ናይ ህዝቢ ኣኼባ ንፖለቲካዊ ሰሚናር ምስ ሓው ዶር. ማሓመድ ብርሃን ኢድሪስ ኣብ ከተማ ኮለን (Köln)።

ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …!

እምባኣር‘ከስ፡ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW ንቀዳም ዕለት 07. 05. 2016. ዓ.ም.ፈ.፡ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ሰሚናር ኣዳልዩ ኣሎ። ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ NRW፡ ነዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር ከዳሉ፣ ህዝቢ ክዕድም፣ ዘገደዶ ምኽንያት፡ ብኽቡር ሓው ዶር. ማሓመድ ብርሃን ኢድሪስ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሰሚናር ንህዝቢ NRW ከአንግድ ተዳሊዩ ስለዘሎ እዩ። ሓው ዶር. ማሓመድ ብርሃን ኢድሪስ፡ ዛጊት፡ ከምቲ ዝበዝሔ ኤርትራዊ፡ ስርዓት ወልቀ- መላኺ ሃገርና ታኣልዩ፡ ብድሞክራሲያዊ ስርዓት ክትካእ፣ ፍትሒ ክነግስ፣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሕጊ መሰረታዊ ሰብኣ መሰላት ደቂ ሃገር ክረጋገጽ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ረኺቡ፣ ንዕብየትን ብልጽግናን ሃገሩ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ክኸውን፣ ዘይሕለል ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ ወዲ ሃገር እዩ። ትሕዝቶ ፖለቲካዊ ሰሚናር፡ ምስ ሓው ዶር. ማሓመድ ብርሃን ኢድሪስ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥቢ ዘጠቃለለ ይኸውን።

1. ሓፈሻዊ መግለጺ ህዝብናን ሃገርናን ኣጋጢምዎ ዘሎ ሽግራት ብሰንኪ ግጉይ ኣመራርሓን ኣታኣላልያን፡ ህዝብን ሃገር፡ ስርዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና።

2. ክውንነት ተቓውሞ ደንብ ኣብዚ እዋናት እዚ ከመይ ይመስል …?

3. ስሮዓት ውልቀ-መላኺ ሃገርና ታኣልዩ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ሕጊ ክነግስ፡ ተቓውሞ ደንቢ ክኸዶም ዘለዎ መንገዲ ከመይ ይመስል …? ካብኡ ዝተረፈ፡ እዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር እዚ፡ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ፡ ኣብዚ ፖለቲካዊ ሰሚናር እዚ ክካፈል ዝደሊ ወዲ/ጓል ሃገር፡ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ንሕብር። ● ዝግበረሉ ማዓልት፣ ዝጅምረሉ ሳዓት፡ ዝግበረሉ ቦታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

► ማዓልቲ፤ ቀዳም ዕለት 07. 05. 2016ዓ.ም.ፈ.፤

► ግዜ፤ ሳዓት 15፡00 ድሕሪ ቀትሪ ይጅምር፤

► ኣድራሻ፤ Fliehkraft – Kölner Flüchtlingszentrum ► Turmstrasse. 3 – 5 ► 50733 Köln – Nippes ► 2. Etage

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ። ካብ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ NRW መደበር Köln: 21. 04. 2016.

Gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *