ዕድመ ንምጅማር ብረታዊ ቃልስን ሓድሽ ዓመትን!
ኣቶ ኢሳይያስ ብንጉሆኡ። ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስትና ፖለቲካዊ ስራሓት ምስጢር ምዃኑ ኣዕሊልና ኔርና። ዝተሸራረበ ሽርሕን ጉርሕን ንምርግጋጽ እንተተ ደለየ’ውን ስኑድ ሓበሬታ ምጽባይ ንርእሱ ናብ ጌጋ ከምዘውድቕ ጠቒስና። እቲ ዝ በለጸ መፍለጢ ሓቅነት እምባኣር ኣብ ተግባር ዝተሞርኮሰ ሳንዱቕ ሞዛይክ ፖለቲ ካ ምንባብ ይምረጽ። ኣብ ኣናብባ ባዕላውነትን ዘይብቓዕትን ናብ ጌጋ ከየውድቕ ምጥንቃቕ የድሊ።
ኪኖኡ ንዘሎ ናይ ኣቀላልዓነቱ ጥበባት ግና ውህደት ናይቲ ም ስ ዓለማዊ ኩነታት ዝተዓጻጸፍ ሓባራዊ ስራሓትን ሓበሬታን ይምልከት። ብኣጋጣሚ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልስና ኢና ንዛረብ ዘለና። እቲ እ ዋን ኤርትራዊ ፖለቲካ ኣዝዩ ዝጎሃረሉ ግዜ ነበረ። ንኣብነት ብ1957 ናይ ተማሃሮ፡ ብ1958 ድማ ናይ ሸቃሎ ናዕብታት ገንፊሉስ ናብ መቐይሮ ኣገባብ ቃልሲ ገጹ ኣ ምርሐ። ከም ሳዕቤኑ ብሓምለ 1960 ብመሓመድ ኣደም ዝተመርሑ ተማሃሮ ኣብ ካይሮ ብወግዒ ተ.ሓ.ኤ. ከምዝመስረቱዋ ኣወጁ። ሃገሮም ተመሊሶም ብዝገበርዎ ስራሕ ድማ ብ1 መስከረም 1961፡ ብመሪሕነ ት ሓመድ እድሪስ ዓወተ ኣብ ኣዳል ቀዳ መይቲ ጥይት ተተኮሰት። እዚ ቀጻሊ ናዕብታት’ዚ ንመልክዕ ናይቲ ቆይሙ ዝነበረ ናብ ‘ኣንድነት’ ዘሰጋግር ፈደረሽን መኣዝኑ ክቕይሮ ከምዝኽእል ዝሰግአ ንግስነት ኢቲዮጲያ ህዉኽ ስጉምቲ ብምውሳድ ሓሙስ 15 ሕዳር 1962፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሪሱ ባንዴራና ዓጻጺፉ ብናቱ ብምትካእ ክልቲአን ሃገራት ከምዝሓበራ ኣወጀ።
ወዮ ዝተቐብረ ዞባዊ ረመጽ ብምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥናን ከባቢናን ናብ ደርማስ ፖለቲካዊ ባር ዕ ተቐየረ። ሓያላት ሃገራት ዓለም ድማ በቢረብሓአን ተጓየያ። ብፍላይ ኣመሪካ ዘውረደትልና ዓገብ መግለጺ ኣይነበሮን። ልዕ ሊ‘ቲ ዝወሰደቶ ዘይሕጋዊ ስረዛ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጢ ሰውራና ኣእዳዋ ኣእትያ ከተበርዕኖ ዘይገበረቶ ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝኸፍአ ጥበብ ባዕላ ንዝሰርዓቶም ሃሱሳት ከምተጋደልቲ ኣምሲላ ተዝሩቕ ከምዝነበረት ብቃላት ህሉዋት ይትረኽ ኢዩ። ሰውራ በቲ ሓድሽ ተመኩሮኣ ኣብ ከቢድ ፈተና ኣተወት። ብፖለቲካዊ መዳዩ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝፈሸለ ውዲ ት ምቕሊ እታ ሓዳስ ሰውራ ድማ ናይ ተኸተልቲ እስላም፡ ከም መሳርሒ ናይ ሃገራት ኣዕራብ ከምዝኾነት ክትመስል ብተግባ ር ብዝተሰነየ እኪት ምሒር ተጎስጎሰላ። እንታይ ኢዩ ነይሩ መሰረት ናይቲ ብፍሉይነት ዝወረደና ጸቕጢ?
ነገሩ ከምዚ ይመስል። እንግሊዝ ንመትረብ ስዊጽ ክትቆጻጸር ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ተተሓሒዛቶ ነበረት። በቲ ሓደ ብመገ ዲ ኩሉ ምብራቓዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ። በቲ ካልእ ድማ ንምንጪ ናይቲ ሂወት ሃገራት ሱዳንን ግብጽን ዝኾነ ፈለግ ኣባይ ንምቁጽጻር በተን ከም ግዝኣታ ዝተሓጸየተን ግብጽን ሱዳንን ተጠውያ ንምዕራብ ኢቲዮጲያ ኣኳሊማ ክትሕዝ ወጠነት። ስለ ኡ ኢዩ ንሃጼ ቴዎድሮስ ብዝኣሰርዎም ዲፕሎማት ኣሳቢባ ዘዳቐቐቶም። ስለኡ ኢዩ’ውን ሃጼ ዮሃንስ ብጥበብ ወራር ሰራዊት ዱርብሻት ዝተቐትሉን ክሳብ ርእሶም ተሰሊባ ከምትዝመት ዝተገብረን። ኢቲዮጲያን ግብጽን እምባኣር ካብቲ ዘመን’ቲ ጀሚ ረን’የን ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ /ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ዝስራሕ ዘሎ ሓጽቢ ኣባይ/ ቀጻሊ ክሰሓሓባ ዝራኣያ።
መንግስቲ ግብጺ ንርእሳ ኣብ ትሕቲ ጠመተ ሓድሽ ግዝኣት ተደርጊማ ክንሳ ገዛኢት ኮይና ኣብ ሃገርና ንዓሰርተ ዓመታት ኣት ያ ከምዝነበረት ትዝክሩ ኢኹም። ስለ’ቲ ንዓይኒ ምንጪ ኣባይ ንምቁጽጻር ብዘለዋ ጥሙሕ ንጉዳይ ሄርትራ ከም መጣልዒ ሕዱር ተጻብኦኣ ክትጥቀመሉ ክትብል ንሰውራ ኢርትራ ከምዝጀመረት ኢዩ ድማ ክሳብ ሎሚ ክሲ ኢቲዮጲያን ካልኦት ሰብ ረብሓን። ስለኡ’ዩ’ውን ተሓኤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከይተረፈ ከም ናይ እስላም ክትመስልን ከምኡ ድማ ከም መሳርሒ ግብጽን ሃገራት ኣዕራብን ዝተቖጽረትን፡ ሃገርና ድማ ካብሽዑ ክሳብ ሎሚ ግዳይ ናይዚ ዞባዊ ዘይርግኣት ኮይና ዝጸንሐትን ዘላን።
መቸም ብድሕሪ’ዚ ተጠቃምነት ማይ ኣባይ ካልእ ስዉር ፖለቲካ ከኣ ኣሎ። ግብጺ እንተጠቒስናስ ብዝነበራ ወተሃደራዊ ተ ጠማትነት ከም ወካሊት ሃገራት ኣዕራብ ንሃገረ-እስራኤል ስግኣት ከምዝኾነት’ውን ዘይምዝንጋዕ። ወዮም ዘእምነገደ-ይሁዳ ግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ-ስላሴ ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም “ዞባና ካብ ኢድ ኣዕራብ ንምሕራር” ብዝብል ምስምስ ንሃገራውነት ናይዛ ብሓደራ ዝተዋህበቶም ኤርትራ ምሒር ተጻብኡዎ። ሳላ ናይቲ ዝገበርዉ ግሁድ ወተሃደራዊ ምትእትታው’ውን ክሳብ “ፈጥኖ ደራሽ” ዝባሃል ኣንጻር ሰውራና ዝቐንዐ ፍሉይ ናይ ኮማንዶ ሰራዊት ተመልመለ። ኣብ ከም ሓዝሓዝ ዝኣመሰለ መዓስ ክር ቡሉስያ ዝቕመጡ ሕቡእ ምስጢራት ተጋደልቲ መዝሒቖም ዘጋልጹ ኣኽላባት ኢስራኤል ድማ በርከቱ። ኣኽላባ ዘሰልጠ ኑ ኢስራኤላውያን ሰባት ክዕልሙ እንታይ ጸገም ነይርዎም? ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ኣስመራ ብጉልባብ ሃይማኖትን ማሕበራት መንእሰያትን ዝሰልጠኑ ስለዝበርከቱ’ውን ሲኣይዲ፡ ሲኣይኤ ዝብላ ቃላትን ኣባላተንን ምስማዕን ምርኣይን ልሙድ ነበረሽዑ።
ንጉሰ-ነገስቲ ብወገኖም ህዝቢ ንምክፍፋል ብውሽጢ ውሽጢ ጭዋን እቲ ካልእን እናፈለዩ ብላዕሊ ላዕሉ ህዝቢ ኤርትራ ከም ፍንጫሕ መሰንገልኦም፡ ሳንብኦም፡ ኩሊቶም፡ ልቦም…… ጸብጺቦም ጭራሽ ”ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ፡ ሓደ ድማ ሃይማኖት” ከምስሉና ፈተኑ። ብመሳርሒ ዓረብነት እናወንጀሉና ንምፍንጫል ክጥዕም ክሳብ ገለ ደቂ እስልምና ብሓለፋ ክሕዙ ተራእዩ።
ኣብ ከምኡ ቁርቁስ ሰውራ ኤርትራ ድሮ ሓሙሽተ ዓመታት ኣቑጺሩ ብመጠን፡ ሓይልን ዝናን ድማ ኣብ ዘሰግኦም ኩነት በጽ ሐ። ብኣንጻሩ ድማ ተቓውሞ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ኣዝዩ ከረረን ኤርትራ’ውን መሬታ’ምበር ህዝባ ከምዘየድልዮም ኣግሃድዎ ። ወተሃደራውን ስለያውን ናይ ጽንተት ውጥናት ኪኖ ኣንጻር ተጋደልቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ነብሱ ክከላኸል ዘይኽእል ሰላማዊ ህዝ ቢ ዝያዳ ከረረ። ናይ ጭዋ ደሞዝ ዘዝበልዑ ብመስናዕ ናይ ሓሶት ዓደይ-ዓደይ ዝተፈብረኹ መሳርሒ ተነስነሱ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሰውራ ከይተረፈ ምህሮ ኣኽላባት ዝሸተቱተጋደልቲ መሰል ረቀቕቲ ሰለይቲ ብብዝሒ ተዋፈሩ።
ከመይ ዝኣመሰሉ ደቂ ከበሳ ኢዮም ንሰውራ ኤርትራ ክጅህስሱን ከዕንዉን ዝለኣኹ ዝነበሩ? ከምቲ ዝረኣናዮ ፖለቲካዊ ስራሓት ስዉር ስለዝኾነ እዚ ሕቶ’ዚ’ውን ብዋዛ ተቐላዒ ኣይነበረን። ካብ’ቶም እንተ ብጥርጠራ እ ንተስ ብሓበሬታ ዝተታሕዙ ብዝሃብዎ ቃል እምነቶም ግና ነዚ ተልእኾ’ዚ ክፍጽም ዝመችአ እቲ ተዛራቢ ትግርኛ ብምንባሩ ብስም ደቂ ከበሳ ሓያለይ ተጋሩ ከይተረፉ ክስልዩ ከምተላእኩ ብመጽናዕቲ ከምተበጽሐን ኣብቲ ናይ ጥፍኣት ወፍሪ’ውን መ ራሕቲ ሰራዊት ብምዃን ኣብልዕሊ’ተን ዘገልግሉወን ዝነበሩ ስድራታትን ጥሪትን ሓደጋ ይወድቁ ከምዝነበሩን ጭብጢ ኢዩ። ገለ ተማሃሮ ኣውራ ካብ ላዕላይ ደረጃ ከምተላእኩን ክሳብ ብጭብጢ ዝተታሕዙ ከምዝነበሩ’ውን ይግለጽ ነበረ። እዚ ተግባ ር’ዚ ነቶም ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ዝነበሩ ደቂ ክርስትያን ተጋደልቲ’ውን ብከቢድ ጥርጣረ ከጠምቶም ስለዝደረኸ ኣብ ርእሲ ገ ሊኦም ክጋደሉ ዝመጹ ንጹሃት ደቂ ከበሳ ከይተረፈ ዝተወስደ ስጉምቲ ከምዝነበረ’ውን ይንገር ኢዩ።
ናይ ሎሚ ዛዕባና ጉዳይ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኢዩ። ብዛዕባ’ዚ ናይ ሎሚ መራሒ ሃገረ-ኤርትራ’ውን ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድ ብ ገለ ሕሹኽሹኽ ከምዝነበረስ ይስማዕ ነይሩ ኢዩ። እንተኾነ ብወግዓዊ መገድስ ተሓኤ ንኢሳይያስ ብቀይሕ ምንጻፍ’ያ ዝተ ቐበለቶ። ገና ብውዑዩ’ዩ’ድማ ንትምህርቲ ተባሂሉ ንቻይና ዝተላእከ። ምስ ተመልሰ’ውን ከምቶም ዝተኸላበቱ ወይ ዝተሃድ ኑ ኣይተዘባዘበን። እዃድኣ ኣብ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ሰፍ ዘይብል ስልጣን ከምተዓደለ’ዩ ዝፍለጥ። ኣብተን ዝሰዓባ ዓመታት ዝ ተራእየ ኩነተ-ምፍልላይ’ውን ንኣቶ ኢሳይያስ ዝርብጽ፡ ዘጠርጥር ወይ ዘስግእ ነገር ከምዘይነበረ ብዙሓት ይዛረቡ ኢዮም። ኩ ነታቱ ከምኡ እንከሎ ግና ንሱ ናብቶም ንዓላ ዝተፈለዩ ምስዓቡ እሙን ኢዩ። ስለምንታይ? ኣቶ እሳይያስ ንምንታይ ንዓላ ከምዘበለ ሎሚ ኴንካ ክትሪኦ ባዕላውነት ከይኸውን ምጥንቃቕ ከምዝግባእ ማንም ኣይስሕቶን ። እኳድኣስ ብዛዕባኡ ንዝተዘርበን ዝተሓስበን ከምቲ ንሱ ዝጃሃሮ ዘይኮነ ህዝብን ተጋዳላይን ባዕሉ’ዩ ክከላኸለሉ ዝጸንሐ። እምበር ንሱ ክንዲ ምስ’ቶም ንሱዳን ወይ ንኢቲዮጲያ ዝኣተዉ ዝነቅል፡ ናብቶም ንዓላ ዘንቆልቆለሉ ክልተ ምኽንያታት ከም ዝነበረኦ’ዩ ዝትረኽ። እታ ሓንቲ ተሓኤ ብዛዕባኡ ዘዳቐቐቶ ሓበሬታ ናብ ሓቅነት ገዙ ከምዝዛዘወ ዝእንፍት ሓበሬታ ብምር ካቡ ከምሓደ ሰላይ ከይተሓነቐ ነብሱ ከውጽእ ስለዝነበሮ። እታ ካልኣይቲ ድማ ካብ ላዕለዎት ለኣኽቱ ትእዛዝ ስለዝበጽሖ።
መንነት መቸም ቀልጢፉ ተቐላዒ’ኳ እንተዘይኮነ ናይ ገለ ሰባት ብልህነት ኣዝዩ ጥርዚ ኮይኑስ ንሳቶም ንሱ ካብ መበቆሉ ኣት ሒዞም መን ምዃኑ ክገናጽሉዎ ፈጺሞም ኣይተጸገሙን። ነታ ድሕሪ 30 ዓመታት ዝተቓልዐት ቃኘው ዝኣተወላ ታሴራኡ፡ ወ ይ ነቲ ካብ መጻሕፍቲ ኣቶ ዘውዴ ረታ ዝተኣከበ ሓበሬታ፡ ወይ’ውን ምስ ነብሲሄር ወዲ ጆርጆ ዝነበሮ ርክብ ከይተቐልዐ ብ ኡ ንብኡ ኢዮም ምስሊ ኣቶ ኢሳይያስ ዝተረድእዎ። ወዮ መርዛም ሰብ ድማ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምስጀመረ ክሳብ ሎሚ ሰባ ት ክምርዝ ይርአ ኣሎ። ሎሚ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ትዕዝብቲ’ውን፡ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ሕማም ርእሲ ተመኽንዩ ኣብ ሃገረ-ኢስራኤል ሓቒቑ ብምቕናዩስ ከም ሓደ ካብቶም ቋንቋ ኣኽላባት እስራኤል ዝተማህሩ ኮይኑ ሓድሽ ናይ ምሽታት ስ ራሑ ተዋሂብዎ ኣብ ቀጠር በበጺሑ ጸብጻቡ የብጽሕን ዕዮ ገዝኡ ሒዙ ይምለስን ከምዘሎ እንተተንተንናኸ ይውንጁሉናዶ?
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ክብርን ሞጎስን ንወርሒ መስከረምን ነቲ ዘይሕለል ህዝቢ ኤርትራን! ይቕጽል-
ጎደፋ