ገዲም ተጋዳላይ ጸጋይ ተኽለ (ጠቓሚየይ) ኣብ 1954 ሓምለ 4 ኣብ ኣስመራ ገዛባንዳ ጥልያን ወይ ከ ኣዲስ ኣለም ተወሊዱ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕንጨይቲ ጽርበት ማላት ፈለኛሞ ክስ ርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1975 ናብ ኤርትራ ብምምጻእ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ቅድም ኣብ ማሕበር ሰራሕተኛታት ተመዲቡ ኣብ ሰሓርቲ ይንቀሳቀስ ነይሩ ቀጺሉ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ተመዲቡ ሃገራዊ ግቡኡ ኣንድ ገበረ ምስ ምእታው ተሓኤ ብ 1981 ናብ ስዳን ብምእታው ብሞይኡ ስርሑ ቀጺሉ ኣብዚ ኣውን ምስ ክብርቲ ብዓልቲ ቤቱ ወዘሮ ጸሃይነሽ ኪዳነ ቃል ኪዳን ኣሲሩ ። ፍረ ቃል ኪዳኖም እውን ንዮናታ፡ራሄልን ሀለን ወለዱ ብምቕጻል ንካናዳ ምስ ስድርኡ ተሰዲዱ ናብርኡ ኣንዳኣካየደ ብሓጺር ሕማም ካብዛ ዓለም ብነሃሰ 8 2015 ብስድርኡን ፈተውትን ተኸቢቡ ዓርፈ።
ሕዝቢ ተሮንቶ ካብ ዝሓምም ኣትሒዝኩም ኣብ ገዝኡን ሆስፒታልን እንዳተማላለስኩም ዘትባብዕኩሞን ምስ ዓረፈ እውን ካባና ከይተፈለኹም ዝተሓዛዘክምናን ዘቃበርኩምና ናይ ኦርቶድክሳዊት ተዋህዶ ቢተክርስትያን እንዳ ምድሃኔ ኣልም ምሕዘንኒ ቦታ ብምሃብ ፍትሕት ብምክያድ ዝገበርኩሞ ኩሉ ብጣዕሚ ነመስግን።
ክሙ እውን እንዳሚክኤል መእምናን ካህናትን ብጣዕሚ ነመስግን። ኣባላትን ፓስቶራትን ናይ ወንገላዊት ቤት ክርስታን ከማኡ እውን ካህናት ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስታያን ብጣሚ ነመግስን ። ኣመንቲ ምስልምና ኣውን ተኻፈልቲ ሓዘና ብምኻንኩም ብጣዕሚ ነመስግን።
ኣብ ኣስመራ ዝተገብረ ካላይ ቀብር ዝተሳተፍኩምን ኣብ ዋሽንግቶን ዲስ ን ስያትልን ኣብ ገዛና መጺኣኩም ዘጻናዕኩምና ብጣዕሚ ነመስግን።
ስድራ ቤት ጸጋይ ተኽለ