ሕዝባዊ ኣኼባ ንምስረታ ማሕበር ፍትሒ ንሰላም (Justice for Peace)

 

London City

 

ክቡራንን ክቡራትን ዜጋታት ኤርትራን፡ ኩሉ ሰብ ደላዪ ሠናይ ሕዝቢ ኤርትራን፡ ብዕለት 03 የካቲት 2016 (03/04/20160)፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝውሕሰሉን ነባሪ ሰላም ዝሰፍነሉን፡ ሓቀኛ ለውጢ ኣብ ምርግጋጽ ሓቢራ ንምቅላስ ዕላማኣ ዝገበረት፡ ማሕበር ፍትሒ ንሰላም (Justice for Peace) ክትምስረት ስለዝኮነት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ፡ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኹሉ ሰብ፡ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ሕዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሰብኣውን ማኅበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን መሰላቱ ስኢኑ ጥራህ ዘይኮነስ፡ ኪነዉ፡ ካብቶም ነዛ ትንፋሱ ኣብ መሬቱ ከም-ሰብ ንኽነብር ቅድመ-ኩነታውያን ኣድለይትታት (non-negoitable basic needs) ዝኾኑ ነገራት ከይተረፈ፡ ተኸልኪሉ እዩ። ብሃጺሩ፡ ኣብ ገዛእ ዓዱን መሬቱን፡ ክነብር “ኣይፍቀደካን እዩ!” ተባሂሉ፤ ፓኒን ማይን ብፍቶት ወይ ይምጠዎ ወይ ይኽላእ፤ መንበሪ ገዛውቱ ብምፍራስ፡ ኣብ ጥሙይ ከብዱ ምስ ሕጻናቱ ንሓይቒ ኽሳጣሕ ገይርዎ ኣሎ፤ ሓሪሱ ንኸይበልዕ’ውን እናት ግራውቱ ተመንዚዑ፡ ንዕዳጋ ዕጸ-ፋርስ የውዕሎ’ሎ፤ መዓስከር ስደተኛታት ንቡር ዘይብሉ ዓዳትና ኾይኑ፤ ምህዳም ዘይከኣሉ ተጋደልቲ ከም ኣግማል ተቖጺሮም ንሕይወቶም ምሉእ፡ ኣብ በረኻ ከርተት ተፈሪድዎም፡ …. ብህግደፍ “ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ የለን” ኢለ ክሓልፎ። …. እዚ ኣረሜናዊ ተግባራት’ዚ’ውን፡ ቀንድን መመላእታን ናይቶም ዝፈጸሞምን ዝፍጽሞም ዘሎን ዓበይቲ ገበናት “ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት” (Crime Against Humanity) ምዃኖም ዘካትዓና ኣይኮነን። ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ኩነት፡ ንሕና ደለቲ ፍትሕን ሰላምን’ውን፡ ካብ ተሓታትነት ናጻ ኣይክንከውንን ኢና። ኃወይ / ኃውትይ / ኣቦይ / ኣደይ፡ ኣበይ ክምዘሎ/ላ፡ ኣኅዋተይ / ንሕወቶም ምሉእ ዝተጋደሉ ወለደይ፡ ኣበይ ከም ዝነጠቡ፡ ናይ ምድላይን ዳግም ሓራ ናይ ምውጻእን፡ ጌና ኣብ ዝባና ዘሎ ቀጻሊ ሕቶን ሓላፍነትን እዩ። ኣብ ስደት ተመሳሲልካ ምንባር ዘይኮነስ፡ ከም ሃገርን ሕዝብን ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ሕጊ ብሰላም ናይ ምንባር መሰል’ውን፡ መባእታዊ መሰልን ጻማ ሰማዕታትናን እዩ። ነዚ ንምፍጻም ግን፡ ዘምለጠና ወርቃዊ ግዜ’ምበር ዝተረፈና ብዙሕ ግዜ ስለዘየለ፡ ካብ ቅድመ-ተለውጦን (ተሓድሶን) ንቕሓት ሕዝብን ዝብገስ፡ ግብራዊ ሓባራዊ ቃልሲ ከምዘድልየና፡ ኩልና እንፈልጦ ሓቅን፡ ናይዚ ወለዶና ዓቢይ ሓላፍነትን፡ ምዃኑ እንግንዘቦ ጉዳይ እዩ።

ስለዚ፡ ኣብዚ ብጉዳይ ሃገር እትብገስ፡ ናይ ማሕበር ‘ፍትሒ ንሰላም’’ (Justice for Peace – J*+,) ምስረታ ዕለት፡ ንኽትሳተፉ፡ ደጊምና ብኽብሪ ንዕድም።

ምሉእ ኣድራሻ፡-

ዕለትን ሰዓትን ዓምሉእ ኣድራሻን፡- ሰንበት 03 የካቲት 2016 (03/04/20160)፤ ካብ ሰዓት፡ 4፡30 ድ.ቀ. – ክሳብ 7፡30 ድ.ቀ.

ኣብራር ሃውስ / Abrar House, 45 Crawford Place, London W1H 4LP

ብደሓን ምጹ000 ዶ/ር ክብር-ኣብ ይሥሓቕ

ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *