ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ by- Kahsay Ehdego

 

 

ማሕበር ረዲኤትን ምዕባለን ኤርትራ ዝተባሃለ ግብረ ሰናይ ማሕበር ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራወያን ሓገዝ ከበርክት ዝጸነሐን ዘሎን ማሕበር ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2015ን ው’ን ከምቲልሙድ ዕማማቱ ብ ዕለት 8ን 9ን ንሓሰ 2015 ኣብ ማዓስከር ማይዓይኒ ንሽማግለታትን ናይ ሓርነት ስንኩላንን ድሕሪ ሰፊሕ ልዝብን ምምይያጥን እዞም ዝስዕቡ ሓገዛት ዓዲሉ፡፡ ፉሉይ ረዲኤት ዝድልዮም ዝነበረ ድማ ከም ክራንች ምርኩስ፣ ጫማታት፣ ክዳውንቲ፣ ንሽማግለታት ፣ናይ ዓይኒ መነጸር፣ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ድቂ ኣንስትዮን ውሽጢ ስረ መጻረይ ሳሙናን ኦሞን ኣጃክስን ብዓወት ዕድለቱ ምስ ፈጸመ ተረዳእቲ ወገና ናይ ብሞራልን ፍናንን ንማሕበር ኣሞጊሶም፡፡ ማሕበር ንስንኩላን ርእሰ ምርኮሳ ዝኸውን ናይ 5000 ሽሕ ብር ሓገዝ ኣበርኪቱ ፡፡

ንዕለት 10ን 11ን ንሓሰ 2015 ድማ ኣብ ዓዲ-ሓሩሽ ቀጻላይ ዕማማቱ ከሰላስል መደብ ኣውጺኡ ስለዘሎ እቲ ዕማም ምስተ ፈጸመ ንኹሉ ደላይ ሰላምን ፍትሕን ለውጥን ህዝብና ብመራኸቢ ቡዙሓን ክንሕብር ምዃና ብትሕትና ንሕብር፡፡
በጃኹም ሸር ግበርዎ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *