ብ 30 መጋቢት 2016፣ ኣብ መንጎ ሃይኮታን ሳዋን ታማራት ኣብ ዝብሃል ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሓድሽ መዓስከር ተማሂሉ ዝፍለጥ ቤትማእሰርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ንሕክምና ናብ ስዋ ብኣርባዕተ ሓለዋ ተሰንዮም ዝኸዱ ዝነበሩ 13 እሱራት፣ ምስ ዋርድያታቶም ተሰማሚዖም፣ ብሓባር ተተሓሒዞም ናብ ሱዳን ከምዘምለጡ ምንጭታት ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ብሳላ ‘ቲ ኣብነታዊ ተግባር ሓለውቶምን ምትሕብባር ህዝብን ህይወቶም ዘድሓኑ ዜጋታት ብሰላም ሱዳን ከምዝኣተዉ ‘ውን ተረጋጊጹ።
