ብመርበብ ሓበሬታ ዊኪሊኪስ ዝተቓልዐ ሰነዳት ከምዘለዎ! ካብ ዓረብኛ ዝተተርጎመ..  Breaking News Add comments Jul032015

ካብ ንጉሳዊ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ
ኣስመራ
ናብ ክቡር ዶክተር ነዛር ብን ዑቤድ መደኒ
ኣብ ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስተር ስቴት
ሰላምታ!

Abdalla Jabir

ምስ ኣቶ ዓብደላ ጃብር ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ህዝባዊ ግንባር (ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ) ተራኺበ ነዚ ዝስዕብ ከምዝነገረኒ ክሕብረኩም እፈቱ።

1. ነቶም ዝሃደሙ ኣብረርቲ ነፈርቲ ምሉእን ደቂቕን መርመራ ክካየደሎም ኣለዎ። ንሳቶም፡ ነታ ወተሃደራዊ ናውቲ ክትጽዕን እትኽእልን እንኮ ራዳር ዘለዋን ናይ ቅድመ-ስለያ ነፋሪት ዘብርሩ ብምዃኖም፡ ብጉዳይ ምትሕልላፍ ኣጽዋር ናብ ሶማላዊ ምንቅስቓስ ኣልሸባብ ኣገዳሲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ’ቲ – እንተላይ ናብ ሑቲዪን ኣጽዋር ዝሰጋገረሉ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምሉእ ኣፍልጦ ኣለዎም።

ንፕረዚደንት ዘስግእ፡ እዚ ሓበሬታ’ዚ ናብ ኤርትራ እገዳ ዘስዕብ ስለዝኾነ፡ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይልሕዂ’ዩ። ኤርትራ ናብ ሶማል ኣጽዋር ከምዘየሰጋገረትን ንኣ’ሸባብ ኣብ ምስልጣን ኢድ ከምዘይብላን ኣቐዲማ ብትሪ ነጺጋቶ’ያ።

2. ምርጫታት ኣመሪካ ንሚዛን ሓይሊ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብ ምዕባይ ዝህልዎ ተራን ተቓውሞ ደሞክራትን ደገፍ ሪፓብሊካንን ብዘየገድስ፡ እስራኤል ንኤርትራ በቲ ኣብ ደቡብን ማእከልን ቀይሕ-ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት በዓልቲ ኪዳና ክትከውን ምእንቲ ንምሕቋፋ ትፍንትን ኣላ። ብፍላይ’ኳ ድሕሪ ‘ሰውራ ጽድያ ዓረብ’ን (ኣልረቢዕ ኣልዓረቢ)፡ ምድያብ እስላማውያን ሓይልታት ኣብ ስልጣንን ኣብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ሰውራን። እንተኾነ ግን፡ እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ነዚ ይቃወሞ’ዩ። ይኹን እምበር፡ ሪፓብሊካን ኣብ ምርጫ እንተተዓዊቶም ምናልባት ኲነታት ክቕየር ይኽእል’ዩ።

3. ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ መጸዋዕታታትን ድሌታትን እስራኤል ንምኽባር ከምኡ’ውን ንሃይማኖት ምስልምናን እስላምን ዘለዎ ጽልኢ፡ ኤርትራ ኣብ ማሕበር ሃገራት ዓረብን ውድብ ምትሕግጋዝ እስላምን ንኸይትኣቱ ከምዝኸልከለ ኣመልኪቱ፡ ምስ ኣምባሳደር ሱዛን ራይስ ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ድማ፡ “ግብረ-ሽበራ ክተጥፍኡ እንተ ደሊኹም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ቁርኣን ዝምህር ‘ኸልዋታት’ ከምዝዕጾ ክትገብሩ ኣለኩም” ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ስልጣን ካብ ዝተረከበሉ ዕለት ጀሚሩ፡ ንእስራኤል ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ነቒፍዋ ወይ ዓገብ ኢልዋ ኣይፈልጥን። እዚ ድማ ንዘለዎ ኪዳን ዘነጽር’ዩ – ዋላ’ኳ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝምድናኦም ገለ ዝሕታለታት እንተርኣየ።

4. በዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምኽንያት ከኣ፡ እስራኤል ኣብ ጐድና ክትሓቚፋ እተካይዶ ጻዕሪ ምስ ዝዕወት፡ ኩነታት ኣመንቲ ምስልምና ኣብ ኤርትራ እናበኣሰ ክኸይድ’ዩ።

5. ኣቶ ዓብደላ ጃብር፡ ካብ ኣመሪካን ገለ ኤምባሲታት ሃገራት ምዕራብን ክረኽብዎ ወይ ዕድመኦም ንምቕባል ብዙሕን ቀጻሊን ጻውዒት’ኳ እንተቐረበ፡ ንጥንታዊ ታሪኻዊ፡ ጂኦግራፊያዊ፡ ባህላዊ፡ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ምትእስሳር ክልቲኡ ህዝብታት፡ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ እታ ዝበለጸት ምርጫ ምዃና ስለዝኣመነ ከምዝነጸጎ ሓቢሩ።

6. ፕረዚደንት ኢሳይያስን ገለ ኣባላት መንግስቲን ብምስጢርን ንህዝቢ ብዘይእዉጅን ኣገባብ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ባይቶ ክምለስ፡ ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ደው ክብል፡ ምምሓው ብልሽውናን ምጅማር ናይ ምእራም ስጉምቲን ዝጠልብ ሕቶታትን ምፍርራሕን ከም ዝበጽሖም ኣቶ ዓብደላ ጃብር ሓቢሩኒ። እዚ ሕቶታትን ምፍርራሕን’ዚ ድማ፡ ሓያልን ካብ ወተሃደራውያንን ሲቪልን መራሕቲ ዝመጽእ ዘሎን ምዃኑ ንሱ ከምዝፈልጥን ከኣ ኣረጋጊጹለይ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ቊ. ቴለግራም – 7000873872

ናብ ንጉስ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን

ካብ ኤምባሲና ኣብ ኣስመራ ዝመጸኒ ሓበሬታ ከመሓላልፈልኩም ከለኹ ክብሪ ይስመዓኒ። ካብ ደንካልያ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ተደጋጋሚ ሓበሬታ ካብ ምንጪታቱ ከምዝበጽሖ ገሊጹ’ሎ። ኣብ መዓስከር ኪሎማ – ደቡብ ካብ ወደብ ዓሰብ – ጥቓ ዶብ ጁቡቲ 300 ዝኾኑ ዕጡቓት ናይ ውድብ ኣ’ሸባብ ኣልመጃህዲን ናይ ሶማል ኣትዮም ኣለዉ። ኣብ መዓስከር ኪሎማ – ሩባ በይሉል ወተሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ ከኣ፡

እቲ ምንጪ ኣረጋጊጹ። ካበይ ከምዝመጹ ርጉጽነት ከምዘይብሉ እቲ ኤምባሲ’ኳ እንተጠቐሰ፡ ካብ የመን ምዃኖም ግን ገለ መረጋገጺ ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2012 ገለ ውሑዳት ብንኣሽቱ ጀላቡ (ሰናቡክ) ገይሮም ናብ የመን መጺኦም ነይሮም።

