ስዉእ ኣሕመድ ኣስመራ ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

 

ካብ እግሪ ጎቦ ስራጅ ዑመር ወሰናስን ዋርዳፊሎ ዝጅምር VIA8 ብምሓዝ ቀጥ ኢልካ ንሪጋ ሶማል ሓሊፍካ ንማዲሽቶ ንምውራድ ንገዛ ቀረጽ ክትውድእ እናደለኻ ንየማን ቁሊሕ እንተልካ እንዳቦይ መሓመድ ብርሃን ካብቲ ክረኣየካ ዝኽእል ገዛውቲ`ዩ። ( ገለ ካብ ኣንበብቲ ነቲ ዝጠቀስኩዎ ቦታታት ኣበ`ዩ? ክብሉ ስለ ዝኽእሉ መልሱ ኣኽርያ`ዩ ዝብል ኮይኑ ንዝያዳ ሓበሬታ ኸኣ ፡- ኣኽርያ – ላዕላይ፡ ታሕታይ፡ ገዛ ቀረጽ፡ ሪጋ ሶማል፡ ዋርዳፊሎ፡ ኣጓዱ፡ ማይ ኣንበሳ፡ ማድሽቶ ዝብል ቦታታት ዘጠቃለለት`ያ ። ገዛ ታኒካን ገዛ ጣልን ምስ ኣኽርያ ድየን ኣይኮናን ርግጸኛ ኣይኮንኩን ) ጠቅላሊት መሪሕነት ተሓኤ ኣብ 1970 ንናይ ፊዳእን ስራሓት ስሪዒታ`ውን ፖለቲካ`ውን ዘጠቃለለ ኮይኑ ዝያዳ ስርዑን ዕዉትን ንምግባሩ ብዝወሰደቶ ውሳኔ መሰረት ሓላፊ ወታሃደራዊ ስሪሒት ከተማ ኣስመራ ኮይኑ ዝተመደበ ኣሕመድ ቅድሚ ንበረኻ ምውጽኡ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ (ፒያሳ ቶሪኖ) ኣብ ትካል ናይ ኣብኡ ዝሰርሕ ዝነበረ ፍሉጥ መንእሰይ ክነሱ ጸጥታ ኢትዮጵያን ሰለይታን ኣለልዮም ንምሓዙ ተሸጊሮም`ዮም። ከም ዋጋ ናይዚ ኸኣ ኣቦይ መሓመድ ብርሃን ኣብ ትሕቲ ዓይኒ ስለያ ይነብሩ ምንባሮም ከይኣክል ክሳብ እንዳ ፖሊስ እናኸዱ ምህላዎም ንመንግስቲ ከፍልጡ ዝተገደድሉ ግዜ ነይሩ`ዩ። በዓል ኣሕመድ ንሜዳ ዝወጽሉ ዘመን እዝንኻ ኣየርከብካያን ተባሂልና ምዝገባ ትምህርቲ ዝንፈገና ዝነበረ ዕድመ`ዃ እንተኾነ፤ ነቲ ኣብ መፋርቅ 60ታት ኣቢሉ ንኣኽርያ ዝተገብረላ ፍተሻ ስለ ምንታይ ምዃኑ፤ እቲ ዓበይቲ “ኣሕዋትና” ……. እናበሉ ዘዕልልዎ ኣሕዋትና ክብሉ እንከለዉ ተጋደልቲ ማለቶም ምዃኑ ዳርጋ ንርዳእ ኔርና። ኣብቲ ዕድመ`ቲ ነቲ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ኣኽርያ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣሳሰረ ዛንታታት ንበጽሖ ኔርና ምባል ኣይከኣልን ግና ክሳብ`ቲ መፈለምታ 70ታት ዝነበረ እዋን በዓል ኣሕመድ መ/ብርሃን፡ ስዒድ በሺር ብምኽንያት ምቅራብ ቦታን ምትእትታውን በቲ ዝዝንተወሎም ዝነበረ ዛንታ ኣቢሎም ዓስኪሮሙና`ዮም። እዚ ንሰላይን ዘይሰላይን ቃልዕ ኣብ ዝኾነ ክፋል ኣስመራ ክነብርን ክሰርሕን ጸኒሑ ንበረኻ ዝወጸ ጎበዝ ተመሊሱ ኣብ ማእከል ኣስመራ ክጋደል እንኮሎ ብስለላ ክህደን ዘይምኽኣሉ ኣዚዩ ጥንቁቅ ኔሩ ማለት`ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ዝደፍእ`ዩ ዝመስል፤ ግና ኣብኡ ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ከም ዝበጸሖም፡ ምስ ሞቱ ኸኣ ኣብ ቀብሮም ኣብ መቃብር ሸኽ ኣልኣሚን ከም ዝተራእየ ምስ ፈለጥካ ካልእ ምኽንያት ሃሰው ክትብል ትግደድ። ኣሕመድ ካብቶም ንኻሊእ ዝርእዩ ካለኦት ግና ዘይርእይዎም ዓይነት ፍጥረት`ዩ ኔሩ ማለት ኣይኮነን፤ ግና እቲ ከባቢኡ ብዓይኑ እምበር ብዓይኒ ጸላኢ ንኸይረኤ ዝገብር ከባቢ ምንባሩ`ዩ ዘመስክር። ዝኽርን ክብርን ንኹሎም ምእንቲ ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝተሰዉኡ ጀጋኑ፤ ጻማን ሓበንን ኸኣ ነቶም ወሊዶም ዝሃቡ ወለዲ፤ ነተን ዘኽታማት ዘዕበያን ዘኽቲሞም ዝዓበዩን። AA$%&'()*+,-./0/.0./*1

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *