
ካብ ሰኒ ዕለት 18/01/2016 ጀሚሩ ልኡኻት ሓለፍቲ መድረኽ ዝኾኑ ዶ/ር ኣስፋው ተኸስተ ፡ ኣምባሰደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስን ኣቶ ሙሕየዲን ሸንገብን ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት እታ ሃገር ከምዝተራኸቡን ከምኡ’ዉን ብረቡዕ ምስ ኣባላት ኪዳን ማለት’ዉን ምስ ጀብሃ፡ ፌደራሊያ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ፡ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር፡ ናህዳ፡ ብዶ/ር ሃብተ ዝምራሕ ድሕነትን ዝመሳሰሉ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኪዳን ተራኺቦም ኣኼባ ከምዘካየዱ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮምና’ዮም።
ኣብ ነፍስወከፍ ዝገበርዎ ርክብ’ዉን ዝተፈላለየ ኣጀንዳታት ኣልዒሎም ዘትዮም ኣለዉ። ትሕዝቶ እቲ ኣጀንድኦም ብዛዕባ ቀጻሊ ነቲ ስርዓት ምውጋድን ድሕሪ ውድቀት እቲ ስርዓት ዘሎ ኩነታትን፡
ንቀጻሊ ምስ ኢትዮጵያ ዝህሉን ዝገበርዎን ርክባት ዝርርብ ከምዝወድኡ ይሕብር።
ካብዚ ኣጀንዳ ብምብጋስ ድማ ብኣባላት ኪዳን ዝኾኑ ጀብሃ፡ ብህዝባዊ ጉባኤ፡ ናህዳ ቀይሕ ባሕሪ ዓፋርን ዝተፈላለዩ ኣካላትን ብዙሓት ሕቶታት ዘቕረቡ ኮይኖም ገለ ካብቶም ሕቶታት ድማ
- ብዛዕባ ህግደፍ ኣፍሪስካ ህግደፍ ምትካእ ዝመጽእ ለውጢ እንታይ’ዩ? እዚ ምንቅስቓስኩም ለውጢ ንምምጻእ ድዩ ወይስ ብካልእ ሓድሽ ህግደፍ ምትካእ’ዩ? ኣብ ኤርትራ ዝህሉ ለውጢ እንታይ’ዩ?
- ንኩለንተናዊ ብዙሕነት 9ተ ብሄራት ኤርትራ ማለት’ዉን ቋንቋ፡ ባህሊ፡ ሃይማኖት፡…. ወዘተ ዘማእከለ ሕቶ ከመይ ኢኹም ትምልስዎ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ቀሪብሎም ክምልሱ ከለዉ “ንቀጻሊ ክንርእዮን ክንምልሶን ኢና ብምባል ጎስዮም ከምዝሓለፉ’ዩ እቲ ሓበሬታ ምንጭታትና ዝጠቅስ።
ዶ/ር ተኸስተ ኣብ መወዳእታ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ ተራኺቡ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን እቶም መራሕቲ ካብ ዝገመቶ ንላዕሊ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ’ሞ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ኣድናቖቱ ልዑል ከምዝኾነ ክገልጽ ክኢሉ’ሎ።
እዚ ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ኢትዮጵያ ካብቲ ቅድም ኢሉ ዝፈልጣ ዝተፈለየት ሃገር ኮይና ከም ዝረኸባን ብመዳይ ኮንስትራክሽንን ልምዓታዊ ንጥፈታትን ኣዝዩ ኣድናቆት ከም ዘሕደረሉን ኩለንተናዊ ለውጢ ናይ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ተምሳሌት ከም ዝኾነትን ኣብሪሁ’ዩ።
እዞም ልኡኻት ነተን ኣብ ኢትዮጵያ ዋዕላ ኣካይደን ዝነበራ 6 ፖለቲካዊ ውድባት ረኺቦም ከዘራርብዎም ኣብ ዝፈተኑ እዋን’ዉን እተን ውድባት ካልእ ስራሕ ስለዝነበረን እዋኑ ክጠዓዓመሎም ብዘይምኽኣሉ ንቀጻሊ ግዜ ክራኸቡ ሓሳብ ከም ዘቕረቡ’ዩ ዝገልጽ እቲ ዝርዝር ሓበሬታ ምንጭታትና።
ከምዝዝከር መድረኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ዝግበር ርክብ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ኣየምጽእን’ዩ ኣብኡ ኣይንእከብን፡ ዋዕላና ኣብ ናይሮብን ጀርመንን ኢና ክንገብር ዘለና ብማለት ኣኼባታቶም ኣካይዶም ኔሮም’ዮም።
ሎሚ ድኣ እንታይ ስለዝተረኽበ’ዩ ዋዕላ ናይሮብን ጀርመንን ኣብ ኢትዮጵያ ክኸውን ተደልዩ? መልሱ ንተዓዘብቲ ገዲፍናዮ ኣለና።
“ተጽግበካ ቅጫስ ኣብ ሞቕልኣ ከላ ትፍልጥ” ከምዝበሃል ምስላ ወለድና ግን ቀደሙ’ዉን ንሕና ኢልና ኔርና ኢና።
መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ሉኣላውነት ኤርትራ ዘለዎም መትከል ጽኑዕ ምዃኑን ንቃልስታትና ደራኺ ቦታ ከምዝኾነን ኣስሚርናሉ ኔርና። ብግምት ዘይኮነስ ኣብ ባይታ ካብ ዘሎ ህሉዉ ኩነታት ብምብጋስ’ዩ። ሕጂ’ዉን ደጊምና ክንብሎ ንደሊ። ብግልጺ ምብርሁ ይጠቅም’ምበር ኣይጎድእን።
ቀደም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህወሓት /ኢህወደግ ንናጽነት ኤርትራ ብሙሉእ ልቢ ተቐቢሉ ዝተንቀሳቐሰ ውድብ ምንባሩ ታሪኽ ዝሰነዶ ሓቂ’ዩ።
በዚ ጥራሕ ግን ኣየብቀዐን ድሕሪ ውድቀት ደርጊ’ዉን እንተኾነ መትከል ናይ ኢትዮጵያ ኣይተመዛበለን። ናጽነት ኤርትራ ጋህዲ ክኸውን ርኡይ ግደ ተጻዊቱ። እዚ’ዉን ታሪኽ ሰኒድዎ ንረኽቦ።
ድሕሪ ግዜ ከኣ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓርፊፉ ናብ ጎንጺ ምስ ተሰጋገረ ብዙሕ ክሳራታት’ኳ እንተበጽሐ ሕጂ’ዉን መንግስቲ ኢትዮጵያ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእቱ ኣይፈቐደን ህዝብን መንግስትን ፈልዩ’ዩ ነገራት ብህድኣት ክኣሊ ዝፈተነ መንግስቲ’ዩ።
ብወይጦታት ህግደፍን ኢትዮጵያ ኣውራ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነት ዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳ ድማ ንለውጥና ዘይኮነስ ንጥፍኣትና ዝቐሰበ መገዲ’ዩ ኮይኑ።
መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘለዎም መትከል ኣብዚ ክፍእ እዋን’ዉን ተኾነ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ኢሳይያስ ናብ ሲኦል ኣብ ዝተለወጠትሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ከለዉ ሕውንታዊ መትከሉ ዘይለቐቐ ዑቕባ ክረኽቡ፡ ናብ ዩኒቨርስቲታትን ኮሌጄታን ክመሃሩ ዝተፈላለዩ ሞያ ሒዞም ስራሕ ክሰርሑ ዝገበርዎ ሰናይ ተግባር ታሪኽ ሰኒድዎ ጥራሕ ዘይኮነስ መስኪርዎ ንረኽቦ።
ኣብ ጎንጺ ዝርከባ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ምሕብሓብ ምግባር ከኣ ኣብ ካልኦት ዘይተርኣየ ታሪኽ ኣሕዋት ከምዝኸውን ክንክሕዶ ዘኽእለና ክውንነት የለን። ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተኾይንና እዚ ኢና ክንብል ዝግባእ። ካብዚን ከምዝን ዝኣመሰለ መትከል መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ምስ ረኣና ኢና ድማ ንሕና ኣብ ኢትዮጵያ ኮይንካ ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ የዋጽእ’ዩ ዝበልናዮ።
ኣብ ኤርትራ ለውጢ ዝመጽእ ብኤርትራውያንን ኤርትራውያንን ጥራሕ’ዩ ኢሉ ዝኣምን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ህግደፍ ዘላ ኤርትራ ርህውቲ፡ ብልጽግቲ፡ ሰለማዊትን ዲሞክራሲያዊትን ኮይና ክርኢ ከም ዝደሊ ደጋጊሙ ንሓንቲ ካልኦት መትከሉ ከይቀየረ ኣረጋጊጽዎ’ዩ። ምስ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ምሕዝነትካ ምድልዳል ድማ ለባምነት’ዩ። መራሕቲ መድረኽ ድማ እቲ ነገር ከይረኣዩ ወይጦታት ህግደፍ ዝነዝሕዎ ዘይመትከላዊ ፕሮፖጋንዳ ምዕዛቦም ኣንፈት ስሒቱ’ኳ እንተነበረ ሕጂ ግን ብድፍረት ንቕድሚት ዝመጹ ይመስሉ። ወሲዶምዎ ዘለዉ መርገጽ ካብ ልቢ ኾይኑ ኣብ ትክክለኛ መገዲ ስለዝኾነ ምቕባሉ ጽቡቕ’ዩ። ካብ ውሽጢ ዝነቐለ እንተዘይኮይኑ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ነገር ዘይብሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕሰምን መከራን ህዝቢ ኤርትራ ዘጋድድ ምዃኑ’ዉን ምስትውዓል ይሓትት።