ሓቅን ሓሶትን፣ ግንባር ንግንባር!! ብገዛኢ ኪዳነ

ሓቅን ሓሶትን፣

ግንባር ንግንባር!!

ብገዛኢ ኪዳነ

 ከምቲ ወለድና ዝምስልዎ ኢዩ፣ ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፈኩስ ከም ዝብሃል፣ ጃንዳ ህግደፍ ዋላ ‘ኳ ከም’ቲ ባዕልዕም ዝብልዎ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ሓዊሶም ኣብ ጀነቭ ሰልፊ ኣካይድና እንተበሉ፣ ሓሶቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዝያዳ ካዕቢቱ ኢዩ ተራእዩ።

ብዕለት 23 06 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ነቲ ጃንዳ ህግደፍ ኣካይድናዮ ዝብልዎ ሰላማዊ ሰልፊ ብብዝሑ ኮነ ብዓይነቱ ዝተዓጻጸፍ ቁጠዐ ህዝቢ ዘገንፈለ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

በዚ መሰረት ሓቅን ሓሶትን ንፍርዲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ዓለም ቀሪበን ኣሎዋ። ኣብ መጨረሻ ግና ሓቂ ክትስዕር ባህርያዊ ስለዝኾነ፣ ጠልጠል ዝበለ ልቢ ህግደፍ ተሳዒሩ ከምቶም ዝሓለፉ መልኽቲ ፍርዱ ኣብ ኢድ ህዝብና ኢዩ ክወድቕ።

ጃንዳ ህግደፍ ንቑጽሪ ይጠቕሙኒ ኢዮም ዝበሎም ኢትዮጵያውያን ከም ዘሰለፈ ብቃሉ ተኣሚኑሉ ኢዩ፣ እዚ ብህዝቡ ዘይተኣማምን ዓቕሉ ዝጸበቦ ንዑቕን ፉንፉንን ዝገብሮ ተግባር ኢዩ፣ ምልክት ናይ ስዕረቱ ድማ እዚ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ”ሑኑቕ እንታይ የውጽእ ዓፍራ ” ከም ዝበሃል ዓቕሉ ጸቢቡዎ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ስለዝኾነ እዚ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ሓሶቱ ንውድቐቱ ዘቃላጥፍ እምበር፣ ካብ ውድቀቱ ዘናግፎ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኣብ ጀነቭ ሓቅን ሓሶትን ተፋጢጠን ኢየን ውዓለን። ኣብ መጨረሻ ድማ ዓይኒ ህዝቢ ዓለም እንታይ ክፈርዳ ኢየን ኣብ ከይዲ ክንርእዮ ኢና።

ብመሰረቱ’ኳ እቲ ለውጢ ብኣና ብኤርትራውያን ኢዩ ዝመጽእ፣ ወሰንቱ ንሕና ኤርትራውያን ኢና፣ ኩልና ደላይቲ ፍትሒ ድማ ሓቢርናን ተሳኒናን ዕድመ ጃንዳ ህግደፍ ብምሕጻር፣ ህዝብናን ሃገርናን ካብ ጥፍኣትን ብርሰትን ንምድሓን ንጽባሕ ይጽናሓለይ ዘይበሃል ናይ ሎሚ ዕዮ ገዛና ኢዩ። ስለ ዝኾነ ሎሚ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኣብ ዝሃሎ ይሃሉ፣ ኣብ ዘሎዋ ውድባትን ማሕበራትን ክውደብ ይግባእ፣ ምኽኒያቱ ከይተወደብካን ከይተጠርነፍካን ዝመጽእ ዓወት የለን። እቲ ጊዜ ሃዋኺ ናይ ለውጢ መድረኽ ስለዝኾነ ደላይ ፍትሒ ኩሉ ክወዳደብ ኣሎዎ።

ካሊእ ዝገርም ነገር ድማ ኣሎ፣ ኣብ ‘ቲ ብወገን ጃንዳ ህግደፍ ዝተኻየድ ሰላማዊ ሰልፊ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ከም ዝተሳተፍዎ ባዕሉ ወሃቢ ቃል ህግደፍ ኣብ ናይ ዜና ማዕከናት ገሊጹ ኢዩ፣ እሞ እዞም ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ሕቶኦም እንታይ ድዩ ?

ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሒ ሰላም ዲሞክራሲ ንምንጋስ እንዲዩ ዕላማኦም፣ ደላይ ሰላም ደላይ ዲሞክራሲ ደኣ ምስ ሓደ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ይስለፍ ዲዩ ? ወይስ ”ዘይስንኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ” ኮይኑ’ዩ ምስ ምልካዊ ስርዓት ከሰልፎም ዝኸኣለ? ህዝቢ ኤርትራ ህዝቦም ስለዘይኮነ ጃንዳ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዋላ እንተጨፋለቖ ዘይንታዮም ኮይኑዎም ድዩ?

ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ምንቅስቃስ ግና ምስ ኮምኡ ዝበለ ደላይ ፍትሒ ደኣ ክተኣሳሰር ዘሎዎ እምበር፣ ደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበልካ መራጎዲ ዲክታቶር ምዃን ብሓቂ ዝገርም ኢዩ ጥራሕ ዘኮነስ ምስቲ ኣብ ማዕከን ዜናታት ዘቃልሕዎ መርገጻት ገጽ ንገጽ ዝራጸም ኢዩ። እዚ ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነ ንሓዋሩ ‘ውን ኣብ ታሪኽ ኣሉታዊ ምዕራፍ ዘሎዎ፣ ብናይ ርሑቕ ምኒኮሎ ሓንጎል ዘይጠመተ ተበላጺ መርገጽ ኢዩ፣ ስለ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ጀነቭ ኣሎና ዝብልዎ ፖሊቲካዊ መርገጽ ወይ ድማ ራኢ ዝበከለ ምንባሩ ኢዩ። ምኽኒያቱ ብእፍካን ብናይ ዜና ማዕከናትካን ዲሞክራስያውያን ብግብሪ ግና መገልገሊ ዲክታቶር ኮይናካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ምግላጽ ንህዝቢ ዓለም ካብ ዘስደመመ ጉዳይ ኮይኑ ኢዩ ሓሊፉ።

ኣብቲ ጃንዳ ህግደፍ ዘቀናበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት መብዛሕተኦም ምስቲ ጃንዳ ህግደፍ ፍሉይ ረብሓ ዘሎዎም ገዛ፣ ኣሎኒ ንብረት ኣሎኒ ዝብሉ ውልቀ ሰባትን፣ ሓወይ ዘመደይ በዓል ስልጣን ኣሎኒ ዝብሉ፣ ጉዳይ ህዝብን ሃገር ኣብ ክሊ ውልቃዊ ረብሓኦም ዕንኪሊል ዝብሉ ከሓዲ ማሕዘል ኣደታቶም ኢዮም።

ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራን፣ ባርነታዊ መግዛእቲ ውላዱን ዓለም ብዓለማ ዝፈለጦ ስለዝኾነ ብምድንጋር ዕድመ መግዛእቲ ህግደፍ ዝውስኽ ኣይኮነን፣ ዝያዳ ‘ኳ ደኣ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ርኡይ ዝኾነ ወጽዓኡ ክሒዱ ብሓሶት እናደናገረ ወላድ መኻን ገይሩዎ ዘሎ ጨካን ምልካዊ ምሕደራ ጃንዳ ህግደፍ ገጢሙ ኣብ ሃገሩ ሰላም ኣስፊኑ፣ ምስ ዘሎዉ ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ብስኒት ኣብ ምዕባሌ ጎደና ዝምርሸሉ ኣገባብ ኢዩ ዝቕይስ።

ከምቲ ምስላ ወለድና ” ዘይውግሕ መሲሉዋ ኣብ ቦኹራ — ” ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ዋላኳ ሎሚ ዘይወግሕ መሲሉዎም ኣብ ጎድኒ መጥፍኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ሕሱም ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ ይሰለፉ እምበር፣ ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት ጃንዳ ህግደፍ ብታሪኽ ተሓተቲ ምዃኖም ክርድኡ ኣሎዎ። ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ንሓዋሩ ክኸፍሉዎ ዘይኽእሉ ዓቢ ታሪኻዊ ዕዳ ኣሎዎም።

እቲ ናይ 23 06 2016 ሰላማዊ ሰላፊ ጀነቭ፣ ብብዝሒ ሰብ ካብቲ ንዓለም ዘዛረበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቭ ናይ 2015 ዝበዝሔ ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ ኣሎ፣ ናይዚ ምልክታቱ ድማ ጨካን ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ብህዝቢ ኤርትራ ተጸሊኡን ተፈንፊኑን ከም ዘሎ ዘርኢ ጭቡጥ መርቶዖ ኢዩ።

ኩሉ ኣብ ኢስራኤል፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኢውሮጳ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ንዓለም ዳግማይ ዘዛረበ ኮይኑ ኣሎ። ብርግጽ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ጨካን ጃንዳ ህግደፍ ዝገላገለሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። እዚ ኢዩ እቲ ገምጋም ውዕሎ ናይቲ ብደለይቲ ፍትሒ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፍታት። ውጽኢቱ ድማ እብዚ ቀረባ እዋን ክረኤ ኢዩ።

ድሕሪ’ዚ ጃንዳ ህግደፍን፣ እቶም ኣብ ጀነቭ ወጽዓ ህዝብና ሓቢኦም ንዲክታቶር ንድግፍ እናበሉ ጎደና ዓዲ ሃገር ከሓምዱ ዝውዓሉ ማህጸን ዝፈጠሮም ከርሲን፣ ዘዕበዮም ማሕዘልን ዝኸሓዱ ጠላማት ኣብ ኢድ ህዝብና ኣብቲ ፍትሓዊ ባይቶ ዓዲ ‘ቦና የራኽበና። ኣብዚ ኢዩ ዘሎ ዳግማይ ጽምብል ነጻነትን ሓርነትን። ኣብቲ እዋን ‘ቲ ብሰንኪ እቲ መላኺ ምሕደራ ህግደፍ ተበታቲኑ ዝጸንሔ ሕ -ሰብ ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ተመሊሱ ንህግደፍን ተሓባበርቱን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክተሓሓዞም ኢዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ህግደፍ ኣሻርዩ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ክላገጽ ዝጸንሔ ናይ ታሪኽ ሓተላ ዝጋለጸሉ መድረኽ ኢዩ ኪኸውን። ኣብቲ እዋን እቲ ንጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ዘሞግስ፣ ንሰዓብቲ ወይ ድማ ደግፍቲ ህግደፍ ዝነቅፍን ዝውግዝን ደርፍታትን፣ ግጥምታትን፣ ማሰን ኣውሎን ክንሰምዕ ኢና። ስለዝኾነ ደገፍቲ ህግደፍ ዝጽበዮም ዘሎ ናይ ሕተት ተሓተት መድረኽ ዋጋ ናይ ኩሉ በደሎም ህዝቢ ኤርትራ ክክሓሶም ኢዩ። እዚ ርሑቕ ኣይኮነን እታ ኣብ ክሳብ ጃንዳ ህግደፍ ኣትያ ዘላ መሸንቁቆ ገመድ ብስኒትን ሓድነትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ምስ ተሳሓበት ጃንዳ ህግደፍ ምስቲ ግናይን ሕማቕን ግብሩ ነበረ ኪኸውን ኢዩ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ

24 06 2016

http://www.gereger.com/data/media/TPEMBPLFl.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *