ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፉ ንመራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዕድመ የቕርብ Radio Erena: 29 April 2016

  ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ መበል 25 ዓመት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ንኽሳተፉ ንሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ዓረብ ዕድመ ከምዘቕረበ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ዜና ንሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። እቲ ፕረዚደንት ናብ መራሕቲ ስዑዲ ዓረብ፣ ቐጠር፣ ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ሱዳንን ካልኦትን ዕድመ ከምዘቕረበ ዘረጋጋጹ እቶም ምንጭታት፣ ካብቶም መራሕቲ ዝተዋህበ መልሲ ግና ዛጊት ከምዘይተፈልጠ ኣይረዲኦም።   መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ […]

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስ ኩሉ ዘጋጥሞ ዘሎ ዕንቅፋታት ኣድላይነቱ ህያው ጻዕርታቱ ከኣ ቀጻሊ ምዃኑ ተገሊጹ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ከም ብዙሓት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ውድባትን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ዘቖምዎ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር መጠን፡ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥምዎ ዘለው ዕንቅፋታት ብቃልሲ ንምስጋር ዝግበር ጻዕሪ ቀጻሊ’ዩ ክብሉ፡ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝኾኑ 15 ፖለቲካዊ ውድባት፡ ነቲ ብ19 ሚያዝያ 2016 ብ6 ውድባት ዝተዘርገሐ ዘይሃናጺ ዝበልዎ ጽሑፍ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኣረጋጊጾም። […]

ዕዉት ወተሃደራዊ ስርሒት ኣሃዱታት፡ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ደ.ግ.ሓ.ኤ

  ትማሊ 25 ሚያዝያ 2016 ናይ ፕሮፖጋንዳን ምልዕዓልን ጀጋኑ ኣሃዱታት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደግሓኤ/ ኣብ ልዕሊ ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ በርቃዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው ዕዉት ወታሃደራዊ ስርሒት ኣካይዶም። እዚ ኣብ ከባቢ መስሓል ኣኽራን ኣብ ሞንጎ ዓዲ ሽሁን እንጎበይቶን ፍሉይ ስሙ ማይ በለሳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ናይ ጸላኢ ናይ ስለያ ኣሃዱ ተሃንዲዱ ንሃዱታትና ከትቅዕ ኣብ […]

ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ምስ ወከልቲ ደምበ ተቓውሞን መንግስቲ ኤርትራን ተዘራሪቦም Radio Erena: 25 April 2016

  ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ፣ ክፍሊ ዞባ ኣፍሪቃ ምስ ወከልቲ ደምበ ተቓውሞን መንግስቲ ኤርትራን ከምዝተዘራረቡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። ብመሰረት እቲ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓሪስ ዝቐነየ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሓለፍቲ ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ክዘራረብ እንከሎ፣ ኣቐዲሙ’ውን ምስ ሓለፍቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ተመሳሳሊ ዝርርብ ምክያዱ ገሊጾም።   […]