ዕድሜኹም የንውሓዮ።

ስዑድ ኣልፈይሰል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

24/4

ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

መዝገብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ

ቊ.ተሌግራም – 7000873872

ክቡር ሓላፊ ንጉሳዊ ቤት-ጽሕፈትን ፍሉይ ጸሓፊ ንጉስ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2012 ዘይእዉጅ ኣዝዩ ሓጺር ምስጢራዊ ምብጻሕ ናብ እስራኤል ከምዘካየደ፡ ካብ ኤምባሲ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ኣስመራ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ። ኣብ ካልኣይ ሰሙን ወርሒ ታሕሳስ ድማ፡ ብኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ተልኣቪቭ ዝተሰነየ ልኡኽ እስራኤል ናብ ኣስመራ መጺኡ። እቲ ኣምባሳደር ክልተ መዓልቲ ጸኒሑ ናብ እስራኤል ተመሊሱ። ልኡኽ እስራኤል ግን ሓጺር ንዘይኮነ እዋን ኣብ ኣስመራ ጸኒሑ። ብመሰረት’ቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብ ምጽዋዕን ደሴት ዳህላክን በጺሑ። ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሃገሩ ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ኩነታትን ንምዕጣቕ መላእ ህዝቢ ምስ ዝቃወሙ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሰፊሕ ፍልልያት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ ኩሉ ካብ ኣርብዓ ዓመት ንታሕቲ ዝዕድመኡ ብምዕጣቕ ‘ህዝባዊ ሰራዊት’ ንምቛም ድሌት ኣለዎ። ምቅርራባቱ ምስ እስራኤል ድማ ክቕጽሎን ንእስራኤል ወተሃደራውን ስለያውን ህላወኣ ንኸተረጋግጽ ከፍቅደላን’ዩ። እዚ ከኣ፡ ከምቲ እስራኤል እትብሎ፡ ነተን ኣብ ወደባት ስዑዲ- ዓረብ እናዕረፋ ኣጽዋር ናብ ቓዛ (ምንቅስቓስ ሓማስ) ዝልእኻ መራኽብ ባሕሪ ኢራን ንምቊጽጻር ዝዓለመ’ዩ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ሒዝዎ ዘሎ መገዲ እምበኣር፡ ካብ’ዚ ዝስዕብ ምኽንያታት’ዩ ዝብገስ፦

ዝምድናኡ ምስ ኣመሪካ ንምምሕያሽ እስራኤል ከም መንጐኛ ኰይና ጻዕሪታት ንኸተካይድ ንምሕታት፣ ደገፍቱ እናወሓዱ ብምምጽኦም፡ ቀንዲ ዝኣምኖም ዝነበረ ድማ ናብ ወጻኢ ብምህዳሞም፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘኽእሎ ሎጀስቲካዊ ሓገዛት ንምርካብ፡ ብመንገዲ እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ፍልልያት ንምፍታሕ’ውን ፕረዚደንት ኤርትራ ጸገም ከምዘይብሉ ገሊጹ።

ንክብርኹም ሰላምታ እናቕረብኩ ሰናይ ንባብ!

ስዑድ ኣልፈይሰል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ

20/02

መብርሂታት

• ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ዳይረክተር መራኸቢታትን ኣሰይድ ዓብደላ ረጅዓን ኣልምጠይሪን ፍልልያት ተኸሲቱ። ብመሰረት መግለጺ ኣሰይድ ዓብደላ ረጅዓን፡ ጠንቂ ናይ’ቲ ፍልልይ ምስኡ ክተሓባበር ብምንጻጉ ምዃኑ የረድእ። ካልኣይ ጠንቂ ድማ ምስ ወይዘሮ ኣሪና ዶሚያ ክቀራረብን ምስኣ ምሕዝነታዊ ዝምድና ንምፍጣርን ምድላዩ ከምዝኾነ ገሊጹ። ብሰንኪ’ዚ ከኣ፡ ኣሰይድ ዓብደላ ረጅዓን ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝተጠቕሰ ግዜ ካብ’ታ ጉጅለ ተፈልዩ። ኣብ እዋን’ቲ ፍልልይ ተረኺቡ ዝነበረ ኣሰይድ ጀመል ኣልቓሕጣኒ’ውን ካብ’ታ ጉጅለ ርሒቑ።

• በዚ ከኣ፡ ብጉዳይ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈትን ኣምባሳደርን ምውህሃድን ምትሕግጋዝን ከምዘየለ ይበርህ።

• ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት መራኸቢታት ካብ ውሽጢ ኤምባሲ ሓበሬታ ምእንቲ ክህብዎ ምስ ሰራሕተኛታት ዝገብሮ ምውሳእ ኣብ ምፍርራሕን ህያባትን ዝተመርኰሰ’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *