መጻኢ ዕድላት ኢትዮ-ኤርትራ፣ 26 ታሕሳስ 2018 – ብወዲ ባሻይ።

ኣብ ሓደ ሕማቕ ኣጋጣሚታት ባህርያዊ ጸጋታትካን ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣኻን ክዘርዩኻ ከም ዝኽእሉ እዙ ናትና ኣብነትን  ከም ጭቡጥ መርኣያን መረዳእታን ይሕግዝ‘ዩ። <<መሰረተ-ምዕብልናታት ሓበሻ! ጎይታን ዋናን ኣኽሱመ-ኣዶሊስ ዝነበረ ሕብረተ-ሰብ፣ <<ፊደል ቀሪጹ፣ ብራና ኣንጺፉ፣ ቀለም ጠሚዑ፣ ምስ ቋንቁኡ ዘናበበ ሕብረተ-ሰብ። <<ክልቲኡ ዓበይቲ ሃይማኖታት ተቐቢሉ መንፈሳዊ እምነታቱ ዝዓቀበ ሕብረተ-ሰብ፣ <<ኣብ ዓለምና ታሪኻውን ጥንታውን ቅርስታት ዘበርከተ! ጥንታዊ ሕብረተ-ሰብ፣ ሎሚ ውሽጣዊ ጉዳያቱ […]