ጋዜጣዊ መግለጺ ስሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ…ኣዲስ ኣበባ 10 መጋቢት.2016

ጋዜጣዊ መግለጺ

ስሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ብስንኪ’ቲ ንህዝብን ሃገርን ዘይሓልን፡ ሰብኣዊ መሰላት ዘየኸብርን፡ ንኤርትራ ፍሽልቲ ሃገር ዝገብርን ኣዕናዊ ፖሊሲታት ገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ኣዝዩ ጽንኩር ሃለዋት ኣብ ዘሕልፈሉ ዘሎ ወቕትን፡ ብኩሉ ኣቕጣጫታት ኣህጉራውን ዞባውን ዝተሓላለኸን ዝተቀላጠፈን ኩነታት ኣብ ዝኽሰተሉ ዘሎን፡ ብጻውዒት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ‘’ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ንረባረብ’’!! ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ካብ ዕለት – መጋቢት ንካልእይ ሃገራዊ ጉባኤ ጥጡሕ ፖለቲኮ ውድባዊ ባይታ ምምድማድ ዘዕላማኡ ፖለቲካዊ ስሚናር ኣሰላስለን።

ስሚናር ኣብ መጀመርታኡ፡ እቲ ብዙሓት ፖለቲካውን ማሕበራውን ባህላውን ሓይልታት ኤርትራ ዝሓቚፈ ኣብ ኣብ ሃዋሳ ዝተጋበአ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ሃገራዊ ሓድነት ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምውዳቕ ገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፣ ኣብ በባህርኡ ጽንኩር ዝኾነ መሰጋገሪ መድረኽ ምስላጥን፣ ኣብ ፖለቲኮ ሰልፋዊ ብዙሕነት ዘትከለ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፣ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ገባቲ ስርዓት ዘስዓቦም ኩሉ መዳያዊ ምዝባዓት ዝፍውስን፡ ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ሕድሕድ ምትእምማን ዳግም ዝሃንጽን፣ ሰረት ምዕሩይ ልምዓት ዘንጽፍን መደባት ክሰማማዕ ብምኽኣሉ፡ ህዝብና ውሽጣዊ ምርግጋእ ብምውሓስ፡ ኣብ ዞባዊ ሰላም እጃሙ ዘበርክትን ኣገዳሲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መኽሰባት ከም ዘመዝገበ ኣረጋግጹ።

ኣብ ጎዕዞ ፖለቲካዊ ህንጸት ሓይልታት ዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ገድላዊ ዕማማቱ ኣብ ምስላጥ ከሰናኽልዎ ዝጸነሑ ጸገማት ንምፍታሕን፡ ዕምሪ ገባቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምሕጻርን፡ መሳርዕ ሓይልታት ተቓውሞ ንምጥርናፍን፡ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግድነታዊ ተደላይነት ኣሎዎ።

ስሚናር፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ዘዳለወቶም ሰነዳት፡ ምእንቲ ምጽፋፉን፡ ምምሕያሹን፡ ከይዲ ዕዮ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንምቅልጣፍን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዳያት መረጻ ወከልትን ኣወዳድባኡን ኣመዋውላኡን ብዝምልከት፡ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝመለኦ ዕቱብ ምይይጣት ኣካይዱ።

ስሚናር፡ ብድሕሪ’ቲ፡ ኣኼባ ቢሽፍቱ (ደብረ ዘይት) ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘጋጠምዎ ዝጸነሑ ሽግራት ዕቱብ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብዚ ስሚናር’ዚ ዘይተሳተፋ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ናብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ርእይቶታተን ብምቕራብ፡ ኣብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምስታፍ ጌና ጥጡሕ ዕድል ከም ዘሎ ኣረጋግጹ።

እዘን ዓሰርተው ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ውድባት’ዚኣተን፡ ምእንቲ ተዓዋትነት ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስይዊ ለውጢ ንምርግጋጽ፡ ቃልስታተን ከጽዕቃን ጻዕርታተን ከዛይዳን ተሰማምዐን።

እዚ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ሃገርና ኣብ ዓዘቕቲ ሕንፍሽፍሽ ከይትርግረግ ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ተጋድሎ ሃገራዊ ስኒት ንምስንኻል ዝጽዕሩ ሓይልታት ምምካት ብሓደ ሽነኽ፡ ጉባኤ ንምምዋል ኣብ ርእሰ ሞርኮሳ

1

ምምርኲስ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ነቶም ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝብህግ ሰፊሕ ሓፍሽ ህዝብናን ፖለቲካውን ስቭካውን ሓይልታቱን፡ ብርግጽ ሓቀኛ መኸተ’ዩ።

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካውን ስቭካውን ሓይልታቱን፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መኽሰባት ንምሕላውን፡ ሃገራዊ ሓድነት ንምርግጋጽን፡ ኣብ ርእሰ ሞርኮሳ ብምምርኲስን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሎም ዚተቃለሱዎ፡ ሕጂ’ውን ስኖም ነኺሶም ብጽንዓት ካብ ምቅላስ ካልእ መርጫ የሎን።

ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ዘዝርከበሉ ከባቢ ብሓፈሻ፡ ኣውራ ድማ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ቅድመ ግንብር ብምስላፍ፡ ነዚ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ’ዚ ንምዕዋት፡ ፖለቲካዊ ሱታፌ ንምብርታዕን፡ ዜናውን ገንዘባውን ሓገዛት ንምብርካትን ስሚናር ጸዊዑ።

ስሚናር፡ ኣብ መደምደምታ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ስሚናር’ዚ ንምዕዋት ዘርእዮ ሓልዮትን ዘበርከቶ ደገፍን፡ ሃገራዊ ባይቶ ብዘቕመጦ ሓባሪ መንገድን፡ መሪሕነት ባይቶ ምእንቲ ናብ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ ዘርኣየቶ ትዕግስትን ልቦና ምዕባይን፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዝሳለጠቶም ስራሓትን፡ ሞጎሱ ኣቕርቡ። ከምኡ’ውን ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ፡ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ብምድጋፍን፡ ጉባኤ ሃዋሳ ብምስትንጋድን ልዑል ምስጋናኡ የቐርብ።

ስሚናር ፖለቲካዊ ውድባት ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኣዲስ ኣበባ

መጋቢት

Gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *