ኣየ እዚ ኣፈጣጥራናስ!!!!! ገሊኡ ዉሑድ ሰሪሑ ከም ምልኣኽ ተላምዶ ዘለኻ ቆልዓ፡ ዘይተመስገንኩ ኢሉ ክዓፍርን ከም ሕንጢት በጃኽን ብኹራ ከንፈሩ ከሕብጥን ትርእዮ፡፡ ገሊኡ ከኣ ዘውፈረኒ ከይገበርኩ ሰለም ምባል የለን እንዳበለ፡ ኣብ ገድልን መስገደሉን ሕጊግ ክብል ትርእዮ፡፡ ቃልስና ከኣ ድሓን ይእቶ ምስኩሎም ኣራኺቡና፡፡ ክቡራት ኣንበብቲ እዚ ሕጂ ነቕርበልኩም ጋሻ እዚ ዕላል፡ ግን ከኣ ብጻይ ኣብ ቃልሲ ብኹሉ ኣበርክትኡ ይኹን ዕድሚኡ ኣቱም ክበሃል ዝግብኦ እኳ እንተኾነ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ኣብ ጎድኒ ተቓለስቲ ንዞሎ ብጻይ ብምለጋብ ንንጽል ኣጸዋውዓ ንባዕሉ ዓቢ ክብሪ ብምዃኑ ስኽፍ ከይበለኩም ብጻይ ፋዘር እንዳበልኩም ጉጅም በሉ ምስ እዚ ጥዑም ዕለሉ፡፡ ክቡር ብጻይ ንደለይቲ ፍትሒ ዝኾነ ገዲም ተቓላሳይ ተስፋሚካኤል ኣርኣያ ካብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ( ሓራካ ) ጀሚሩ እታ ካብ ንጉሁኡ ዘቃለሰቶ መሊኣ ክውንቲ ስለ ዘይኮነት ካብ 1958ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ምስ ደቁን ደቂ ደቁን ይቃለስ ኣሎ፡፡ ኣብ እዚኣ ነንነብስና ክንሓቶ ዝግበኣና ብኹንትራት ዘይሓዝናዮ ቃልሰና ክሳብ ዓወት ክንቃለስ ምዃና ርግጸኛታት ዲና? ምፍታሽ’ዩ፡፡
በሉ ሰናይ ዕላል ቀዳማይ ክፋል ምስ ፋዘር ተጋዳላይ ሰራዊት ሕድሪ፦
ፋዘር፡ መጀመርታ ነዚ ምሳኻ ናይ ምዕላል መደብና ኣብዝተወከስናካ ሙሉእ ናይ መርሓባ መልስኻን ቅልጡፍ ናይ ግዜ ውሳነኻን ስለዘርኣኻና ኣዚና እንዳ ኣመስገና፡ መጀመርታ ዕላልና ክትኮነና እስከ ብኩነታት ጥዕናኻ ብምውካስ ክንጅምር እሞ ጥዕናኻ ከመይ ኣላኻ?
ፋዘር፦ ኩነታት ጥዕናይ እግዝኣቢሄር ይመስገን ደሓን ኣለኹ፡ ዘሻቕል ናይ ጥዕና ጸገማት’ውን የብለይን፤ ከም ሰብ ክጽልኣኒ ወይ ዘይንቡር ናይ ጥዕና ኩነታት ክስምዓኒ ከሎ ካኣ ተቐላጢፍካ ናይ ሕክምና ምክትታል ልምዲ ኣለኒ፡ ብኡ መሰረት ድማ ብሕክምና ንዝወሃበኒ ምኽሪ፡ ወይ መድሃኒት ኣብ ግብሪ የውዕል ኢየ፡፡ ብሓጺሩ እግዝኣቢሄር ይመስገን ዘሻቕል ናይ ጥዕና ጸገማት የብለይን፡ ኮይኑ ግን ከም ኩሉ ኤርትራዊ በዚ ሕጂ ዘሎ ዲክታተራዊ ስርዓት ኣብ ሃገርና ኩነታት ህዝብን ሃገርን የሻቕለኒ፡ ኮይንዎ ድዩ ባህግናን ትምኒትናን ናይ ናጽነት ቃልስናን ከም እቲ ንደልዮ ምዃን ኣብዩና ክነብር ዝብል ቃንዛን እህታን ኣለኒ፡ እዚ ክበለካ ከም ኩሎመ መቓልስተይ ማለትይ ኢየ፡፡
ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ፋዘር፡ ካብ እዋን ምምስራትን ቃልስን ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ)1958ዓ/ም ጀሚርካ ክሳብ ሎሚ ማለት 58 ዓመታት ኣብ ምንዳይ ፍትሕን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቃልሲ ኣለኻ፡ ንምዃኑ ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት ካብ ቃልሲ ዘዕረፍካሉ ወይ ዘቋረጽካሉ ዓመታት ኔሩ ዶ?
ፋዘር፦ ኤርትራዊ ኮንካ ብናጽነት ሃገርን ህዝብን ትሓሊ ንምትግባሩ ሓንሳብ ዝወፈርካ እንተደኣ ኮንካ፡ ዕረፍቲ ዝህብ ስለ ዘይኮነ እቲ ሃለዋትና ዕረፍቲ የለን፡፡ ስሚዒት ዕረፍቲ ካብ ቃልሲ ከኣ፡ ሰለም ዝሰፈኖ ሂወት ህዝቢ ምስእትርኢ ኢዩ፡፡ ልዕልና ሕጊ እንተተረጋገጸ ኢዩ፡፡ ስሚዒት ዕረፍቲ ንሓደ ተቓላሳይ ዝረኣዮ፡ ህዝቢ ወለድኡ ክተኻኻእን ኣምሂሩ፡ ኣባጺሑ፡ ኣምሲሉን ደቂ-ደቁ ሲዒሙን እንተረኣየ ኢዩ፡፡ እዚ ክሳብ ዘይተረኽበ ቃልሲ ኣገባባቱ ክቀያየር ይኽእል እምበር መቅላስ ዘይተርፍ እዩ፡፡ ንሕና ኤርትራውያን ካኣ ኣብ ሃገርና ህዝባዊ ናጽነት፡ ፍትሒ፡ ህዝባዊ ስርዓት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ክሳብ ዘይተረኽበ ኣብ ሃገርና፡ ዕረፍቲ ካብ ቃልሲ ክርከብ ዘይሕሰብ ኢዩ፡፡ እዚ ክብለካ ከለኩ ግን ኣብ እቲ መጀመርታ ዓመት ወይ ክልተ ዓምት ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ደርጊ ቀስ እንዳበለስ ዝመሓየሽ ኣካይዳ ክህሉ እዩ ዝብል ሓሳበ ተስፋ ዳርጋ ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኔሩኒ ኢዩ፡፡ እዚ ግን ዕረፍቲ ካብ ምቅላስ ዘስምዕ ኣይመስለንን፡ ስለ እዚስ ካብ ምሰራዕ ምስ ሓራካ ጀሚረ ክሳብ ሎሚ ካብ ቃልሲ ኣብ እዚ እዋን ኣዕሪፈ ኔረ ዝብለሉ ግዜ ኣይዝክርን፡ ብዛዕባ ምዕራፍ ካብ ቃልሲ’ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን’የ፡፡
ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ኣብ ውድብ ግሃድኤ-ሕድሪ ንኣባል ማእከላይ ባይቶ ኣመራርሓ መሐለውታ (ተጠባባቒ) ኢኻ፡ እዚ ማለት ኣብ እዚ ውድብ ብዛዕባ ኣካይዳኡ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ኣለካ ማለት እዩ፡ እስከ ብዘይቃልዓለም እዚ ውድብ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይርከብ?
ፋዘር፦ ወጽዓ ዝኣኻኸበን ፖለቲካውያን ውድባት፡ ምንቅስቓሳት፡ ይኹና ሲቪክ ማሕበራት ናይ ኤርትራ፤ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለምና ብፍላይ ካኣ ንኢትዮጵያ ከም መንጠሪ ባይታ ዝጥቀማ ናይ ኤርትራውያን ሃገራውያን ውድባት ኣለዋ፤ ውድብና ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ድማ ሓደ ካብ እተን ሃገርውያን ውድባት ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣባላት ዘለዉዎ፡ ትስፉው ዝኾነ ወተሃደራዊ ቅርጻ ዘለዎ፤ ፖለቲካዊ መደብ ዕይኡ ከተግብር ዝቃለስ ዘሎ ውድብ ኢዩ፡፡ ኣብ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ዘጃህር ካብ ካልኦት ውድባት ብዝተዓጻጸፈ ሓይሊ ሓኒንና ንኸይድ ኣሎና ኢለ ክዛረብ’ውን ኣይደልን፡ ምኽንያቱ ናይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ውድብ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ብደረጃ እታ ተሳትፍኡ ይበሎን ይምዘኖን ዝብል መልሲ ኢዩ ዝቕድመኒ፡፡ ብዓቢኡ ግን ውድባት ኤርትራ ዘዕግብ ፍረ-ቃልሲ ከርእያ ምእንቲ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህልን ጥምረትን ከተኣታትዋ ኣለወን፤ ቃልስና ድማ ኣካይድኡ ይኹን ኣተሓሳስብኡ ከሐድስ ኣለዎ፤ ናይ ምትእምማን ዓቕሚ ኣጥርዩ ተኣማሚንካ ናይ ምስራሕ ባህርን ባህልን ከተኣታቱ ኣለዎ፡፡ ብዓቢኡ ተጠሚሩ ንኸይሰርሕ ዝኸልኦ ዝኾነ ይኹን መዐቀኒ’ውን የብሉን፡ ካብ ኣንነትን ጽቡብነትን ወጺኡ ድኽነት ኣብ መተካእታ ቃልሲ ከይገጥሞ ተካኢ መንእሰያዊ ሓይሊ ናይ ምስታፍን ምሕቋፍን ልምዲ ከጥሪ ኣለዎ፡፡ ውድባት ኤርትራ ነቲ ከም ሓደ ዝርእዮ ዘሎ ጸላኢ ብሓድነት ይኹን ብስኒት ክገጥሞ ምስ ጀመረ እዩ ካኣ፤ ከመይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ኣዕጋቢ መልሲ ዝርከበሉ፡፡ ብፉሉይ ኣብ ውድብና ኣተኲረ ክብል እንተ ኮይነ ድማ ዋላ እኳ ኣየ ዘበለን ዋላ ሓንቲ ጉድለታት ዘይትረኽበሉ ኣካይዳ ዝኽተል ውድብ ኢዩ እንተዘይበልኩ፡ ምስ ዝሓለፈ ቁሩብ ዓመታት ዝነበሮ ኣካይዳን ሕጅን ብምውድዳር ክጥምቶ ከለኹ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝሓሸን ተስፋ ዝህብን ኩነታት ኣሎ ክብል ይደፍር፡ ነዚ ከኣ ብዙሕ መዐቀኒታት ከቐምጥ ይኽእል ኢየ፡ ንኣብነት ዝረኣዩ ሽግራት ብእዋኑ ናይ ምፍታሽን መዓልቦ ናይ ምግባርን ባህሊ ኣጥርዩ፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓን፡ ኣብ ማእከላይ ኣመራርሓን ብግብሪ መንእሰያት እንዳ ኣሳተፈ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ወተሃደራዊ ክንፉ ዳርጋ ብሙሉኦም ብመንእሰይ ወለዶ ዝተተከአ እዩ፡፡ ባይቶ ውድብ እቲ ዝግባእ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ድሕሪ ጉባኤ ዝሕሉን ዝትግብርን ኮይኑ ሓላፍነት ውድብ ብሰክረተር ባይቶ ኣቢሉ ይቆጻጸር፡ ናይ ጉባኤ ግዜን ስልጣንን ካብ ቀደም ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣዝዩ ዝማዕበለን ኣሳታፍን ኢዩ፡፡ ኮታ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ዝሓሸ ውድባዊ እስትንፋስ ዘለዎ ውድብ ኮይኑ ንክቕጽል ካብ ዘኽእልዎ ሮቋሒታት ዝጨበጠ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡
ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ዝኸበርካ ገዲም ተቓላሳይ ፋዘር! ወድባት ኤርትራ ተቓለስቲ መንእሰይ ወለዶ ናይ ምሕቋፍ ባህሪ ከርእያ ክትላቦ ጸኒሕካ፡ ንምዃኑ መንእሰያት ኤርትራ’ኸ ቃልሲ ናይ ምርካብ ድልውነቶም ይኹን ናብ ቃልሲ ናይ ምጽንባር ባህጎም ከምኡ’ውን ተሳታፍነቶም ኣብ እዚ ዝካይድ ዘሎ ቃልሲ ከመይ ኣሎ ትብል?
ፋዘር፦ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ካብ መንእሰያት ዓለምና ብሙሉኦም ከም መንእሰያት ኤርትራ ጌሩ ዝተወጽዐ መንእሰይ ዘሎ ኮይኑ ኣይስምዓንን ኢዩ፡፡ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ከምዝፈልጦ ፈቐድኡ መኣዝናት ተዘርዩ ኢዩ ዘሎ፤ ብዘይምግናን ከመይ ጌርካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮንካ ተወዳዲብካ ለውጢ ከተምጽእ ትኽእል ክርድኦ ኣይኮነን ኣብ ርሑቕ ስደት ኮይኑ’ውን ወጽዓ ከም ዘለዎ ዓው ኢሉ ንገዛእ ሽግሩ ንኽምስክር ብጀካ ገለ ውሑዳት ክፋሉ ገዲፍካ ዳርጋ ብምሉኡ ብገዛእ ሽግሩን ጸገሙን ነዛ ክዛረብ እኩዋ ተጸጊሙ ኢዩ ጸኒሑ፡ እዚ እንታይ ኢዩ ዘርእየካ ደገፍ ዘይምርካቡ፡ ኣለናልካ ዝብሎ እሞ ሽግሩ ብኸመይ ክፈትሕ ይኽእል ልግብ ኢሉ ክላዘቦ ዝኽእል ሓይሊ ዘይምርካቡ ኢዩ ዘርኢ፡፡ ብተዛማዲ ካብ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝሓሸ መልክዑ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ባዕሉ ለውጢ ናይ ምድላይ ይኹን ናብ ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ምጽንባር ስጉምትታት ይወስድ ኣሎ፤ ቅድሚ ሕጂ በታ ካብ ሃገሩ ሃዲሙ ዝወጸላ ኣቢሉ ኣብ ናይ ስደት ቦትኡ ኣጽቂጡ እዩ ዝነብር ኔሩ፡ ሎሚ ግን ከምኡ ኣይኮነን ዘሎ፤ ሰለማዊ ሰልፍታት ይሰርዕ፡ ኣኼባታት ይመርሕ፡ ብውድባዊ መልክዕ ይኹን ብማሕበራት ይጥርነፍ፡ ናይ ምውድዳብ ስጉምቲ ይወስድ፡ ብሓፈሽኡ ሃዲምካ ምጽቃጥ ገዲፍዎ ኢዩ፡ እዚ እዩ እምበኣር ናይ ለውጢ ድሌታቱ በሪኹ ምህላዉ ዘመስክረልና፡ ተሳታፍነቱ ንኽዓዝዝ ከኣ ነዚ ዓቢ ተስፋ ዝህብ ምውድዳባት ይኹን ብማሕበራት ናይ ምጥርናፍ ስጉምትታት ውድባት ኤርትራ ክልብማሉ፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ክኸስብኦን ሕጽረታቱ ክምልኣሉን ነቲ ዘለወን ሕጽረታት ከኣ ክምልኣለንን ምእንቲ ክሓቑፍኦ ኣለወን ዘብለኒ ዘሎ፡፡ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ናይ ለውጢ ድሌቱ ኣዝዩ በሪኹ ብምህላዉ ቃልሲ ናይ ምርካብ መንፈስ የረኢ ኣሎ ዝብል ዕግበት ኣለኒ፡፡ ብኣንጻሩ ውደባት ኤርትራ ብሓፈሻ ግን ኣይግድን፡ መስዋእቲ ከፊለን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣትየን ክውድብኦን ከቃልስኦን ዝግብአን፤ ሳላ ሕመቕ ስርዓት ህግደፍ ተማሃራይ ካብ ቤት ትምህርቱ፡ ወተሃደር ካብ መሳርዑ ኣግልግሎት ካብ ዝተፈላለየ መዓስከራት፡ ነናብ ዘለውኦ ክፍሊ
ዓለም እንዳመጸን እንከሎ ነቲ ከይጸዓራሉ ዝመጸን መንእሰይ ንኽቃለስ ከተባብዐኦስ ይተረፍ ክሳብ ሕጂ ብጎቦ ዓይነን እየን ዝርኤኦ ዘለዋ፡፡ ነገር ሓቂ ግን ብነብሱ ነዚ ናይ ተክኖሎጂ ዓለምና’ውን ከረኻኽቡሉን ምስኡ ዝውንጨፉን ብቋንቋ ናይ እዛ ሕጂ ዘላ ዘመናዊት ዓለምና ብብቕዓት ክወጽዎ ዝኽሉን መንእሰያት ብምዃኖም እዞም ሽምግልና ኣርኪቡና ዘሎ መራሕቲ ቦታ መሰረታት ቃልሲ ጥራሕ ዘይኮነስ ቦታ መሪሕነት ቃልሲ እውን ብመተካእታ ከነተሓሕዞም ተመኩሮታትና ከነውርሶም ኣብ ጎድኖም ደው ኢልና እጃመናን ዓቕምናን እንዳ ተወፈና ሃየ ጉየዩ ክንበሎም ኣብ ዘድልየሉ እዋን ኢና ዘለና በሃላይ ኢየ፡፡
ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ፋዘር ካብ ሕቶ ንእስነት ከይወጻና፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ መቸም ቃልስን ምቅላስን እንድዩ፡ እቲ ናታትኩም ናይ ንእስነት እዋን ርሱን ሃገራዊ ስሚዒት ንመግዛእቲ ባዕዳዊ ጭቆና ናይ ምልጋስ ወፍሪ ናብ ሰውራዊ ዕጥቅን፡ እዚ ሎሚ ዘሎ ካብ ውሽጣዊ መላኺ ንምህዳም ዝወለዶ ስደትን ሪኢኻ ታሪኽ ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ ኢልካ ከትዛረበሉ ክልተ ጫፋት’ዩ ዝመስል እሞ ንስኻ ከመይ ትገልጾ?
ፋዘር፦ ኣብ እቲ ዘመናውነት ናይ ዓለምና ኢዩ እቲ ፍልልይ ዘሎ እምበር ኣብ እቲ ምቅዋም ንመግዛእቲ ኣይኮነን፡ እቲ ቅድም ንባዕዳዊ ገዛኢ ህዝብና ይቃወሞ ኔሩ ተቓዉሙኡ ድማ ብዝተፈላለየ መልክዑ የካይዶ ኔሩ፡ እዚ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ድማ ነዚ ዘሎ ካብ ባዕዳውያን መግዛእቲ ብዝኸፍአ መልክዑ ጌሩ ንህዝቢ ዘበሳብስ ዘሎ ስርዓት ድማ ብትሪ ይቃወሞ ኣሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስቕ ኢሉ ንዲክታተራዊ ስርዓት ኢሳያስ ተመሊኹ ይግዝኣሉ ኣሎ ዝብል ሰብ እንተደኣ ሃልዩ፡ ንባዕሉ ተጋግዩ ኣሎ፡፡ ወይ’ውን ነቲ ዝኸውን ዘሎ ተቓዉሞ ኣይስተብሃለሉን ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ህዝቢ እኮ ብጥርኑፍ ስድራቤት ርዖኡ ጠቕሊሉ ጥሪቱ ኮብኲቡ ካብ ክቢ ግዝኣት ህግደፍ ናይ ሞትን ሕየትን ስጉምቲ እንዳወሰደ ዶብ ምስጋር ካብ ዝተሓሓዞ ዓሰርተታት ዓመታት’ዩ ኣቑጺሩ ዘሎ እዚ ከኣ ተቓዉሞ ኢዩ፡ ዋላ እኳ ህዝቢ ኤርትራ ውሽጣዊ ምሕደራ ማለት ዘቤታዊ ገዛኢ ኣብ ውሻጥኡ ይሃልዎ እምበር እቲ ህዝቢ ተጎጥጒጡ ሃገር ብዓባያ ገዲፉ ምውጽኡ እኮ ብግብሪ ካባኻስ ስግር ዶብ ዘለዉ መንግስታት ይሕሹና እዩ ዘስምዕ እዚ ከኣ ሓደ ናይ ተቓዉሞ መግለጺ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ፉሕ-ፉሕ ዝብል ዘሎ ኣብ ቦታ ስደት ኮንካ ተቓዉሞኻ ናይ ምግላጽ ምንቅስቓስ ከኣ ሩኡይ ምስክር ህዝቢ ናይ እምቢታ ስእሊ ንስርዓት ኢሳያስ እዩ፡፡ እምበኣርከስ ናይ ቅድም ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ናሕጂ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሰረታዊ ኣፈጣጥርኡ ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ክነብር ዘየፍቅድ እሺ ኢሉ’ውን ተምበርኪኹ ከም ዘይፈልጥ፡ ንጭቆና ዘይንብርከኽ ኢልካ ንምግላጹ ብዙሕ ኣብነታት ትረኽበሉ ህዝቢ ኢዩ፡
ብዛዕባ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስግጋርን ናይ ቀደም መንእሰያት ናይ ሕጂ ዓበይቲ ወለዲ ዋላ’ውን ኣቦሓጎታት ኮይኖም ዘለዉ ጥር ኢሎም ናብ ሰውራ ኣትዮም ዝብል እንተሃልዩ’ውን ነቲ ናብ ሰውራ ንምጽንባር ይኹን ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ሰውራ ንመጅማር ዝወሰደሉ ኣስካላታት ቃልሲ ምርኣይን ምውካስን ከድሊ እዩ፡፡ ሕጂ ድማ ልክዕ ከምኡ ኢዩ ዘሎ ተቓዉሙኡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጽ ኣሎ፡ እቲ ኣማራጺ ቃልሲ ብኹሉ ወገን ጎነጻዊ ቃልሲ ምጥቃም ዝብል ምርጫ ብኹሉ መደብ ተቓለስቲ ምስተራዕመ ክህሉ ዘለዎ ተቐቢልካ ኣብ ግብሪ ናይምውዓል ብቕዓት እዩ እምበኣር ብውድባት ድልውነት ክርአ ዝድለ ዘሎ፡፡
እዚ ምርጫ ኣገዳሲ እዩ ተባሂሉ እንሀና ዝብል ሓይሊ መንእሰይ ምስበርከተ ላዕለዋይ ናይግብራውነት ስሚዒቱ ገንፊሉ ኣበለኹም ኣብ ዝብለሉ፡ ንምሕቋፉ ድሉው ኮንካ ንምጽናሕ ቅሩብነት የድሊ፡፡ ምኽያቱ ጽባሕ ንጉሆ እቲ ናብ ጎነጻዊ ቃልሲ ደፊኡ ዝመጽእ ሓይሊ ቃልሲ ዝኣልዮ፤ ዘማእዝኖ ይኹን ንጎነጻዊ ቃልሲ ዘገልግሎ ኣቃዉማ ዘቕርብ ሓይሊ ክደሊ እዩ፡፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ጎነጻዊ ሓይሊ ኣማእኪሉ ተቓዉምኡ ዝገልጽ ኣካል ደላይ ፍትሒ’ውን እንተኾነ ነቲ ክመጽእ ዝኽእል ማዕበል ኣኲፉ ብዝግባእ ኣብ መሳርዑ ኣእትዩ ከመሓድር ይኹን እጃማት እንዳሃበ ብጽሒታት ክከታተል ዝኽእል ኣይኮነን ዘሎ፡ እዚ’ውን ነቲ ብናህሪ ካብ ምቅዋም ሓሊፉ ብግብሪ ክገጥም ክመጽእ ዝኽእል ሓይሊ ደላይ ፍትሒ ከመይ ጌሩ ከመሓድር ከም ዘለዎ ምድላዋቱ ዘጽፈፈ ኢዩ ኢልካ ክዝረበሉ ስለዘይክኣል ሓይሉን ዓቕምታቱን ክውድን ኣለዎ ናብ ዝብል መልሲ ኢዩ ዝወስደና፡፡
እንተ እቲ እምቢ ኣይግዛእን ኢየ ምባል ግን ኩሉ ታሪኽና ኢዩ ቅድሙ ድሑሩ፡፡ ከነድንቕ እንተ ኮይና ከኣ እዞም ናይ ሎሚ መንእሰያት ኣብ’ዚ ሎሚ ዘመነ ቴክኖሎጅን ምቾትን ኣብ እዚ ሎሚ ናይ ጥምጥም ግዜ ብእኮነኖሚን ብልጽግናዊ ምርምርን፡ ነዛ ንነብረላ ዘለና ዘመናዊትን ንኽትነብራ እተወናውንን እንዳ ኮነት ትኸይድ ዘላ ዓለምና ወጺኦም፡ ኣይናትናን ኢዩ ህዝብና ካብ ዘመነዊ ስርዓተ ምሕደራ ተሓሪሙ ብሕሱም ምልኪ ይጭፍጨፍ ኣሎ ኢሎም ብዝካኣሎም ዘበለ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ቃልሲ ተጸንቢሮም እጃሞም ንዘበርክቱ ዘለዉ መንእሰያት እንዳ ኣድነቕኩ፤ ናብ ዘመነ ሰውራ ተመሊሶም ህዝባዊ ሓርነት ንህዝቦም ከጨብጡ ህርድግ ንዝብሉ ዘለዉ መንእሰያት እየ ዘድንቕ፡፡ እቲ ናይ ቀደም ግን ብዙሕ ከም እዚ ሕጂ ኣማራጺታት ተደርዲሩ ዘሐንኩለካ ኣይነበረን፡ እዚ እዩ ከኣ እቲ ፍልልይ ኮይኑ ዝርኣየኒ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ
25 / ሓምለ / 2016
