ኣብ ተሰነይ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ቡምባ ክልተ ኣባላት ስለያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተወጊኦም። By assenna on April 14, 2016

Tesseney, Eritrea - Developmentኣብ ትሕቲ ኮለኔል ዮናስ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስለያ ከተማ ተሰነይ ኮይኑ ዝሰሕ ከምኡ ‘ውን ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ጸጥታዊ ስራሕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሰላስል ዝነበረ የማነ ዑቕባሚካኤል ዝብሃል ሰላዪ፣ ኣብ ምብራቕ ከተማ ተሰነይ ደቡባዊ ወገን መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ግዜ ደርግ ዝነበረ ምስ ሳልሳይ ርእሱ ኣብ ሓደ ሰግሬቶ እንዳ ሰኸሩ ከለዉ ብ 7 ሚያዝያ ምሸት ሰዓት 10፣00 ብዝተደርበየሎም ቡምባ የማነ ኣብ ኢዱ ብኸቢድ ክውጋእ ከሎ እቲ ካልኣዩ ፈክ፣ስ መውጋእቲ ከምዝገጠሞ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቲ ብኸቢድ ዝቖሰለ የማነ ንሕክምና ናብ ኣስመራ ተላኢኹ ኣሎ።

ከም ሳዕቤን ናይዚ ብበዓል ኮነሌል ዱማን ሸሻንን ዝኣመሰሉ ልኡኻት ስርዓት ኢሳይያስ ንህዝቢ ናይ ቲ ከባቢ ተቓወምቲ ብዶባት ተሕልፉን ተዕቁቡን ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት፣ ካብ 10 ክሳብ 11 ሚያዝያ ቀጻሊ ኣኼባታት ክምዘካየዱ ‘ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣገንዚቦም።

ህዝቢ ብወገኑ፣ ባዕልኻትኩም ተቓወምቲ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብዚ እንዳየአንገድኩም ሽግር ተምጽኡልና፣ ሰላም ከሊእኩምና ኣለኹም ክብልቅሬታኡ ከምዝገለጸ ‘ውን ኣረዲኦም።

ኣብተን ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝርከባ ከም ብዓል መከሰራትን ታላታ ዓሸርን  ዝርከብ ሹቕ ከምዝፈርስ ተገይሩ ከምዘሎ፣ ዝኾነ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝመጽእ ንብረት ኮነ ናይ ጽነት መካይን ‘ውን ተኸልኪሉ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ። ኣብዚ እዋን’ዚ ዶኣት ኤርትራን ሱዳን ተዓዝዩ ብዶባት ዝመሓላለፋ ዘለዋ መካይን ናይ ህግደፍ ጥራይ እየን።

ደድሕሪ ‘ዚ ንዶባት ሱዳንን ኤርትራን ንምዕጻው ዝተገብረ ፈተነ፣ ዝበልዑዎን ዝሰትዩዎን ዝሰኣኑ ተቐማጦ ናይቲ ከባቢ ብስድራቤታት ተጠርኒፎም ናብ ሱዳን ይግዕዙ ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

በዚ መሰረት 20 ቤተሰብ ዝርከቡዎም ብድምር 110 ኤርትራውያን ናብ ሱዳን ክሰግሩ ከለዉ ብሓለዋ ዶባት ተታሒዞም ተኣሲሮም ከዘለዉ ተፈሊጡ። ንሳቶም፣ ኩሉ ነገር ተዓዝዩ ንበልዖን ንሰትዮን ስኢን ክብሉ ገጢሙዎም ዘሎ ናይ ዓቕሊ ጽበት ኩነታት ከዝገለጹ ዝበጽሓናሃበኤታ ኣገንዚቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ትማሊ 13 ሚያዝያ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን መከሰራት ዝብሃል ቦታ ጥቓ ሰቲሞ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ  ድኳናት ኣብ ዝዓጽዉሉ ዝነበሩ እዋናት፣ ድኳና ክዓጽዉ ፈቲኖም ኣብያ ዘርኣየት ሓንቲ ራሻይዳ ኣደ ብጥይት ድሕሪ ምቕታላ፣ ወዳ ነቲ ቀታሊ ኣዲኡ ብኡ ንብኡ ብኻራ ቀቲሉ ሕኒኡ ከምዝፈደየ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *