
ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ኣብ ከተማ ሊድስ ንዕለት 21 ግንበት 2016 ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 5:00 ድ.ቀ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።
ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሕዝብናን ሃገርናን ክንዝቲን፥ ጸገማትና ክንፈትሓሉ ዘኽእል እማመ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ክንማኻኸረሉን ኢና። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማት ኬድና ሕዝባዊ ኣኼባታት ከምዘካየድና ዝዝከር`ዩ። እዚ ናይ ሓድነት ኣኼባዚ ኣገዳስነቱ መዚንኩም ዕዙዝ ኣቓልቦ ሂብኩም ኣብቲ ኣኼባ ክትጽንበሩና ብኽብሪ ንጽውዕ።
ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ንኹላቶም ኤርትራውያን ክእክብ እምበር፡ ንኻልኦት ምንቅስቓሳት ክትእክእ ኣይኮነን። ግሉጽ ኣሠራርሓን፡ ሕዝባዊ ተሓታትነትን፡ ሕጋዊ ኣገባባትን ተኸቲልካ ናብ ድሕነት ሕዝቢ ውፈር ዝብል ኣተሓሳስባ ግን ኣጸቢቕና እነስምረሉ እዩ። ዕላማ ኮሚቴ ሓድነት ክትፈልጡ እንተደሊኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓጺር ጽሑፍ ተመልከቱ።
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ንኹላቶም እትፈልጡዎም ኤርትራውያን፥ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክሳትፉ ተገዲስኩም ክትዕድሙልና፥ ብትሕትና ሓላፍነት ነሰክመኩም።
ኣኼባ ዝካየደሉ ቦታ፦ Ukraine Center, 5 Newton Grove, Leeds, LS7 4HW
ካብ ሰዓት 01:30 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 05:00 ድ.ቀ
ብደሓን ምጽኡ!
አሕዋትኩም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