ንቅሎ ናብ ጀነቫ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ሙሉእ ዓለም
ኩቡር ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለኻ: ኣንጻር እቲ ንህዝብና ኣብ ጸልማትን ኣብ ሐዘንን ንኽነብር ፈሪዱዎ ዘሎ ውልቀ መላኺ ብትሪ ተቃውሞኻ ከተስምዕ ጸኒሕካ ኢካ፡ እምበኣርከስ ነቲ መጀመርታ ኩሉ ጊዝየ መጨረሽታ ስለዘለዎ እዚ ሕጂ ኣብ ጀነቫ ዝካየድ ዘሎ ምሽብሻብ ውን ሐደ ካብቲ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝውሕዝ ዝሎ ተቃውሞታት ኣንጻር ዲክታቶር ኣብ ዝሓጸረ ፍረ ጻሙኡ ከምዝጓናጸፍ ኩልና ኣይንስሕቶን።ጉዳይና መርማሪ ኮሚሽን ዝተዳለወ ብመርትዖታት ጸብጻብ ስለ ዝኾነ ነቲ ባርባራዊ ግፍዕታት ዝተፈጸመ ወይም ዝፍጸም ዘሎ ብስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ አዩ።ሎሚ ዘይከተተ ብደዉ ከምዝሞተ ስለዝኾነ እቶም ኣብ ጎኒ ውጹዕ ሀዝቢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣፍ ኮይኖም ነቲ ኣፍ ዘይብሉ ኣብ ጎዳጉዲ ኣብ ፈቀዶ ሳሀራ ዝሳቀ ህዝቢ ኣውያቶም ከስምዑ ኣብ ምሽብሻብ እርክቡ ኣሎዉ፡ስለዚ ማዕበል ህዝቢ ዓጋቲ ስለ ዘይብሉ ኣብዚ ሒዝናዬ ዘለና መገዲ ሓርነት ንጸላኢና ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብ ሱሩ ሙሒኻ ምጉሓፍ አዩ።ጉዳይና ዓለም ዝመስከረትሉ ሕቶ አዩ ስለዚ ኣጆካ ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ኣብ ጎንኻ ኣሎና።
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ዓወት ንጀነቫ ሰላማዊ ሰልፊ
