ስርዓት ህግደፍ ካብ ወሪድዎ ዘሎ ተነጽሎን ዘንጸላልዎ ዘሎ ስዕረትን ትንፋስ ሰዂዑ ክበራበር፡ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ መነሃርያ ናይ ዝተፈላለዩ ግዳማውያን ሓይልታት ክኸውን ብስውር ኣብ ርእሲ ምስምማዑን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን፡ ነቶም ኣገዲዱ ዘዐስከሮምን ብጊላነት ዘስረሖም ዝነበረን ዜጋታት፡ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንባረይ ዝኾነ ቅሬታ የብለይን፡ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ በደል ድማ የለን ኢልኩም ፈርሙ ኢሉ ዝገበሮ ዘሎ ጎስጓስ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያት ድማ ብፍላይ ዘለዎ ሕሉፍ ንዕቀት ዘርኢ ምዃኑን ተሓቢሩ።
እዚ ገልበጥበጥ ዝመለለይኡ መንግስታዊ ጉጅለ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ባይቶ ጸጥታ ዘሕለፎ እገዳ ኣፍሽልናዮ ኢና ኢሉ ክጀሃር’ኳ እንተተሰመዐ፡ ብኣንጻሩ እገዳ ክለዓለሉ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝተመዘ መርማሪ ኮሚሽን ዘቕረበሉ ክሲ ክፋኾሰሉ ዝኽእል ሜላታት ሃሰው ኣብ ምባል ከም ዝርከብ ዝተዓዘቡ ወገናት፡ ሎሚ ብልኡኻት ህግደፍ ዝደናገር ኤርትራዊ ስደተኛ እንተተረኸቢሩ፡ ባርነትን ጎይቶት ባርነትን ዝናፍቕ’ዩ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ወሲኾም ከም ዘዘኻኸርዎ፡ መንግስታዊ ጉጅለ ኣብ መጋበርያታቱ ኣውሪድዎ ዘሎ መምርሕን ዘርጊሕዎ ዘሎ ዝምላእ ፎርምታትን፡ ብጸቢብ ሃገራዊ ስምዒት፡ ገንዘባውን ነገራውን መጠበርን ምፍርራሕን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣይተበደልናን ዝብል ክታሞም ዘንበርሉ ደብዳቤ ሒዙ ተማጒቱ ክረትዕ ሓሲቡ ኣንጻር መርማሪ ኮሚሽን ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ ዜጋታት ከይደናገሩ፡ እንተተደናጊሮም ድማ ስዒቡ ዝመጽእ መዘዝ ከቢድ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ ኢሎም።
ባጤራ ናቕፋ ዝቕየረሉ ግዜ ካብ 18 ሕዳር ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ምዃኑ’ኳ እንተተሓበረ፡
ብዝተፈላለዩ ዕንቅፋት በቲ ዝተሓስበሉ ከምዘይተዓወተ ረድዮ ኤረና ኣብ ዘቃለሓቶ ዜና ሓቢራ።
ብመሰረት’ቲ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ ኣረጊት ባጤራ ናቕፋ ካብ 18 ሕዳር 2015 ክሳብ 30 ታሕሳስ 2015 ኣብ ዘሎ ግዝያት ብሓድሽ ባጤራ ክትካእ ከም ዝነበሮ፡ እንተኾነ ግዳ እቲ መስርሕ ምቕያር እቲ መንግስቲ ባዕሉ ኣብ ዜጋታት ብዝፈጠሮ ድንግርግር ዝተፈላለዩ ውልቀ ዜጋታትን ወነንቲ ትካላትን ዝነበሮም ገንዘብ ዛጊት ኣይቀይሩን ክትብል ኣረዲኣ። በዚ መሰረት እቲ ናይ ምቕያር መስርሕ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ ብውሽጢ ውሽጢ ክቕጽል ምዃኑ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም ክትብል’ውን ወሲኻ ሓቢራ።
ስርዓት ህግደፍ ባጤራ ናቕፋ ዝቐየረሉ ምኽንያት ብሩህ ከምዘይኮነ፡ እኹል ኣገንዝቦ ዘይረኸቡ ዜጋታት ድማ ኣብ ድንግርግር ከም ዝኣተውን ገንዘቦም ኣብ ክንዲ ናብ ባንኪ ናብ ንብረት ዝቐየርሉ ኣጋጣሚታት ብሰፊሑ ከዛርብ ምጽንሑን ዝፍለጥ’ዩ።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 01-01-2016