23 ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሃይማኖታዊ እምነቶም ተኣሲሮም

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ሓምለ 21/2016 ዓ.ም.ፈ. 23 ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሊኹም ብምባል ከምዝኣሰሮም ካብ ኣሃዱታት ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ኤርትራ ዝመጸና ጽጹይ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። እዞም ተኣሲሮም ዝበሃሉ ዘለው 2 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከበኦም 23 መንእሰያት ብጀካ ተኸተልቲ እምነት ጴንጠ-ኮስታል ምዃኖም እንተዘይኮይኑ ካልእ ከእስሮም ዝኽእል ምኽንያት ውይ ገበን ከምዘይነበሮም እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ተኣኪብካ ብጾሎት ንኣምላኽካ ምስጋና ምቕራብ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣመንቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ናይ እምነት ስነምግባር እዩ። ይኹን’ምበር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጸረ ልምድን፡ ባህልን እምነት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ስለዝኾነናይ ኩሎም መራሕትን ሰዓብትን፣ እምነታት ኣሲሩ የሳቕዮም ምህላዉ ንማንም ስዉር ኣይኮነን። እዞም ተኣሲሮም ዘለዉ 23 ሰባት ናይ ስራሕ መደቦም ምስ ኩባንያ ዓሊ ሙሳ ዝሰርሑ ኮይኖም መዓልታዊ ስርሖም ወዲኦም ናብ መዕረፊ ቦትኦም ተመሊሶም ኣብ ዕረፍቲ ግዜኦም ሓቢሮም ስለዝጽልዩ ክከታተልዎም ድሕሪ ምጽናሕ ሓደ መዓልቲ ካብ ስራሕ ናብ መዕረፊ ቦትኦም ምስ ተመልሱ ብሃንደበት ትድለዩ ኣለኹም ብምባል ናብ ማእሰርቲ ተሓድሶ ምዕራባዊ እዚ ምዕራብ ባረንቱ ከምዝተወስዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ሕማቕ መርኣይኡ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ካብ ሉለን እምነታት ሃገርና ብጃምላ ክኣስር ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ። ስለዚ ካብ ክርስትያን እምነት ዝኽተሉ ካብ ምስልምና ወዘተ… ኣብ ፍሉይ ቦታታት ዳጒኑ ብሰንኪ ሕጽረት ሕክምናን ክንክንን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ከይጠቐስና ክንሓልፍ ኣይንፈቱን። እዚ እንጠቕሶ ዘለና ንስለ ምግናን ዘይኮነስ ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ብሰነድ ዝስነ ጭቡጥ መርትዖ ከምዘለዎ ከረጋግጸልኩም ይፈቱ ።

ኣብዚ ብንጹር ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ ጉዳይ እንተሃልዩ ምእሳር ምስቓይ ምጭዋይ ምቕታል ልሙድ መዓልታዊ ስራሕ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምዃኑ ከም ዉሁብ ወሲድና እቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ግን እቲ ኣይተኣሰረን ተባሂሉ ኣብ ቤቱ ዝነብር’ውን ሎሚ ድዮም ጽባሕ ክኣስሩኒ እናበለ ተሸቚሪሩ ዝነብር ዘሎ ህዝብና እዩ ዘረድእ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብባህርያቱ ደቂ-ሰባት ተሓጒሶም ሓቢሮም ክድሰቱ ሓዚኖም’ውን ብሓባር ክጸናንዑ ሕልናኡ ዘይፈቕደሉ ስርዓት እዩ። መዐቀኒ ምዕባሌ ናይ ሓደ ስርዓት ህዝቢ እዩ። ህዝቢ መነባብርኡ ከመሓይሽ ስራሕ ምስዝፈጥረሉ በተን ዝረኽበን ቊጠባዊ እቶት መደብ ሰሪዑ ስድራ-ቤቱ ክጥውር ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ገለ ነጸብራቕ ናይቲ ምዕባሌ እዩ ክበሃል ይከኣል ብኣንጻሩ ግን ንሓደ-ሰብ ክበልዖ ዘለዎ ዓቐን ባኒ እናተቖጻጸርካ ኣብ ገዛኻ ካብቲ ዝተወሰነ ዓቐን እኽሊ ትርፊ ከይተቐምጥ ተኣጊዱ እተን ዝርካቡ ጨቐቕ ኢሉ ንሕማቕ መዓልቲ ዝቖጠበን ባጤራ ናቕፋ’ውን ኣብ ክንዲ ብዋንኡ ብሓጐስ ክሻ ክመሓደር እንተድኣ ገይሩ ፣ እዚውን ካልእ ሓድሽ መልክዕ ናይ ማእሰርቲ ምዃኑ እዩ ዘብርሃልና።

ስለዚ እዞም ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም 23 መንእሰያት ምእሳር ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ተርእዮ ኣይኮነን። ኣውያቶም ናብ ህዝቢና ከነቃልሓሎም ብኡ መጠን ህዝብና እንታይ ተራ ይጻወት ንዕኡ ዝምልከት ይኸውን። ዝርዝር ኣስማቶም ንግዜኡ ኣብ ኢድ ስሙር ደሞክራሲያዊ ግንባር ተዓቂቡ ክጸንሕ ተመራጺ ኮይኑ ረኺብናዮ ኣለና።

ባህልን፣ ስሙር ደሞክርሲያዊ ግንባር ኤርትራ www.EriFront.com E-mail: uedf2012@gmail.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *