መስመር ኦምሓጀር – ሑመራ ተዓጽዩ: ኣብ ጋሽ ባርካ ጽዑቕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር ሑመራ ብወገን ኤርትራ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ። ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ተኸልኪሉ’ዩ ኔሩ። ካብ 18 ሚያዝያ እትሒዙ ድማ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ይኹና ካብ ኤርትራ ንዝወጻ ናይ ንግዲ መካይን ዕጹው […]

“ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና፣” ኣቶ የማነ ገብርኣብ 15 April 2019

“ናይ ዶብ ሕቶ ወይ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና” ክብል ኣቶ የማነ ገብርኣብ ገሊጹ። ኣቶ የማነ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብን ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ’ዩ። ኣቶ የማን ኣብ መግለጺኡ፣ ዶብና ሕንጹጽ’ዩ፣ ብሕጂ […]

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ዝተፈለለዩ ጸበብቲ ምፍልላያት ብናይ ሕልና ዕርቂ ሰላምን ሓድነትን ክፍታሕ ኣዊጆም። እቲ ኣዋጅ ዝተመሓላለፈ፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ እዩ። እቲ ብኣማኸርቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተነበ ኣዋጅ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምክብባር፡ ምጽውዋርን ምትእምማን ዝፍለጥ ህዝቢ አዃ […]

ናይ ሓባር ሰለማዊ ኣብ ቅድሚ ቤትጽሕፌት ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩ ኣሎ።

ሰላም ኣብ መላዕ ዓለም ዘሎኹም የሕዋት። ኣብ ሊብያ ኣብ ሞንጎ ኩናት ብ ዘይ ተኻላኻሊ ኣብ ጸበባ ዘሎው የሕዋትና ኩነታቶም ንኹልና ኩሉ ግዜ መሰሻቀለና እዩ። ሰለዚ ን ሻቁሎትና ንደገ ነውጻዮ ማሕበረሰብ ዓለም ቁልጡ ሂወት ምድሓን ክገብር ናብ ዝሓሽ ውሑስ ሃገር ከሳጋግሮምን ን ሕተት። ነዚ ን ምግባር ዙር ኤውሮጳ ብ ብሽግለታ መዳምደምቱኡ ድማ ዓቢ ናይ ሓባር ሰለማዊ […]

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ”፡ ታሪክ ተዳጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም “ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን” “ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን ብዓሎቕን መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ ብዝግበሩ ውስታታትን፡ ህዝቢ ናይ ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ግዳይ […]