ደም ዘንብዕ ዛንታ!    16.03.16፡

Gubtan

 

ብዛዕባ’ቲ ድምጺ ኣሰና ተቕርቦ ዘላ ሱር-ነቀል መደባት መመሊስካ ክትንእድ ምፍታን ስለዘይምልክዕ፡ ብነብሱ ፍሉጥ ገይረ እናሓለ ፍኩ፡ ብፍላይ ኣብ ናይ ዕለት 12. መጋቢት 2016 ፈነወኣ ካብ ዘቕረበቶ ቃለ-መጠይቕ ግና ካብዛ ኣብራኸይ ዝዓጽፈላ ብሕትውቲ  ቤት ብጹሑፍን ብድምጸን ቀጥታ ናብቲ ዕዱም ጋሻ ክትበጽሓለይ ዝምነያ መልእኽተይ እንሀት።

ክቡር ሓውን ብጻይን፦

ከምኡ ዓይነት ሕቡን ሰብ ስምካ ክትገልጽ ዘይምድ ላይካ’ውን ምልክት ትሕትናኻ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ስኑዕ ግዜ ሓቀኛ ወይ ናይ ብርዒ ስም ስለዘ ይተጠቐምካ ንትሕዝቶኻ ኣየቃጠኖን። ብተወሳኺ  መንነትካ ብትሕዝቶ ዛንታኻ ስለዝግለጽ መብራህቲ ኣርማኻ ዝተኾለዐ፡ ሕፍሰት ሓቅነትካ ዘይተጀልሐን ዘይተወረቐን ንጹር መንነት ብምውናንካ ደስ እብለ ኒ። ብሓቂ ክብለካስ ንስኻ መርኣያ ናይቲ ኩሉ ዓይ ነት ተጋዳላይ ሰውራ ኤርትራ ብምዃንካ ድማ ገና ዘ ይተበርበረ ታሪኽን ዓቕምን ከምዘለካ እኣምን። ከም ትዕቅቦ ዘለኒ እምንቶ ድማ ወሰን የብሉን። ብ ኡ ኣቢለ’ውን እስከ ናብ ገለ ካብቲ ልበይ ዘድምየኒ ዛንታኻ ክሓልፍ፦

“ስለምንታይ ነብሰ-ቅትለት ዝግበር? . . . እቲ ስርሒት ወዲእናዮ ኢና እንታይ ሕቡእ መጋረጃኡ ነይሩ ብድሕሪኡ ግን ስጋብ ሕጂ ክፍታሓለይ ዘይኽእል ኮይኑ ዘሎስ . . . .፡ ስርሒት ብዘይ መስዋእቲ ወይ ብውሑድ ክሳራ እንተተዓመመስ ንምንታይ ግድን ደም ክሓልፎ ከምተደለየ . . .”

ክቡር ሓው፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘቕረብካያ ናይ “ስለምንታይ” ሕቶን ቃልን ዝኸውን መልሲ ኣይምደረቐናን። ብኣውራኡ ነቲ ታሪኽ ብ ሉጻትና ከምዘለዎን፡ ንዕዑ ንምብሓት ብዛዕባ ዝጥበብ ቅትለት’ውን ከምዘለዎን ብምቕራብካ ደጊመ ሞጎስ ይብጻሕካ። ግናስ እቲ ዘ በገሰኒ ናይ ስለምንታያት ሕቶታትካ ኣብ ራዲዮ መድረኽ’ውን ቀሪቡ ስለዝነበረ ንምሕጻሩ ዝኣክል ክቡር መራሒና ናህና ኣይነበረን ሎሚ’ ውን ብዝኾነ ተኣምር ናህና ኣይኮነን። ምኽንያት ኣለኒ።

መሸም ካብ ናጽነት ድሮ ርብዒ ዘመን ኣቑጺርና እነና። ኢሳይያስ ተመሃራይ ዴስነት ቻይና ከምዝነበረ መጠን ምስቲ ከምኡ ንርብዒ ዘመን ዝመርሐ ማኦ ጸቱንግ ከወዳድሮ እፍትን’ሞ እንዶኡ ይፍንጣሓኒ። ምኽንያቱ ማኦ ምንም’ኳ መላኺ ከምዝነበረ እንተተገልጸ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ስልጣኑ ህዝቡ ጠርኒፉ ሃገሩ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ክትበጽሕ መሰረት ዘንበረን ሞቶረ ዝቐረበን ከምኡ’ውን፡ ክሳ ብ’ታ “ዓለም” ትበሃል ሓያል ንዘቕረበቶ ናይ ኣጽዋር ምንካይ ስምምዕ ሃገሩ ነቲ ኣጽዋር ከይጨበጠቶ ምፍራም ዕጭ ዝነቖተ መራ ሒ ስለዝነበረ እንሆ ቻይና ነቶም ልኬቶ ጥራይ ክትሰርሕ ዝተመነዩላ ዓበይቲ ሃገራት ጸብሊላ ትርአ። ጽባሕ ዝኽወኖ ድማ ጽባሕ ባዕላ ትፈልጦ።

ብተዛምዶ ማኦ ንመራሒና ክጥምቶ እንከለኹ ኣብ ርብዒ ዘመን ዕድመ ስልጣኑ ሃገርና ክሳብ ሎሚ ብግዜያውነት ጥራይ ኢያ ትፍ ለጥ። መንግስትና ግዜያዊ ታሴራና ግዜያዊ! ብምዃኑ ጽባሕ ዝኽወኖ ጽባሕ ክትፈልጠልና ከይተጸበና ምብዳምና ድሮ ብኣዒንትና ርኢናዮስ ሃገርና ብዘይ ተኹሲ ከምተማረኸት ንምርዳእ ጽባሕ ምጽባይ ኣየድልን። ስለኡ ኢየ ብወገነይ ደጋጊመ ኢሳይያስ ኣይናህና ን ምዃኑ ብዓውታ ዝብሎ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ደጊመ ኢሳይያስ ብባራኪና ሰብኖ ብሽብጢ ጀፍዓዮ ብምንም ተኣምር ኤርትራዊ መን ነት የብሉን። ትሪኦ ኣለኻ ዕዮ ገዛኡ ጠንጢኑን ፍትሒ ዓፊኑን ንብኤርትራኣ ብልክዕ ከምቲ ናይ ናዚ ኣተሓሕዛ ኣብ “ቁሸት ሕቡሳት “ (concentration camp) ተኽቲኹ ብምኽዛን ኣዋሊእና ክንሱ፡ ከም ሓደ ፍትሓውን ተሓላቒ ዓባይ ኢቲዮጲያን ድማ ወያ በዓ ልቲ ዝና ታሪኻዊት ሃገር ከይትቆራመምን ከይትሸራረፍን ያኢ ንኣንድነታ ክዋደቕ ይውዕል ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ስለዝቶብኦ’ውን ዝ ናን ክብርን፡ ካብ ኩሉ ድማ “ጀግንነት” ያኢ ንሳቶም ኮይኖም ዋናታቱስ ካብዞም ጎራሓት ጎረቤትና የንቀላውጥ እንሆ። ዝኾነ ኮይኑ ጥራይ ከምቲ ዝበልካዮ ተጋዳላይ ነቲ ቃልሲ ከይጉዳእ እናበለ ንኩሉ ዝገጠሞ ተወፍይሉን ዝገደደ ድማ ገና ክሳብ ሎሚ’ውን ብት እዛዝን ትሕዞን መራሕቱን ሕቡኣት ቀንጸልትን ከም በጊዕ ይጉያሓሉን ክሳውዱ ይጉናኣሉን እንሆ።

“ክሳዕ-መዓስ? መወዳእታኡኸ? ንነገሩ ንሓዋሩኸ እዛ ሃገርሲ ካንዲያ ኣብዞም “ሽፋቱ” ክብሉና ዝስምዑ ዘለዉ ሰብ ኩትኹቶ ክትወ ድቕ ወይስ ብርግጽ ዕሕሕ ዝብሉ ኣለዉና?” ኢልና’ኳ እንተተሸገርና ግን ነቲ ምስጢር ኤርትራውነት ዝዓጽፍ ሓይሊ ኣይክህሉን’ዩ!

ንግዚኡ ኩሉ ከምዘለዎ ይጽናሓልና። ንሕጂ ክብለካ ዝደሊ ግዳ ንብዛዕባ ኣሰዋውኣ መኾነን ተኽለ (ጉብጣን) ዝሃብካዮ መብርሂ ዝ ምልከት ክትከውን ኢያ። ኣቐዲመ ግና ኣገላልጻኻ ልክዕ ከምታ ኣቐዲማ ዝተሰምዐት ምዃና ክደግመልካ እፈቱ። ማለት ጉብጣን መ ኪና ሒዙ እንከሎ ብናህና ነታጒ ከምተሰውአ ተባሂላ ተፈንያ ነይራ። እንተኾነስ ከምቲ ንስኻ’ውን ትርድኦ ገበርቲ እከይ ዝገበሩ ገ ይሮም ገለ ምስምስ ይፍንዉ’ሞ እንተድኣ ዘቕረብዎ ሓሶት ተሓምዩ ወይ ተቐሊዑ ተቓውሞ ከየስዕብ ምእንቲ መሊሶም ብካልእ ሓ ሶት ክድብድብዎ ክብሉ ዝገደደ እሳት እናኸዓዉ መዋእል ሓሊፍዎም።

ንሕና ድማ ኩሉ ሳዕ ዘይቅኑዕ ስራሓት ንርኢ፡ ኩሉሳዕ ከኣ ስለምንታያት ንድርድር፡ ኩሉ ሳዕ’ውን ምስጢራቱ ኣይገሃደልናን። እንተ ተጋህደልና ድማ በቶም ሓሳባት ኣቕሪቦም ዝተወፈዩ ክሓልፈልና ንምነን ንምህለልን። ብከምኡ ክሳብ ሎሚ መፍትሒኡ ኣይረኸብና ን። “ዘይርደኣኒ” ክትብል ንዘቕረብካዮ ክሳብ ሎሚ ዘይፈታሕካዮ ሕንቅል-ሕንቅሊተይ ክተሓጋገዘካ ስለዝደለኹ እንድየ፡ ዕላልካ ም ስቶም ኣብ ሶማል ስለዝተማረኹ ክሳብ ሎሚ ተኻሒዶም ከምዘለዉ ዝዳቐስ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንርእሳ’ታ ተዓዊትኩም ምውጻእ ኩምሲ ንምንታይ ከምዘይተሰዋእኩም ዘኾረየቶም ምኽንያት ንርእስኻ ወናኒ ልዑል ዓወትን ብቕዓት ምዃንካ’ኳ እንተረጋገጸት እታ ክሳብ ሎሚ ዘይተረደአትካ ምኽንያት ብርሰት ግዳ ከምዚ ግዜ ዝኽሽሖ ዘሎን ንስኻ’ውን ትድርጉሖ ዘለኻን ሓቒ ጽባሕ ብጊሓቱ ብ ኣፍ ፈጸምቱ ከይትወጽእ ዓወት ክትብሕት ዝዓለመት ተራ ቅትለት ጥራይ ዘይኮነትስ ገና ካልእ ዘይዳህሰስናዮ ጉድ ኣሎ። ማለት ወ ሰን-ወሰኑ ድኣ ከነዳርት ጸኒሕና’ምበር እታ ብቑዓት ሃገራውያን ተጥፍእ መንደፍሲ ገና ኣይተተንከፈትን።ዓበይቶም ንኣሽቶም ገዛእ ቲ’ኮ “ቃልሲ ኤርትራ ብሓደ-ክልተ ዓመጽቲ ሸፋቱ ዝተላዕለ’ምበር ብሓቂ ናይ ህዝቢ ጠለብ ኣይኮነን” ኢዮም ክብሉ ጸኒሖም። ተ ስፋ ድማ ኣለዋ ኣምሓራ ንኢሳይያስ ብምሓዛ ተመሊስና ክንጉምባሓላ! ስለዚ ነቶም ሓያላትን ሰራሕቲ ቅያን ምቕርዳዶም እዋናዊ ዕ ማም ናይቶም ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ተጠርኒፎም ዘለዉ ከዳዓት ብምዃኑ ብርሰትና ብደውና ንሪኦ ኣለና።

ሃውቲተዶ? እምበር ዘይቀንዲ ዛዕባይ ድኣ ብዛዕባ’ቲ ዝጠቐስካዮ ስዉእ ጀነራል ምኮንን ተኽለ (ጉብጣን) ኢዩ ዝነበረ። እስከ ንድሕ ሪት ናብዚ ዘምጻእካዮ ዕላል ተመሊስና ክልተ ኣብነታት ካብቲ ሃይቂ ሞያታት ስዉእ መኮነን ንመልከት።

ናይ ኣስመራ ስርሒት መዓርፎ ነፈርቲ ዘጽንዐን ዝፈጸመን ብቀዳምነት ጉብጣንን ንሱ ዝመርሖም ውፉያቱን’ኳ እንተኾኑ ንሳቶም ን ዝና ዝገበሩዎ ከምዘይነበረ ድማ ኩሉ ኤርትራዊ ይፈልት። ነቲ ክንድኡ ዝኣክል ዓወት ዝተመጎሰሉ ግን ከምቲ ዝበልካዮ ካልእ ሰብ እንተነበረ’ውን ኣይመኽፍአን። ገደደ ንሰራሕቲ ታሪኽ ደፊኖም ከይኣክል ሎሚ ብቀንዱ ነቲ ስርሒት ዘከሻምሹ ሓደስቲ ኮራኩር ኢ ሳይያሳት ክቀላቐሉ’ዩ’ቲ ዓገብ! ወዲ ረጋሒት ኣብታ ስርሒት እንተዘይስዋእ እዚ ሎሚ ኣፉ መሊኡ ክንድኡ ነፈርቲ ከምዘይሓረራ ዝምድር ዘሎ ትዃዕ ብቀንዱ’ቲ ስርሒት ከምዘይተሰርሐ’ውን ከየሕነኾ ብሃውሪ ምኸሓዶ። “ሸፋቱ” በለ ሕንጣይ ከም ጎይቶቱ!!!!

ሕቶ ክህልወኩም ይኽእል ሕጂ። “ኪኖ’ዚ ወሻጠ ደቂ ከበሳ ክድርዕም ዝወጣወጥ ዘሎ ተመናይ ኢቲዮጲያዊ መንነትን ንሱ ዝምድረ ሉ ባይታ ዝፈጠሩን ምስኡ ደው ዝበሉን ሓይልታት በዓልመን ኢዮም?” ዝብል ሕቶ። ርግጽ ከምቲ “ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትኖኣ ትናፍቕ’  ዝበሃል ኢቲዮጲያውነት ምምናይ ንነውርነቱ ገዲፍና ሓጢያት ኣይኮነን’ሞ ከምቲ “ኣበይ ክረኽቦ” ዝበሎ ከምገለ ዝረኽቦ አንተኾይ ኑ መሬት ንዋናታታ ግዲፉ እንተዝብገስ ዶብ መዓስ ርሒቕዎ! እንተድኣ እቲ ዘይመስለኒ ዘሎ ተገይሩ ክሳብ ኖርወይ ተኣትዩ ኮይኑ ግና ኣብ ዓምዲ ናይቶም መዛግብና ዘዘቕበብዎ እልፊ ደቂ ጣባታት ምስኩዑ እንታይ ከየጸግም። ነዊሕ ድማ ኣይኮነን ኩሉ ዝቕላዓ ሉ ጥራይ ናብታ ሂወት ጀነራልና ዝበልዐት ካልኣይቲ ስርሒት ነብል።

መኮነን ጉብጣን ኣብ ኣሶሳ ተሰዊኡዶ ተቐቲሉ?

ጉብጣን ብናይ ገዛእ ብጾትና ነታጒ ተቐቲሉ ከምተሰውአ ገሊጽካ። እዛ ገርሂ ዛንታ ሽዑ ምስተሰምዐት ምሒር ኣቀናጢዋትና ነይራ። ድሕሪ ናጽነት’ሞ ድማ ኣብ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዝያዳ ከምተጋህደት እዝከረኒ። መቸን ነዛ ዕላል ምዕጎ ድሙድሙ ዘይኣምና ኣሎ ። ግናስ መዓስከር ደንደን ምንባርካ ከምዝጠቐስካ ሓቀይ እንተኾይነ ካብ ባር ኩባኩባናን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብቲ ፊት እንዳ ማ ህሌትን ከባቢኣን (ንወዲ ኮለኔል ተወጊንሉ ዘሎ ቪላ) ኪድ ክሳብ ባር ዕንባባን ኢዩ ዝነበረ ዞባ ምዕጎ ድሙድሙ’ሞ ኣሸበሸብ ድማ ተራኺብና ንነብር ኢና። እሞ ንግዚኡ ዝውንዘፍ እንተዘይኮይኑ ንምዕጎ ድሙድሙ ዝተሰወራ ከምዘይነበረ ነገር ሞኬ ኣብነት’ዩ።

ዝኾነ ገበናዊ ስራሓት ዋላ’ኳ ቃል-እምነት ኣይረኸቦ ብሞዛይክ እኽብካብ ንኣሽቱ ፍጻመታቱ’ዩ ዝንደን ዝጭበጥን። ከምኡ’ውን ወተ ሃደራዊ ፍጻመታት። ብዛዕባ መስዋእቲ ጀነራል መኮነን ጉብጣን ካብ ዘከርካስ ንሕናውን ናብ ተኽእሎታት ኣሰዋውኣኡ ዘይንሕንበበ ሉ ምኽንያት ኣይነበረናን። ጉብጣን መን ኢዩ? እንታይ ዝኣመሰለ ወታደራዊ ፍልጠትን ናይ ምፍጻም ብቕዓትንክ ነይርዎ? ንዝፈልጥ ዘበለ፡ ብፍላይ ድማ ከምቲ ንስኻ’ውን ንሱ ኣብቲ ቅድም ምድረ-ጋላ ዝበሃል ዝነበረ ሓምላይ መሬት ንክልተ ዓመት ከምዝዓንደረሉ ከምዝገለጽካዮ፡ እንተኾነ እቲ ክንድኡ ተፈታውነት ዝነበሮ ወተሃደር ብ”ተሰዊኡ” ትብል ጻልጣ ወረ ክንኣዝም ስለዘይተዋሕጠልና፡  ናብ ተወሳኺ ሕቶታት ከነምርሕ ግድን ኮይንና ከምዚ ክንብል ከኣ በርበርናዮ፦

“ጉብጣብ ቦታ ዘጽንዐ ውጹእ ወተሃደር ኢዩ። ግናስ ብከመይ ሽዑ ንዝተማረኸት መኪና ክመርሕ ደልዩ? ከመይከ ኣብቲ ቦታ ዋና መሬት ጸላኢ ከምዝነበረ እናፈለጠ ንብሕቱ ተጓዒዙ? ብቀንዱ እቲ ብብጾትና ዝተዘርአ ነታጒ ከምዘሎ እናፈለጠ ብከመይ ኣትይዎ?

ነገራቱ ምጥዕዓም ምስ ኣበየ ድማ ናብቲ ካልእ ምናልባሻት ኣተና። “ምናልባትዶኾን ኣብታ መኪና ፈንጂ ጽዒኖም ኣፋንየሞ? ምናል ባሽዶኾን ኣድብዮም ጸኒሖም ምስ መኪናኡ ገሲሞም ኣመሳሲሎሞ? ዶስ ከምቲ ኣበሃህላኦም ጉብጣን ነብሰ-ቅትለት’ዩ ፈጺሙ?”

ኣይትትዓቡ፡ እንተ ንሕና ብበረኻና’ውን በቲ ከዋድር ህግደፍ ዝፍንውዎ ዜናታት 03 ብምዕፍታውና ተቐበልቱ ኣይነበርናን። “ኢሳይ ያስ መን ኢዩ?” ዝብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ንምቕልዑ ነዊሕ ዝወሰደልና ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣውራ ምስጢሩ ከይቕላዕ ዘናውሖ ድማ ኣማስያናስ ዓሰብቱ ብዝገብርዎ ድርዒ ምዃኑ ካብቲ ደም ዝነብዐ ተመኩሮና ፈሊጥናዩ እብለኩም። ንሕና ኤርትራውያን’ውን ኣብ ታ ገርሂ ዓለምና ዓስኪርናሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ወዮ ተኸዳኒ ቆርበት በጊዕ ተኹላ ንዓና ንበጋይዕ ከደናግረናስ ብቀንዱ’ቲ ገርሂ ባህ ርናን ፍቐሪ ሃገርናን’ዩ ሓጊዝዎ። ስለዚ ነቶም ንሓዋሩ ነዛ ሃገር ሃገር ዘስምዩዋ ቀንዲ ውሉዳታ ክቑርምም ገለ ካብቲ ቀንድን ብዞባ ደረጃ ዝተዋህቦ ሕቡእ ተልእኾኡ ከምዝነበረን ዘሎን ምዃኑ ፈሊጥናዮ። ንስኻ’ውን ንኣብነቱ ኣብቲ ዝሃብካዮ ቁንጣሮ ሓበሬታ ካብ ቲ ሃይቒ ተመኩሮኻ፡ ድሮ ነቲ ብፖለቲካዊ ብልጸት ብዝተጎልበበ ብርሰትና ከምጸሓይ ቀትሪ ኮሊዕካዮ ኣለኻ።

ክቡር ብጻይ፡ ብወገነይ ከምቲ ካልእ ዜጋ ክሳብ ሎሚ ፖለቲካ ዝበሃል ተዛሪበ ከምዘይፈልጥ ከዕልለካ ኣይሓንከሉን። ሰብና ፖለቲ ካ ክዛረብ እንተጀሚሩ ግዳ ከቢድ ጉዳይ ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ናትካ ስለምንታያት “ስለምንታይ ኢዮም’ዞም እሙናት መራሕትና መገዶም ቀይሮም” ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ኣይተመለሰን። ንበል ጀነራል መስፍን ሓጎስ ኣብ ልቢ ኩሉ ዜጋ ከምዘይሰፈረ ንምንታይ ጎቦጎቦ ኢሉ? ንምንታይከ ከምቲ ዝብልዎ ክሳብ ኣብ ምርጫ ዝበዝሐ ድምጺ ረኺቡ ክንሱ ክሃድም መሪጹ? ብኡ ዝነቐለ ዛዕባ ናብ ብቀደሙ’ውን ከም ጸረ ኢሳይያስ እናመሰለ ንኢሳይያስ ዘገልገለ ሰነፍ ጀነራል ተጸብጺቡ። ከምኡ ድማ ነቶም ገና ዝኣምንዎ ደቂ ገር ሂ ልባ ካብ ወጻኢ እናደወለ ብውሽጢ ክነዓዓቡ እናመዓደ ተመሊሱ ከምዘእስሮም ኢዩ ዝውረ ዘሎ። ምስ መድረኻውያን ኮይኑ ፍ ኒሕኒ ክብልከ ሓቁ ዲዩ ኢሳይያስ ተኸሲኡ ስለዝሰምዐ? እምበርከ ንመን ክልክምን ንሓዋሩኸ መን ይእመኖን? ኩሉ እንድዒ!!!

እቲ ካብቲ ዘብለጭልጭ ከዋኽብቱ ንላዕሊ እታ ኣብ ኢዱ ዘይትርአ ቅዱስ-መጽሓፉ ከምዘፍቅር ዝውረየሉ ጀነራል ስብሓትከ ዓለ ም ዝገበረትና ከምንግበር ክምዕድ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽቡዎ? ዶስ ድሕሪ ዛሬባ ናይ 73 ለዚቡ? ዓለምድኣ ብቀደማ መዓስ  ናህና? እምበርከ ግደፍ ንሕና ፍጡራት ዓለምሲ፡ ፈጣሪና’ውን’ኮ ኩሉ ክገብር እናኸኣለ ንዝሃበና መሰል ምርጫ ከይጥሕስ፡ ከይጻባ እን ከይመልኽን ክብል፡ ናብራ ምስዝኸፍኣና ክንጠርዕ ኢዩ ዝሓበረና። “ሕተቱ፡ ማዕጾ ኳሕኩሑ ዝደለኹሞ ክትረኽቡ” ዶ ኣይትብ ልን ኢያ’ታ ጀነራል ስብሓት ዘፍቅራ ቅዱስ መጽሓፍ ወይስ ካልእ ምስጢር ሃልይዎ?

ገደደ ናይዞም መንእሰያትና! ሃገርና ኣብ ቁሸት ጽዩናት (ሕዩራት) ተዘሪዓን ብሰርቢ ማይኖህ ክንጭንጓዕን ተወጢኑ ኣብ ዘሎ እዋን  ሃገሩ ንከናግፍ መርከብ ዝሰርሕ ወይ ዝተሰርሐት ዝመርሕ ገለ’ኳ ከምተሳእነ ብዝመስል ንርእሱ ከም ሓደ ዑቕበኛ ኣብ ውሻጠ ዓቀ ብቱ ተዋሒጡ ሰማየ-ሰማያት ክቛምት ተጸባይ ናይታ ከም ምልክት ሰላም ኣብ ኣፋ ቆጽሊ ኣውሊዕ ቀርቂራ ንትመጾ ጻዕዳ ርግቢት መሲሉ ክርአስ ምስ እንታይ ትጽብጽብዎ? ንብቐንዱ’ምበር ወያ እንተ ተርድእ ወይ ተበስር ርግቢትከ ከይኳሕኩሐ ትመጾዶ?

ማይ ምዕሟኽ ይብሉካ ከምዚ ኢዩ። ማይ ዝዓሞኸ እናተቐትለ ብሰላማዊ ኣገባብ ኢዩ ያኢ መሰሉ ዝሓትት!

ሰላም ይፍጠረላ ክብርቲ ሃገርና፡ የቐንየለይ ድማ ክቡር ሓወይ!

ጎደፋ፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *