ሓንፈጽ ንባብ፣
ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ሓጸርቲ ክፋላት ክንበብ ዝጸንሐ ምስ ዞናናን ሳዕቤናቱን ዘቋመተ እዩ ነይሩ። 4ይ ክፋል እውን ካብቲ ክንበብ ዝጸንሐ ብዙሕ ኣይክርሕቕን። ኮነ እምበኣር! መጥቃዕትታት ስዑድያን ሃገራት ኪዳናታን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገረ የመንን ብዝለዓለ መልክዑ እዩ ዝቕጽል ዘሎ። ህዝቢ የመን እንተኾነውን ተቓውሞ ጥራይ ዘይኮነስ ፈጺሙ ከም ዘይምርከኽን ንሃገሩ ንምክልኻል ድማ ድልዉ ምዃኑን፡ ካብ ኩሉ እዋናት ንላዕሊ ብነድሪ ድልዉነቱ የረጋግጽ ኣሎ፣ ነዚ ዘረጋግጾ እንተሎ ድማ! መጋቢት 26/2016 ልዕሊ 2.000.000 ዝኸውን ህዝቢ ኣብ ጎደና ወጺኡ ሃገሩ ንምክልኻል ድልውነቱ ደጊሙ ንዓለም ኣመሓላሊፉ እዩ። እዚ ትማሊ ኣብ ጎደና ወጺኡ ድልውነቱ ዘረጋገጸ ህዝቢ የመን ኩሉ ዕጡቕ ሓይሊ ብምንባሩ ተወሳኺ ድርኺትን ምልዕዓላትን ይፈጥር። ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ህዝቢ ኣብ ጎደና ወጺኡ መኸትኡ ከረጋግጽ ከሎ ብዝያዳ ኣብ መንጎ የመንን ስዑድያን ክመጽእ ዝኽእል መዓትን ዕንወታትን ምግማቱ ኣየጸግምን። እምበኣር ክቡራት ኣንበብቲ ናይ,ዚ ሓጺር ጽሑፍ,ዚ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ሓጸርቲ ጽሑፋት እተጠቕሰ እዚ ኵናት ክልተ ኣሕዋት ህዝብታት የመንን ስዑድያን ብሰብኣዊ ሓልዮታት ዝረአ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኤርትራን የመንን ማለት ካብ ድርኩዅ ናብ ምድሪ ቤት ካብ ዘሎና ቅርበትን፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዘለዎ ፖለቲካዊ ምንዝርናን ተደማሚሩ ክስዕበልና ዝኽእል ሳዕቤናት ዓብዪ ግምት ዘእተወ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድርኩዅት ኸጠርን ስዑድያን ኢድ ክነስእ ይውዕል ምህላዉ ዘይከታተል ዘሎና ኣይመስለንን። ስለ,ዚ ኣይኮነንዶ ስርዓት ህግደፍ ተደሚሩዎስ ብዘይክኡ እንተኾነ,ውን ክትድቅስ,ሲ ጎረቤትካ ክቐስን ይግበኦ። ስለ,ዚ <ስብሓት ብጽሒትካ ኣይትስሓት< ከም ዝበሃል ዝመጸና ክንስሕት የብልናን።
ካልእ! 4ይ ክፋል ጉዳይ ሶርያን ክልተ ተጻራሪ ሓይሊ ዓለምናን (ኤመሪካ-ሩስያ) ዘስተበሃለ ሓንፈጽ ንባብ ክኸውን እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚውን ኢድ ምትእትታው ስዑድያ ኸጠርን ተሓባበርተንን እንተኾናውን ኣብ ዝለዓለ ደረጅኡ ኣለዋኦ። ኣብዚ ጉዳይ ሶርያን ዒራቕን ፈላሊኻ ምርኣዩ ኣይከኣልን። እንተኾነ እዚ ጽሑፍ ናብ ሶርያ ዘዕዝዘሉ ምኽንያት ኢድ ኣእታውነት ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ሶርያ ስለ ዝዛይድ እዩ።
ውግኣት ማእከላይ ምስራቕ ንረብሓ መን?
ኣብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ዝኽሰት ውግእ ፍትሓዊ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ውግእ ማለት ኩሉ ሰለማዊ ቃልሲ ወይ ፖለቲካዊ ፈተሓት ተፈቲኑ ምስተቐበጸ ከም ናይ መወዳእታ ፍታሕ ዝግበር ፈተነ እዩ። ይኹን እምበር ውግእ ካብ ዕንወት ሓሊፉ ፍታሕ ኣምጺኡ ኣይፈልጥን። ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ዝኽሰቱ ውግኣት ግን ቅድመ-ኩነት ፍተሓት ተፈቲኑሎም ኣይፈልጥን። ኣዕራብ ኣብ ናይ መጀመርታ ቆይቂ ዝጅመረኦ ውግእ ብምዃኑ ዘንተ እለት ካብ ውግእን ወረ-ውግእን ተገላጊለን ኣይፈልጣን። ኢድ ምትእትታው ምዕራባውያን ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ኩሉ ጠንቅታት ንእስራኤል ወሲኸን ንምዕራባውያን እየን ዘሰክመኦ። ዕድኡን ፍዳኡን ድማ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝበንን ማሕበራዊ ትካላቱን እዩ ዝወርድ። እምበኣር ነዳዲ ሸይጡ ኣጽዋር ዝዕድግ ዘይኮነስ፡ ነዳዲ ገዚኡ ኣጽዋር ዝሸይጥ እዩ ዝረብሕ። ኣብዚ ዞና,ዚ ክዕንትራ ዝደልያ ሃገራት፡ ቱርኲ እስራኤል ስዑድያን ኢራንን ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ማለት! ዓንቀረን ክሳብ ዝስርነቕ ኣሎ ዝበሃል ወታደራዊ ዕጥቂ ተጀንጅነኦ ይርከባ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ፍጡራትን ማሕበራዊ ትካላቱን እዩ ዝዘንብ ዘሎ። ዕድመ ንዕዳጋ ነዳዲ እምበር መግዝኢ መታደራዊ ኣጽዋርን ኢድ ምትእትታዋትን እተሳእነ የለን፡ ይኹን እምበር ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ዘዕገርግራ ዘበላ ሃገራት ብሙሉአን ብዘይካ እስራኤል ወታደራዊ ኣጽዋራተን ካብ ሸመታ እየን ዝጥቀማ። ክንዲ ዝኾነ ኣብ,ዚ ክፍለ-ዘመንዚ ሽመታ ኣጽዋር ዓለምና ዳርጋ ብሒተነኦ እየን ክበሃል ይከኣል። ካብ ፍርያት ኣጽዋር ምዕራባውያን፡ ብዓይነቱ! ደረጃ ካልኣይን ሳልሳይን ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ እዘን ሎሚ ብገዛእ ኣህዛበን ዝጭፍጭፈኦ ዘለዋ ሃገራት ማኣከላይ ምስራቕ፡ ብሙሉኡ ደኲነነኦ ይርከባ። ስለ,ዚ ኣብዚ ዞናዚ እስትራተጅካዊ ረብሓታት ምዕራባውያን ንኸዕዝዛ ዝሰፋሰፋ ዘለዋ ሃገራት፡ ብዘይካ እስራኤል ኩለን ክሳራ እምበር ረብሓ የብለንን። እስራኤል ግን ምስቲ ዝጸንሓ ዓረባዊ ተጻብኦን ዘለዋ እስትራተጅካዊ ኣቀማምጣኣን፡ መን ትኹን ብዘየገድስ ውግኣት ሕድሕድ ዓረብን ምድኻማተንን ዝዓበየ እስትራተጅካዊ ረብሓታት ኣለዋ።
ዳዕሽ (ISIS) ኣብ ሶርያን ዕራቕን፣
ሎሚ ጸላእቲ ዳዕሽ ISIS ክመስላ ዝሰፋሰፋ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብን ማኣከላይ ምስራቕን፡ ገና ዳዕሽ ኣብ ጽባሕ እስላማዊ ሃገር ኢሉ ካርታ ኣብ ዝሰኣለሉ ወቕቲ፡ እስላማዊ ሃገር ብምባል እየን ብሚድያታተን ከቃለሓኦ ዝጀመራ። ብዝለዓለ ደረጅኡ ድማ! ዳዕሽ ISIS ይኹኑ ካሎኦት ተቓወምቲ ሓይልታት ንኽሕይሉ ብመንግስታት ስዑዲ ዓረብያን ኸጠርን ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያንን ዝፈሰሰ ገንዘብን እተለገሰ ወታደራዊ ምኽርን መዐቀኒ የብሉን። ንሱ ጥራይ ኣይኣኸለንን። ሕሉፍ ሓሊፉወን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃን ምብራቕ ኤውሮጳን (ሶቬት ሕብረት ነበር) ካሎኦት ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከይተረፈ በሸሓት ዶላራት ተገዘኦም ኣብ ጎድኒ ዳዕሽ ክዕስከሩ እዘን ዝጥቀሳ ዘለዋ ክልተ ሃገራትን ተሓባበርተንን እየን ክምውለኦ ጸኒሐን። ብዋግኡ ድማ ሃገራት ሶርያ ዒራቕን የመንን ሰለማውያን ህዝብታትን ማሕበራዊ ትካላቱን ክበርስን ክዓኑን ይርከብ። ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ዘዕበየኦን ብመሰረት እተገብረ ሰፋሕቲ ውግኣት ዝጠፍአ ፍጡርን ታሪኻዊ ሃወልትታትን ከፍርሰለን ጸኒሑ ኣብ ሎሚ በጺሑ ዳዕሽ ክዳኸም ከሎ! ሃገራት ስዑድን ኸጠርን ክዕገሳ እየን ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ከም ታሪኽ ዘይሓዊ ቁስሊ ይኹን እምበር መድረኽ ተቐይሩስ ሎሚ ሓይልታት ዳዕሽ ኣብ ምድኻም ይርከቡ። ሓይልታት ዳዕሽ ኣብ ዝጥቅዑሉ እውናት እዩ እምበኣር መንግስታት ስዑዲ ዓረብን ኼጠርን ቱርኲን ከምኡውን ተሓባበርተንን ከም
ብሓድሽ ናብ ከባቢ ሶርያን የመንን ክሰፋሰፋ ዝረኣያ ዘለዋ። እስራኤል ኣብዚ ጉዳይ,ዚ ሚስጥራዊ ተዋስኦ ከይተዋሰአት
ትጸንሕ ኢያ ምባል ዕሽነት እዩ ዘቑጽር። ምኽንያቱ ሰብኣይን ሰበይትን እተበኣስሉ መኣዲ ይፍጠረለይ ከም ዝበለ ለማኒ!
ኣዕራብ ነኒ ሕድሕደን ክተሃናኾታ ከለዋ ንእስራኤል ዓብዪ ሩፍታ እዩ። ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ምቁጽጻር ሓይልታት ዳዕሽ
ዝነበረ ሓያሎ ግዝኣታት ኣብ ትሕቲ መንግስታት ሶርያን ዒራቕን ወዲቑ ብምህላዉ ምንጪ እትዋት ዳዕሽ ዝነበረ ብፍላይ
መሸጣ ነዳዲ ፍርቁ ስኢኖሞ። ካብ ሃገራት ሶርያን ዒራቕን ብመገዲ ቱርኲ ኣቢሉ ናብ ጸሊም ዕዳጋ ዝኸይድ ዝነበረ
መስመር ብኸቢድ ተረብሹ። ቀንዲ ካብቲ ምድኻም ሓይልታት ዳዕሽ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ዳዕሽ ኣብ በቢ እዋኑ
ብፍሉይ መጽናዕትታት ሩስያን ተወንጫፊ ኣጽዋርን ተቐቲሎም እዮም። <ጥንቅልዒት ዝሸነ ናብ ሕንብርቱ ከም ዝበሃል>
ምስ ሓያል ወታደራዊ መጥቃዕትታት ሩስያ ተተሓሒዞም እተኸስቱ ካሎኦት ኣሉታዊ ሳዕቤናትን ንሃገራት ምዕራብ ድማ
ብኸቢድ ዘሻቐለ ፍልሰት ስደተኛታትን ሓደገኛነቱ ድሮ ተቐላቒሉ ይርከብ።
ተራ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ሶርያ!!
ሓይልታት ዳዕሽ ኣብ ምድኻምን መንግስቲ ኣሳድ ኣብ ምሕያልን ሩስያ ቁልፊ ቦታ ሒዛ ኣላ። ተዳኺሙ ዝነበረ መንግስቲ ሶርያ ሙሉእን ዘመናውን ኣጽዋር ክረክብ ክኢሉ እዩ። ሩስያ ናብ ሶርያ ዘእተዋ ምኽንያት ንጸጥታውን ወታደራውን ጉዳያታ ብዓብይኡ እስትራተጅካዊ ጠቕምታታ ንምሕላው ክኸውን ከሎ፡ ኤመሪካ ዘቦ,ጎይላአን ሃገራት ምዕራብ ድማ ንምትእትታው ሩስያ ክኹንናን ክግዝታን ወሪሐን ነይረን። ሩስያ ጸማም እዝኒ ሂባ፡ ነቲ ከባቢ ይበቅዕ ዝበለቶ ወታደራዊ ኣጽዋራታ ተሰንያ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽን ተቓወምቲ ሓይልታት ሶርያን ከም በረድ ክተዝንቦ እንከላ፡ ከምቲ ዝፍክረኦ ዝነበራስ ካብ ሃገራት ምዕራብ ወስ ትብል ሃገርኳ ኣይተረኣየትን። ይኹን እምበር ናይዘን ዳዕሽ ካብ ምፍጣር ክሳብ ምሕያሉ ክሰርሓ ዝጥቀሳ ዘለዋ ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ የወጻጸአን ድዩ ኣየወጻጸአንን ካልእ ጉዳይ ኮይኑ! በቲ ዝህንደድኦ ዘለዋ ተሪፉወን ዘሎ እንኮ ዕድል ምስ ሩስያ ምግጣም ጥራይ,ዩ። እቲ ጉዳይ ከማኡ ከሎ! ገበርቲ ሰናያት ሓገዛተን ናብቲ ተበዲሉ ዘሎ ህዝቢ ሶርያ ከበጻጸሓ እንተ ኮይነን ሰናይ ፍቓድን ምርድዳእን መንግስቲ ሩስያ ምስ ተወሰኾ ጥራይ እዩ ተግባራዊ ኮይኑ። ስለዚ ናይዚ ዓመትዚ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ብጽሒት ኣንበሳ ዓትዒታ ትርከብ ሩስያ ኮይና ኣላ። ብኻልእ መዳይ፡ ሚድያታት ዓለም ከም ዘቃለሖኦ ሩስያ ካብ ሶርያ ትስሕብ ምህላዋ እዩ። ብሙሉእ ሓይላ ድዩስ ብኽፋሉ ብዘየገድስ ብስምምዕ ሕቡራት መንግስታት ትስሕብ ከም ዘላ ይንገር። መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ይኹን ተቓወምቲ ሶርያ ግን ብዝዓበየ መልክዑ ደኣ ቀጸለ እምበር ኣየቋረጸን። ወታደራዊ ሓይሊ ሶርያ ብነፈርቲ ውግእ ሩስያ ተዓጅቡ መጥቃዕቱ ናብ ዝለዓለ ደርጅኡ ኣበሪኹዎ ይርከብ። ስለዚ እቲ ሩስያ ካብ ሶርያ ምስሓብ ዝብል ፖለቲካዊ ተዋስኦ እዩ። ሩስያ ካብ ሶርያ ምስሓብ ድማ ናይ ሰዓታት ርሕቀት ናብ ማእከላይን ጸሊም ባህርታትን እዪ ክኸውን። እዚ ኸኣ ካብ ውሻጠ ናብ ድርኪዂት እዩ ክኸውን። ስለዚ ሽግር ዞናታት ማእከላይ ምስራቕን ደቡባዊ ምስራቕ ኤውሮጳን ካብ ባርዕ ክገላገሉ ኣይኽእሉን።
ንሎሚ በዚ ክሰናበት ከለኹ 5ይን መወዳእታን ጠንቂ ኲናት ዘስዕቦ ስደት ስድህስስ ሓንፈጽ ንባብ ክኸውን,ዩ።
ክሳብ ሽዑ ሰናይ ቅነ፡