
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮምሽን ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ካልኣይን ኣገዳስን ጸብጻባ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ 2016፡ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከተቕርብ ስለ ዝኾነት፡ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበዮ ዘሎ መስርሕ’ዩ።
ኣብዚ ካልኣይ ጸብጻባ፡ እታ መርማሪት ኮምሽን፡ ንገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት (crimes against humanity) ብዝምልከት ንጹርን ዘየሻሙን መደምደምታ ክትህብ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ተኣዚዛ ኣላ። እዚ ማለት ድማ፡ ስዒቡ ክመጽእ ንዝግብኦ፡ ጭቡጥ ገበናዊ ተሓታትነት ዘቀላጥፍ ሕጋዊ መንጸፍ ክትምድምድ’ያ ማለት’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ህግደፍ ውን ከይተረፈ ብዕቱብ ተገንዚብዎ ዘሎ ጉዳይ’ዩ። እዚ ዝዝረበሉ ዘሎ፡ ንገበናዊ ተሓታትነት ዝምልከት ጭቡጥ ሕጋዊ መንጸፍ፡ ክሳብ ናብቲ ኣብ ከተማ ዘ ሄግ (ሆላንድ) ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ዘለዎ መስርሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ክብደት ናይዚ ጉዳይ’ዚ፡ ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ ድሮ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ገጽ 5 ናይ ቀዳማይ ጸብጻብ ናይ መርማሪት ኮምሽን ተሰኒዱ ከም ዘሎ፡ እቶም ብዝለዓለ ገበናዊ ሓላፍነት ክሕተቱ ዝኽእሉ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሮ ኣብቲ ሰነድ ተገሊጾም ኣለዉ። እዚኣቶም ድማ፡ ካብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ጀሚርካ፡ ክሳብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ወይ ድማ ሚኒስተራት ሚኒስትሪ ምክልኻል፣ ሚኒስትሪ ፍትሒ፣ ሚኒስትሪ ዜና፣ ከምኡ ውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ፣ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህግደፍን ዝርከብዎም ምዃኖም ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ብሕጋዊ ኣዘራርባ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንህግደፍ ኣዝዩ ንጹር’ዩ። ጽባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝግበር ሕጋዊ ምጽብጻብ፡ እቶም ብቐዳምነት ኣብቲ መስርሕ ምጽብጻብ ዝጽውዑ ሰባት እቶም ስሞም ወይ መዝነቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ እዮም። እዚ ድማ እንታይ ማለት ምዃኑ፡ ይትረፍ ንዓኣቶም ንተራ ሰብ ውን ዝኽወሎ ኣይኮነን።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብዘን ተሪፈን ዘለዋ ናይ 6 ኣዋርሕ ግዜ፡ እታ መርማሪት ኮምሽን ክተቕርቦ ንእትኽእል ካልኣይን ኣዝዩ ወሳንን ጸብጻብ ንምብርዓን፡ መራሕቲ ህግደፍ ዘሎ ዘበለ ዓቕሞም ኣወሃሂዶም ክነጥፉ ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ ንምትግባር ድማ፡ ዝተፈላለየ ዝምላእ ቅጥዕታት ኣዳልዮም፡ ያኢ እቲ ኣቐዲሙ ዝቐረበ ቀዳማይ ጸብጻብ ናይታ መርማሪት ኮምሽን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑስ፡ ንዕኡ ንምምካት፡ ስኑዕ ቃለ-ምስክርነታት ካብ ደገፍቶም ክኣኻኽቡ ይሸበሸቡ ኣለዉ።
ኩሉ ሰብ ከስተብህለሉ ዝግብኦ ጉዳይ እንተሎ ግን፡ ቀዳማይ ኣብቲ ዝቐደመ ጸብጻብ ናይታ መርማሪት ኮምሽን ተገሊጹ ዘሎ ዝርዝራት ሓሶት ዘይምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከምዚ ህግደፍ ኣሊሞሞ ዘለዉ ሸርሒ ምስታፍ ንባዕሉ ከቢድ ሕጋዊ ሳዕቤናት ዘኸትል ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ህግደፍ ኣዳልዮሞ ዘለዉ ዝምላእ ቅጥዕታት፡ ሰባት ኣብ ኤርትራ ግፍዕን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን የለን ኢሎም ብሓሶት ክምስክሩ ጥራይ ዘይኮኑ ዝሕተቱ ዘለዉ፡ ብቐንዱ ውን ካብ ሃገር ክወጹ ዝገደዶም ምኽንያት ቁጠባዊ ጸገማት ጥራይ ደኣ እምበር ናይ መሰል ሕቶ ከም ዘይኮነ ክሕስዉ ይሕተቱ ኣለዉ። ከምዚ ዓይነት ቃለ-ምስክርነት ምሃብ፡ ንሓደስቲ ሓተትቲ ዑቕባ ብፍላይ ከቢድ ሕጋዊ ኣመታት ዘለዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሕጂ ዑቕባ ንዝሓቱ ኤርትራውያን ውን ብመጻኢ ዕድሎም ምጥላዕ ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ግን፡ ብወጽዓ ናይቶም ብዝተፈላለየ ኣገባባት ብስርዓት ህግደፍ ናይ ዝተበደሉ ግዳያትን ብመጻኢ ናይታ ሃገርን ህዝብን ምሽክዕላል ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ብጉዳይ ሃገሩን ብጉዳይ ፍትሕን ዝሓምም ኤርትራዊ ብንቕሓት ክከታተሎ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ። እቲ ክግበር ዝግብኦ ነገር፡ ነቲ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ፡ ሃገርን ህዝብን ዘባድም ዘሎ እኩይ በደላት ብትብዓት ምቅላዕ ምዃኑ ድማ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ክግንዘቦ ይግባእ።
ናይ ኤርትራዉያን ሓባራዊት ሓይሊ ዕማም ንመርማሪት ኮምሽን
6 ጥሪ 2016
Eritrean Solidarity Movement for National Salvation
Eritrean Youth Solidarity for Change – North America
Eritrean Law Society
Freedom Friday Project (Arbi Harnet)
Stop Slavery in Eritrea Campaign