ሸሞንተ መጋቢት ኣብ ላስቬጋስ ብደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩንቲ ማእከል ተባዒሉ።እቲ መደብ እዛ መዓልቲ ክብርትን ረዛንን እያ፡ ኩሉ ግዜ መታን ክንዝኽራ ከመይ ኢልና ንጥርነፍ ብዝብል ዘተ እየን ጀሚረናኦ ።እንተደኣ ተጠርኒፍናን ኣብ ኽልተ ወርሒ ተኣኪብናን ሓያል ስራሕ ኽንሰርሕን ንዝመጻ ሓደስቲ ኣዋልድ ክንሕግዝን ንኸኢል ኢና ኢለን።ቀጺለን እዛ መዓልቲ እዚኣ ክብረቲ እያ። ምኽንያቱ እተን ምእንታና ኽብላ ዝተወፈያን ዝተሰወኣን የሕዋትና ንዝኽረላ። ነተን ኣብ እስርቤታት ዘለዋ የሕዋትና ድማ ካብቲ ተዳጚነናሉ ዘለዋ እስረቤታት ንኽወጻኣን ሓራ ኽኮነን እንጽወዓላ መዓልቲ እያ ኽብላ ኣስሚረን ።
ቐጺለን እተን ደቂ-ኣንስትዮ እታ ወዳ በሊዑ ዝጸግብ ዘይመሰላ ኣደ ከምቲ ኣብ ደቓ እትውፈ ኣብ ሓቅን ፍትሕን እውን ደው ብምባል ንዝተውጻዓ የሕዋታ ክትጣበቕን ንፍትሒ ደው ኣብ ምባል መስዋእቲ ኽትከፍልን ይግባኣ ኢለን። ንሰን ቐጺለን ብውሕዳትን ተባዓት ዝተጀመረ ቃልሲ ኣብ መወዳእታ ብኣሻሓት ከምዝዛዘም ወላሓንቲ ጥርጥር የብልናን ብምባል ኝሕና ዝሓለፍናዮ መከራን ሽግርን ኽንርስዕ የብልናን ከማና ደቂ-ኣንስትዮ ክነሰን ግን ከኣ ገና ኣብ መከራን ጸገም ዝርከባ ከማና ደቂ-ኣንስትዮ ከምዘለዋ ኣይንረስዕ ነተን ኣብ ፈቀዶ መዓስከራትን በረካን ኣብ ሽግር ዝወድቓ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ የሕዋትና ብዓቅምና ተካፈልቲ ጸገመን ኽንከውን ይግበኣና ብምባል ገሊጸን።
ካብኡ ቀጺለን ንግዝይኡ ዝጥርንፈአን ደቂ-ኣንስትዮ መሪጸን ንሳተን ድማ ጸጋ ሕሩይ፥ደሃብ ዓብደላ ፡ኤልሳ ገብሪሂወትን ኮይነን ምስ ተጠርነፋ ግን ከምብሓዱሽ ከምዝመራረጻን ብምግላጽ ኣብ ኽለተ ወርሒ እንደተኣከባ ከምዝዛተያን ንዝገጥምወን ብደሆታት ከምዝምኽታን ብምግላጽ እተን ሎሚ ዘይመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ክስዕባአን ተላቢየን። ካብኡ ቀጺለን ንኽብሪ ሸሞንተ መጋቢት ዝተዳለወ ኬክ ብምቑራስ ነታ ኽብርቲ መዓልቲ ዘኪረናአ ኣምስየን።
ደቂ-ኣንስትዮ ላስቬጋስ ቕድሚ ሕጂ እውን ሸሞንተ መጋቢት ዝተፈላልየኡ ደርፍቲ ብምምጻእ ብጋይላ ይበዓል ከምዝነበረን ብቡዙሓት ግን ኣብ ጾም ጋይላ ምግባር ይቓወማኦ ከምዝነበራን ሎሚ ብዘይ ጋይላ ምብዓሉ ግን ደስ ከምዝበለንን ክብርናን መሰልናን እንዝኽረላ መዓልቲ ብምስዕሳዕ ጥራይ ኣይኾናን እንዝኽራን ኢለን ብምግላጽ እቲ መደብ ብናይ ሓባር ስምምዕ ብጽቡቕ ተዛዚሙ።

Yoki Bahta