ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI ብዛዕባ እቲ ብሰነ 12/2016 ኣብ መስሓል ኣኽራን ዝተኻየደ ስርዓት ህግደፍ ዝወልዖ ኩናት ዝመጸና ተወሳኺ ዜና

illede

 

ከም ዝዝከር ሰነ 12/2016 ኣብ መስሓል ኣኽራን እቲ ወልፊ ምፍሳስ ደም ልምድን ባህግን ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ ብዝወልዖ ኩናት ብዙሕ ምምዝባል ኣብ ህዝቢ እቲ ከባብን ከምዘኸተለ፡ ፍሉጥ ኮይኑ፡ እቲ ብኩናት ዝዋዘ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ መራሒ ምልካዊ ስርዕት ህግደፍ ዝኾነ እሰያስ ናፈወርቂ ነቲ ዝነበረ ውግእን ነቲ ዝተኸፍለ ሂወትን ብዘነኣእስ ድምጺ 18 ኣሰር መምህራኖም ሲዒቦም፡ ወለድን ቤተሰብን እዞም ዝሰዓቡ ክኣ ክትሕበኑ ኣለኩም፡ ክብል ኣብ እቲ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ማለት 20 ሰነ ከም ዘባጨወ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ሓቂ ግን ሎሚ ሓምለ 04 ካብ ኣስመራ በጺሑና ዘሎ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ጥራሕ 45 ሳንዱቕ ሬሳ ከም ዝወረደ ካብ መካይንን ከክንደይ ሬሳ ሒዙ ኔሩ እቲ ሳንዱቕ ከም ዘይተፈልጠን፡ ብሓፈሻ እንተዘይኮይኑ ታሪኽ ሂወት ከምዘይተገልጸን፡ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ እቲ ብማርሽ ዝተሰነየ ስነስርዓት ቀብሪ እቲ ናይ ዶብ ሰጊርካ ዝግበር ውግእን ኣብ ምድግጋፍ ተጻባእቲ ሓይልታትን ዝያዳ ኣተኩሩ ዝላኣክ ሓዱሽ ኤፍረም፡ ናይ ሃተውተው ቃላት ከም ዘስምዐ፡ እሙናት ምንጭታትና ኣብሪሆም።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር ሓምለ 04/2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *