ስለምንታይ ውግእ ኩናት…..???? ብ ሚካኤል እንባየ (ኣራንቺ) Posted: 3:02 pm, June 15, 2016 by ENSF-HIDRI

Michael-Embaye-Aranchi

ስለምንታይ ውግእ ኩናት…..????

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንኹልና ዘሰንበደ ኣብ ግንባር ዓልቴና መረብ ብውገን መስሓል ኣኽራን ክሳብ ውሽጢ ጾሮና ዝኣተወ ከቢድ ውግእ ከም ዝነበረን ማዕሪኡ ሞትን መውጋእትን ምምራኽን ከም ዘጋጠመ: ነባሪ እቲ ከባቢ ካብ ቤቱን ዓዱን ከም ዝተፈናቐለን ዕንወት ከም ዘጋጠመን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ስለምናታይ ኣብ ጽባሕ ምዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እዚ ኩናት ተላዒሉ.? ኩናት በየንን ብኸመይን ጀሚሩ..? መንከዩ ፈላሚ ናይቲ ኩናት…? ብዝርዝር ኣብዚ ሓጺር ግዜ ዝተማለአ ሓበሬታ ብዘይ ክውልውል ክዝርግሖ ክፍትን እየ።

ሎሚ ካብ ትማልን ቅድሚ ትማልን ብዝሓሽ ደብዳብ ከቢድ ብረት ይኹን ቶኽሲ ናይ ኣጋር ሰራዊትን ከምዘይወዓለ እካ ክፍለጥ እንተተኻእለ ዝያዳ ዝኾነ ግዜ ዘስግእን ዘሰክፍን ፍለይ ሓደጋ ድባብ ግን ኣብ ግንባር ዛላምበሳን ክንፊ ጾሮናንን ሕጂ ውን ኣንጠጥዩ ይርከብ ኣሎ። 12 ዓቕሚ ሰበን ብስግረዶብ መናእሰያት ኤርትራ ዝተዳኸማ ክፍላተ ሰራዊታት ኣብዚ ግንባር ትሰሊፈን ምህላወን ሕጂ ኣጋ ምሸት ውን ብሓረጎት ፍርዙን ዝምርሑ ክፍለ ሰራዊት 22 ውን ናብ ጾሮና ኣትዮም ምህላዎም ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ቀዲሞም ክፍለሰራዊት 84 – 525 – 46 ትማሊ ምሽት ናብ ግንባር ዛላንበሳ ከም ሪዘርቫ ሓይሊ ከም ዝተላእኩ ይፍለጥ።

ሃተምተም…?

ስለምንታዩ ኣብ ጽባሕ መርድእ መርማሪት ኮሚሽንን ሰብኣዊ መሰላትን ድሮ ሰልማዊ ሰልፊ ጀነቫን ብህይወት መናእስያት ኤርትራ ንምጥላዕ እዚ ኹሉ

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸበርካ ሰሃራን ባሕርን ስጊርካ ሞት ርኢኻ ኣብ ስደት ንእሽቶ ከተተንፍስ ዝጀመርካ መንእሰይ ኤርትራ ዝኸበርካ ኣብ ደምበ ፍትሒ ተጠርኒፍካ ንምለኪ ሰርዓት ህግደፍ ክትቃለስ ዝጸናሕካ ኤርራዊ ስርዓት ህግደፍ ከምቲ ሕሉቕ ዓፍራ ዘውጽእ ነቲ ዓቢ ምድላዋት ተገይርዎ ጎደናታት ጀነቫ ብድምጺ እቲ ናይ ብሓቂ ምስክር መንእሰይ ከዕለቕልቕ ምኻኑ ኣይሰሓቶን። ስለ ዝኾነ ኣብ ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ስሚዒታት ንምፍጣር ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ ስጉምቲ ክወስድ ዝቀራረብ ዘሎ ይመስል። ነዚ ሽርሒ ዚ ትገንዚብና ሎሚ ከም ትማሊ ከምዘይንዕሾ ነዚ ጸላኢ ኩልና ከነርእዮ ይግባእ።

ሰነ 23 2016 ኩልና ብዘይ ሓደ ጎደል ርክብና ኣብ ጀነባ ይኹን!!! ኣራንቺ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *