ዕላምኦም እንታይ’ዩ? ዕላማ ህግደፍ፥ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ በታቲንካ፥ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፥ ሓግሒግካ ኣውጺኻ፥ ዓባይ ትግራይ ትግትኚ ምፍጣር’ዩ።

Aboy-Sibhat-Nega

 

ነዚ ስራሕ ንምስራሕ ምስመን’ዪም ዝሰርሑ?
ቀንዲ፥ መሳርሕቶም መራሕቲ ወያነ’ኮይኖም ብፍላይ ከም ብዓል ስብሓት፥ ነጋ። እቲ ዕላማ፥ ርዱእ’ዩ። ንሱ፥ ድማ፥ እቲ፥ ኣብ ልዕሊ፥ ህዝቢ፡ኤርትራ ወሲዶሞ፥ ዘለዎ ረቂቕ፥ ፖሊሲ፥፥ ሓደ፥ ክንሱ፥ ስርሖም ውን ሓደ፥ ክንሱ፥ እንተኾነ፥ ብኽልተ ገጽ፥ ቀሪብካ፥ ሓደ፥ ዕዉት ስራሕ ምስራሕ’ዩ።

>>>ከመይ ማለት’ዩ እዚ?
√እዚ ማለት’ ስርዓት ኢሰያስ፥ ብውሽጢ ሃገርን ኣብ ኢሮፓን ኬንካ፥ ንመንእሰይ ኤርትራ፥ ሃገሩ፥ ከምዝጸልእ፥ ምግባር፥ እንታይ ገደሰኒ፥ ከምዝብል ምግባር! ኣብ ውራይ ረብሕኡ፥ እንበር ጉዳይ ሃገር ከምዘየልዕል ምግባር፤፥

>>>ገለ መኽንያት፥ ጥቀስ፥ ከም ኣብነት?
√√√መንእሰይ ኤርትራ ካብ 100% 80% ብዛዕባ ሃገር ክዛረብስ፥ ይትረፍ፥! ሞራሉ ኣውዲቁ፥ ኣብ ምዕራባውያን፥ ሃገራት፥ ንምንባር፥ ዝተፈላለዩ፥ ባይታ የንጽፍ፥ እንሆ። ሃገርካ ዝብል መልሲ ምስተቕርበሉ ድማ፥ ***ኣታ ግደፈና፥ ወላ ብዓርበረቡዕ ትጽደፍ*** ዝብል ግናይ መልሲ፥ ትሰምዕ! እዚ ኣባሃህላ፥ እዚ፥ ዳርጋ መብዛሕትኦም፡ኤርትራውያን ዝጥቀምሉ፥ ኣስደማሚ፥ መልሲ’ዩ። እዞም ከምዚ ዓይነት፥ መልሲ፥ ዝምልሱ፥ ድማ ልክዕ! ግዳይ ናይቲ ብህግደፍ ዝተዳለወ ረቂቕ፥ ስልቲ! ዝኾኑ’ዮም።

ናብ ወያነ ዶ ክንምለስ? ^^ንቐጽል… ሐራይ።

ወያነን፥ ህግደፍን፥ ሕቡእ ኣጀንዳ፥ ኣለዎም፥ ንሱ፥ ድማ፥ ንኤርትራውያን ኣጽኒትካ ትግራይ ትግርኚ፥ ምፍጣር’ዩ ኢለ ነይረ።
መራሕቲ ወያነ፥ ኣብ ዝተፈላለየ፥ ኣጋጣሚታት፣ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረቡ፥ እንከለዉ፥ ሕቶ፥ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ፥ ኣይኮነን፥ ሕቶ መሰል’ዩ እዮም ዝብሉ።
>>>>እንታይ ማለት እዩ?
እዚ፡ማለት፥ እቲ ካብ 80ታት ኣትሒዞም፥ ምስ ኢሰያስ፥ ሒዞሞ፡ዝጸንሑ ሕቡእ ኣጀንዳ፥ ናይ ምትግባር፥ እዋኑ፥ ዝበጽሐ ይመስል።

>>>>ኣብዚ ግዜ፥ ከተግብርዎ ዝመረጽሉ ቀንዲ፡መኽንያት’ እንታይ ኮን፥ ይኸውን?
መንእሰይ ኤርትራ ተዳኺሙ፥ ምዃኑ፥ ኣብ እንታይ ገደሰንን፥ ስልችዉ፥ ሂወትን ይነብር ምህላዉ፥ ብጉቡእ ዝተገንዘቡ፥ ይመስሉ።

>>>ነቶም፡ሃገራውነቶም ኣጠናኺሮም ክቃለሱ፥ ዝወሰኑ፥ ግን ኣብ ኢትዮጵያ፥ ባይታ ሂቦሞም ኣለዉ፥ ንኽቃለሱ። ስለዚ፥ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተተቕሰ ኣይገራጮን ዶ?

ብልክዕ! እዚ ግን፥ ንጥቅሞምን ነቲ ሒዞሞ፡ዘለዉ ዕላማ ዕዉት ንምግባርን’ዩ።

>>>ከመይ ማለት’ዩ ከብርሆ ዶ?

ወ.. ተቓወምትና፥ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ካልእ ቦታ ወይ ኣማራጺ ረኺቦም፥ ንስርዓት ኢሰያስ፥ መታን ከይጉሕፍዎ፥፥ ኣብ ኢዶም፥ ገይሮም ከምዘይሰርሑ፥ ክድህክዎምን ክፈላልይዎምን፥ ክፈናጭልዎምን፥ መታን’ዩ።
>>>ነዚ ዓይነት፥ ውዲታትን ተንኮላትን፥ ተቃወምቲ ይፈልጥዎ ዶ? ማለት ወያነን ህግደፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፥ ዝኽተልዎ ረቂቕ ፖሊሲ?

ብርግጽ፥ ይፈልጥዎ’ዮም። ግን “ኣማራጺ ኣምጽእ’ዮም ዝብሉኻ”

>>>ስራሕ ፖሎቲከኛ እንታይ’ ድዩ?

ኣማራጺ ምፍጣር!።

>>>>ብዘይካ እዞም ተቃወምቲ ነዚ ረቂቕ ስልቲ ምሁራት ኤርትራውያን ይፈልጥዎ ዶ? ብሓፈሻ፥ ካኣ ህዝቢ ኤርትራ።

ብርግጽ፥ ይፈልጥዎ’ዮም።
>>>እሞ እንታይ ዳኣ ስቕ ኢሎም?

ክሳብ ግዚኡ፥ ኣኺሉ፥ ኣብቲ ውሳነ፥ ዝበጽሕ፥ ትዓኒድና ንጽበዮ ዘለና ንመስል።

ሄኖካ ሃኒ (ሄኖክ ተኻሊ)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *