ዝለኣኽ ኣባል ሓይሊ ኣየር ‘ዩ፡፡ ኣቦ 4 ቆልዑት ኮይኑ ኣብ 2012 ኣብ ባጽዕ ምስ ስድርኡ ኣብ ምዝንጋዕ እንከሎ ሓደ ወዱ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ስለ ዝጠፍኦ ኣብ ክቱር ስነ-ኣእምራዊ ጭንቀት ዝነበረ ውልቀ ሰብ ‘ዩ፡፡

2. ካፒተን ኣስመሮም ኣማኒኤል፡ ዕባይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኮይኑ፡ ንናጽነት ካብ’ቶም 9ይ ክፍሊ በጺሖም ናብ ሓይሊ ኣየር ዝኣተው ኣባላት ‘ዩ፡፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝተፈለለየ ስልጠናታት ወሲዱ፡ ካብ ተራ ኣባልነት ክሳብ ላዕለዋይ መምህር፡ ፍላይት ቴክኒሻን፡ ሱፐር ቫይዘር ኣጉስታ ሄሊኮፕተር ንምኻን በቒዑ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሓይሊ ኣየር ካብቶም እሙናት ተባሂሉ ናብ ራሻ፡ ጥልያንን ዒመራትን ተላኢኹ ኣብ ዝተፈላለዩ መጽናዕታትን ዕድግታትን ዝዋሳእ ሓላፊ ‘ዩ፡፡

ምጥፋእ ናይዞም ክልተ ኪኢላታት ንቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ንገለ ላዕለዎት ሓለፍትን ምስተሓበረ፡ ሓያል ምስንባድ ስለ ዝተፈጥረ፡ ንኹሎም ነቲ ጉዳይ ዝፈልጡ ሓለፍትን ኣባላትን ብምስጥር ክተሓዝን ንሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ዓዲ ጥልያን ርእሶም ገብረገርግስ ንህልው ኩነታቶም ተኸታቲሉ ብህጹጽ ክሕብር ተኣዚዙ ‘ሎ፡፡

Micheal Embaye (Aranchi)

Justice Ineritrea
Write a comment…
Micheal Embaye shared his post.
Micheal Embaye's photo.
Micheal Embaye's photo.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *