ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT- HIDRI

 ድሃይ ጀነራላትን ሞኮነናትን ህግደፍ ኣብ እዚ ቅነ

ብ/ ጀ ሃብቱ ተኽለሚካኤል (ሲንስ ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ) ከምኡ’ውን ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 32ን ዝኾነ ወዲ ቁማርጂ (ቅጫ ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮም ምህላዎም ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ኤርትራ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ይሕብርዎ ከም ዘለዉ ብ/ጀ ሲንሰ መኮነን ጎስጓስን ሓበሬታን ምክልኻል ብምዃን ምስ እቲ ቅድሚ ክልተ ዓምት ብውዲት ህግደፍ ምስ ኣማኑኤል(ሃንጀማ)ን ደሱን ብምኽንያት ሓደጋ መከና ከም ዝሞተ ዝንገረሉ ብ/ጀ ቫይናክ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ ኢዩ፡፡ ሲንስ እቲ ካብ ደመወዝ ነብሲ ወከፍ ኣባል ምክልኻል ብዘይ ቅብሊት ዝቑረጽ (ቀረጽ) ኣታዊ ኣብ ኢዱ ዝቕበልን ኣበይ ኣተወ ኢሉ ዝሓቶን ዝቆጻጸሮን ዘይብሉ ኣብ ወርሒ ዓሰርተታት ኣሸሓት ናቕፋ ምስ ከምኡ ዝበሉ መዝመዝቲ ዉጹዕ ሰራዊት ብምትሕብባር ኣብ ጅብኡ ምህጣር ዝነበረ ኢዩ፡፡ ሲንስ ነቲ ብምኽኒት ንባህላዊ ጉዳይን ንስፖርትን ኣብ ኣባላት ምክልኻል ተባሂሉ ዝስላዕ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ከም ባህትኡ ጌሩ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ሓደ ካብ እቶም መዝመዝቲን ንሓቀኛታት መኮነናት ንምጥቃዕ ናብ እሰያስ ዞኸ-ዞኽ ናይ ማባል ባህሪ ዝነበሮ ኢዩ፡፡ ንኣብንት ነታ ኣብ 1999 ኩሉ ኩነታት ኣብ ሰራዊት ኤርትራ ንከተጽንዕ ብ4 ጀነራላት ቆይማ ዝነበረት ወተሃደራዊ ኮሚተ ኣባላ ዝነበረ ኮይኑ እታ ጉጅለ ብመሪሕነት ጀነራል ዑቑቡ ኣብርሃ እንዳ ተመርሐት ኣብ ኩለን ክፍላተ ሰራዊት ዘይራ ኣብ መጨረሽትኡ ዘይትኣደነ ምጥፍፋእን ናብ ጁባ መራሕቲ ሰራዊት ዝኣቱ ዘይተኣደነ ገንዘብ ዝኽዕበቶ ናይ ካንቲን፡ ሕርሻ፡ መፍረ እንስሳታትን ኣብ ንጥፈታት ንዘይርከቡ ኣባላት ከም ዘለዉ ጌርካ ባጀት ብምውጻእ ዝግበር ምጥፍፋእን ከምዘሎ ብጭቡጥ ኣጽኒዓ ምስ ወደኣት፤ እንተኾነ ኣብ መዓልቦ ኣብጺሓ ንዕኡ ዝመጣጠን ስጉምቲ ንኽውሰድ ኣብ ምጽራይ ምስ በጽሐት፤ ዊዒሉ ሓዲሩ ንሱ ውን ከም ዘይተርፎ ዝገምገመ ሲንስ ነቶም ምስኦም ዝነቡሩ ኣእሚኑ ንጀነራል ዕቑቡ ምስራሕ ከሊኡና ብዝብል ክሲ ናብ ኢሰያስ ብምጥራዕ ን ጀነራል ዑቑቡ ኣብርሃ ክግለል ካብ እታ ኮሚተ ብምግባር ክሳብ ሕጂ ክምዝምዝ ዝጸንሐ ኢዩ፡፡

ብካልእ ወገን እቲ መፋትውትን ኣብ ረብሓ ዝተሰረተ ዕርክነት ምስ ዉጩ ከም ዝነበሮ ዝፍለጥ መራሒ ክፍለ ሰራዊት 32 ዝኾነ ኮለነል ቅጫ ብወገኑ ብፍላይ ንህዝቢ ኣስመራ እንዳ መዝመዘ ዝነብር ዝነበረ ቑርዲድ ሕብረተ-ሰብና ኢዩ፡፡ ኮለነል ቅጫ ካብ ህዝቢ ኣስመራ ብፍላይ እዚ ዘይብሃል ገንዘብ ዝግሕጥ ዝነበረ ኢዩ፡፡ ኮለነል ቅጫ ነቶም ብምኽንያት ኣገልግሎትን ኩብለላን ደቆም ዝተገፈፍዎም ህዝቢ፤ ክንድ እዚ እንተ ከፊልኩም (ብዘይ ዉሱን ቁጽሪ) ከውጽኣልኩም መንቀሳቐሲ ክህበልኩም እንዳበለ ኣብ ርእሲ ዝግሕጦ ገንዘብ፡ ህዝቢ ብምኽንያት ፓስፖርት ይኹን ናይ ሕክምና ጉዳይን ምስ ኢመግራሽን ዝተተሓሓዘ ምስላጥ ዝኣበዮም፡ ብመገዲ ጉቦ ብምብላዕ ቀንዲ ኣሳላጢ ኮይኑ ዉጹዕ ህዝቢ ክምዝምዝ ዝጸንሐ ኢዩ፡፡ ቅጫ ንኣብ ከባቢ ማይ-ኣባሻውል ዝርከብ 2ይ መደበር ፖሊስ ብዕብለልኡ ዝኣክል እቲ ትካል ኣብ ትሕቲ እዙ ዝወደቐሉ ግዜ ምንባሩ እውን ብዙሓት ዜጋታት ይጠቕሱ፡፡

እዚ ጥራሕ መኣስ ኮይኑ፡ ቅጫ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ዝተገበረ ልቢ ንጹህ ኤርትራዊ ኣቑሲሉ ዝነብር ዘሎ ናይ ቅንጸላ ፍጻመ ንዕሸላት መንእሰያትና፡ ንዝቐዘፈት ኣሃዱ መራሒኣ እውን እዩ ዝነበረ፡፡ ቅጫ ኣብ እቲ እዋን ክንዲ ገለ ዝኸውን ትንባኾ ኣብ ኣፉ ወቲፉ ኣብ ማእከል እቶም ወዲቖም ደሞም ጃሕ-ጃሕ ዝብል ዝነበረ መንእሰያት ብፍሕሹው ገጹ እንዳኣኽመስመሰ ክዘውርን ምራቕ ትንባኹኡ ናብ እቲ ዘእውን ብጓሂ ሓሪሩ ዝነበረ ህዝቢ ክትፍእን መን ይርስዖ፡፡

እሞ ከድኣ ህግደፍ ነዚ ስቕያት እዚ ክትግብሩ ኣብ ህዝብና ኣገናዕ ይብሎም ኔሩስ ሕጂ እንታይ ካብ እዚ ዝተጠቕሰ ገበን ንላዕሊ ዝዓቢ ስለ ዝገበሩ ኮን ይኸውን ኣሲርዎም ዝህሉ? ብዝኾነ ጽባሕ ትወልዶ ሓቂ ውን ክህሉ እዩ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

04- ሰነ- 2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *