ኣብ ኣስመራ ዝተፈጸመ ቅትለትን ተወሳኺ ዝርዝራቱን::05/ ሚዝያዝያ/ 2016

 

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ኣብ ኤርትራ ከተማ ኣስመራ ኣብ ቅድሚ ብዙሕ ህዝቢ ብዕለት 03/ ሚያዝያ/ 2016 ካብ መካይን ዘሊሎም ከምልጡ ምስፈተኑ፣ ብጨካን ኣገባብ ብተመልከተለይ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት መንእሰያት ዜጋታትና ብጥይት ሃሪሞም ዝፈጸሙዎ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊ ሕልና ስለዝኾነ ሕጋውነት ዝጠሓሰ ተግባር እዩ። ከም ሳዕቤኑ ገለ ተቐቲሎም፣ ገለ ከምዝቖሰሉ ገለ’ውን ካብ ማኪና ናብ ጽርግያ ክዘሉ ምስፈተኑ መጉዳእትን ሓደጋን ከምዘጋጠሞም ገሊጽና ነይርና።

ዝርዝራቱ ንምርካብ ከኣ ጻዕርና ብምሕያል ሓደስቲ ሓበሬታ ኣዋህሊልና ከምነስዕቦ ገሊጽና ነይርና። ስለዚ ዉፉያት ምንጭታት ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ብተወፋይነት ዘካየድዎ ዘይሕለል ጻዕሪ፣ ነቲ ዝተፈጸመ ገበን ጸረ ሰብኣውነት ዘረጋግጽ ገለ ክፋል መርትዖታት ተረኪቡ ሰኒዱዎ ኣሎ። እቲ ንህዝብና ብግሉጽ ክግለጽ ዝግብኦ ሓበሬታ ከኣ ፈልዩ የቕርቦ ኣሎ።

ብዝሒ ዉጉኣትን ክዘሉ ዝተጎድኡን፦ ክሳብ ሕጂ ብዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፣ ዕስራን ሰለስተ (23) ሰባት ከምዝበጽሑ ይፍለጥ። ጌና ዘይተፈልጡ ዉጉኣት ምስዝርከቡ እቲ ቑጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግምቱ። ኩሎም ውጉኣት ኣብ ሕክምና ሆስፒታል ሓሊበት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ኮይኖም ይሕከሙ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ድሒሩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ከምዘረጋግጾ ካብ ዉጉኣት ድሮ ሓሙሽተ (5) ከምዝሞቱ ተፈሊጡ ኣሎ። ስለዚ ናይ ዉጉኣት ቑጽሪ ካብ 23 ናብ 18 ሰባት ወሪዱ ማለት እዩ። ዉፉያት ምንጭታትና ይብሉ፣ ከቢድ መውጋእቲ ዘለዎም ሰባት ንቑጽሪ ሞት ከምዝውስኸሉ ይግምቱ። ካብዞም ኣብ ሕክምና ዘለዉ 18 ዉጉኣት፣ ድሮ ናይ ዓሰርተ (10) ሰብ ኣስማት በጺሑና ስለዘሎ ዝርዝራቱ ነቕርቦ ኣለና።

1. ዳዊት ሚኪኤል።

2. ኣብርሃም ፍስሃየ።

3. ሃብቶም ግርማይ።

4. መድሃኔ ገብረመድህን።

5. ቢንያም ዘርኣይ።

6. ዮናስ ጠዓመ።

7. ሰዓረ ወልዳይ።

8. ዮናታን ዓንደመስቀል።

9. ባሲሊዮስ ዘምህረት።

10. ሳሙኤል ተኪኤ እዮም።

ናይ ዝተረፉ 8- ዉጉኣትን ጉዱኣትን ኣስማት ጌና ኣይተፈልጠን ኣሎ። ብዝሒ ዝሞቱ፦ ክሳብ ሕጂ ተፈሊጡ ዘሎ ቑጽሪ ብድምር ዓሰርተ ሓደ ( 11) ንጹሃት ሞይቶም ኣለዉ። ሽዱሽተ (6) ካብኦም ብዕለት 03/ ሚያዝያ- ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም። ዝተረፉ ሓሙሽተ (5) ከኣ ኣብ ሕክምና ሞይቶም።

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ፣ ናይ ኩሎም ዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታትና ዝርዝር ኣስማት ተረኪቡ ከም መረጋገጺ ሰነድ ሒዝዎ ኣሎ። እንተኾነ ብባህልን ስነ-ምግባርን ህዝብና ይኹን፣ ብማዕዶ ንስድራ ቤት ምርዳእ ዝፈጥሮ ናይ ሞራልን ኣካላውን ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ናይ ዝሞቱ ትሽዓተ ንጹሃት ዜጋታትና ኣስማት ንግዚኡ ክንዕቅቦ ሓላፍነት ስለዘለና ካብ ሃንደበታዊ መርድእ ተቖጢብና ኣለና።። ምኽንያቱ ስድራ ቤት ስዉኣት ብሃንደበት ኣብ ዝንገረሉ ዝነበረ እዋን፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ህላዌ ደቀን የረጋግጻ ስለዝነበራ፣ መርድእ መዝገብ ስዉኣት ክሕበር ከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣዴታትና መስዋእቲ ውላደን ምስሰምዓ ብስንባደ ብሃንደበት ጣዕ ኢለን ዝሞታ ከምዝነበራ ትፈልጡ ሰባት ዉሑዳት ኣይመስለናን።

ናይ ክልተ(2) ሰባት ኣብ ሕክምና ዝሞቱ ክንጠቅስ ግቡእ’ዩ። ምኽንያቱ ስድራ ቤቶም ብወግዒ ስለዝተረድኡ።

ንሳቶም፦ 1. ጨዓይ ሃብተስላሰ ገብረመስቀል። ወላዲኡ ኣቶ ሃብተስላሰ ገብረመስቀል ተቐማጣይ ዓዲ ጓዕዳድ ከባቢ ኣስመራን ሰራሕተኛ ፋብሪካ ዓለባን እዮም። ሞት ውላዶም ስለዝተረድኡ ድሮ ኣብ ዝቕመጥሉ ቦታ ዓዲ ጓዕዳድ ወግዓዊ ሓዘን ስለዝጀመሩ ክንገልጾ ዘሰክፍ ኣይኮነን። 2. ያፌት ፍስሃየ መንገሻ። ወላዲ መዋቲ ኣቶ ፍስሃየ መንገሻ ተቐማጣይ ማይ ተመናይ፣ ሰራሕተኛ ትራንስፖርት መጓዓዝያ ኣውቶቡስ ሓራት እዮም። ኣቦይ ፍስሃየ ሞት ውላዶም ስለዝተረድኡ ኣብ መንበሪ ቦትኦም ማይ ተመናይ ድሮ ወግዓዊ ሓዘን ስለዝጀመሩ ንምግላጹ ዘስክፍ ኣይኮነን።

እቲ ዘገርም እዞም ዝተጠቕሱ ክልተ ንጹሃት መወቲ ዜጋታትና፣ ምስቶም ተገፊፎም ኣብ ባርካ ዝተዓለሙ ኣይነበሩን። እቲ ገበናዊ ፍጻሜ ኣብ ዝተራእየሉ ግዜ እዮም ተለኪሞም ተወጊኦም። መውጋኣቶም ክብደት ስለዝነበሮ ከኣ ኣብ ሕክምና ዓሪፎም።

ፍጻሜ ገበን፣ መራሕቱን ኣወሃሃድቱን

ነዞም ተገፊፎም ኣብ ዞባ ጋሻ ባርካ ተዓሊሞም ንዓሰብ ከብጽሕዎም ብሓላፍነት ዝተመደቡ መራሕቲ፦

1. ካፒተን ተኽለሚካኤል ዘርኣይ ተጋዳላይ።

2. ምክትል ተለንተ- ኢዮብ የውሃንስ። 5ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት።

3. ሰርገንቲ ኢብራሂም ስዒድ። 7ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት እዮም ነይሮም።

ሓበሬታ፦ ብዙሓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ናይ ምክትል ተለንተ መዓርግ ከምዝበጽሑ ህዝቢ ክፈልጦ ምሕባር ኣገዳሲ እዩ። እዞም ሰለስተ ታሕተዎት ሰብ ስልጣን ምክልኻል፣ ናይታ ጉዕዞ መራሕቲ ነይሮም። ናይቲ ገበናዊ ፍጻሜታት ሕጋዊ ተሓታትነት ይስከሙ’ዶ ይኾኑ? ወይስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ንዝፍጸም ገበን ንሱ ዝደልዮ ልሙድ ተግባር ስለዝኾነ፣ ከም ኩሉ ካልእ ኣሽሓት ገበናት ተሓታትነት ዘይብሉ ክስገሮ እዩ?

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ በዚ ኣጋጣም’ዚ ዘምሓላልፎ መልእኽትን ለበዋን፦

1. ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዝተፈጸመ ጨካን ስጉምቲ ብባህርያቱ ዘይሕላፍነታዊ ተግባር ስለዝኾነ፣ ንዝተፈጸመ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣጥቢቕና ንኹንኖ። ዝምልከቶም ኣካላት ሰብኣዊ መሰላትን ኣህጉራዊ ትካላትን ከኣ ከጻርዩዎ ንጽውዕ።

2. ንዝሞቱ ንጹሃት ዜጋታትና መንግስተ ሰማይ/ ጀና/ ይቀበሎም። ንስድራ ቤት ግዳያትን ፈተውቶምን ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፣ ብሰብኣዊ ሕልና ተደሪኽና ናይ ሓዘንኩም ተኻፈልቲ ምዃና ክንገልጽ ንፈቱ።

3. ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ነምሓላልፎ ለበዋ፣ ብዓይኒ ብዙሓት ዝምስከር ንጹሃት ዜጋታትና ብጥይት ክቕተሉ ህዝቢ ብምርኣዩ ብሓደ ወገን፣ ንገበናዊ ፍጻሜ ብምቅዋም ዓገብ ኢሎም ብሰብኣዊ ሕልና ተደሪኾም ንዉጉኣት ክሕግዙ ኣብ ዝጀመርሉ ተኣሲሮም ክቕጥቀጡ በቲ ካልእ ደሚካ፣ ህዝብን መንግስትን ሕቖን ከብድን ከምዘሎ ተወሳኺ መረጋገጺ እዩ። ስለዚ ኩልና ደለይቲ ፍትሒ ንፍልልይና ከም ካልኣዊ ግርጭት ንጎኒ ገዲፍና፣ ኣንጻር ቐንዲ ጸላኢና ንምልካዊ ስርዓት ቀዳምነት ሂብና ክንቃለስ ግዴታ ኣለና። ንስቓይ ህዝብና ንምድሓን ውሽጣዊ ምረትን ጽልኣትን ህዝብና ዓብዩ ናብ ህዝባዊ ማዕበል ዝሰጋገረሉ ኣጀንዳታት ኣልዒልና፣ ኩሉ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ ሚድያን ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ብቐዳምነት ኣተኩርና ቃልስና ዝያዳ ከነበርኽ ከምዝግብኣና ለበዋና ከነምሓላልፍ ንፈቱ።

4. ዝበዝሕ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብግዱድ ዕስክርና ብትሑት ደሞዝ፣ ኩሉ ፖለቲካዊ ኢኮኖምያውን ማሕበራውን መሰላትካ ተጋሂስካ፣ ሓድሕዳዊ እምነትካ ንምጉዳል ሓድነትካ ብምክፍፋል፣ ብጸጥታዊ ፍርሕን ተሪር ዲሲፕሊንን ተታሒዝካ ትኸይድ ከምዘለኻ ንግንዘቦ ኢና። እዚ ድማ ንዕድመ ስልጣን ምልካዊ ስርዓትን ፍሉይ ረብሓ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናትን ኤርትራ ዘገልግል ውዲትን ሜላን ጨኮንቲ እዩ። ስለዚ ሰራዊት ንመሰልካን መሰል ህዝብኻን ክትቃለስ፣ ኣብ ጎኒ ህዝብኻ ተሰሊፍካ ህዝባዊ ማዕበል ዘረጋግጽ ዝተወሃሃደ ናይ ተቓዉሞ ምንቅስቓስ ከተካይድ መድረኽ ከምዝጠልቦ ሓደን ወሳንን ኣማረጺ ክትወስድ ነተባብዓካ። ካባና ዝሕተት ኩሉ ብዓቕምና ከምእነማልእ ከኣ ሞራላውን ሃገራውን ሓላፍነትና ክንፍጽም ቅሩብነትና ነረጋግጸልካ።

ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት ኤርትራ!!

ዜናን ባህልን ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!!

ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ።

መዘኻኸሪ፦ ካብ ህዝብና ቕኑዕ ነቐፌታን ሃናጺ ምኽርን ስለንጽበ፣ ግዱሳት ብኣድራሻና ክትልእኩልና ብኣኽብሮት ንሓትት።

Email: uedf2012@gmail.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *