ትምኒት ኣደይ ኣለማሽ ንጆሽዋ September 12, 2015 8:05 am

Screenshot_2015-09-12-00-47-57-1ኣደይ ኣለማሽ. . . ጀሽዋ ገና ናብ ምድሪ ዓለም ቅልቅል ምስ በለ ኣትሒዘን’የን ንሂወተን ዘበርኽ ትምኒት ተተምንየን። ሰላም ዎ ሰናይ ዘለዎን ፍሱህን ህይወት ክኾነለን ካኣ ገና ዕለተ ጥምቀቱ ከይኣኸለ ፍሳሃ ኢለነኦ። ፍሳሃ ተመንየን። ፍሳሃ ኣፋልየን። ፍሳሃን ሰላም ዎ ሰናይን ደልየን።

ተኽሊ ዓመታት ኮይኑ ድሕሪ ክንዲ ሰብ ምእካል ፍሳሃ ክፈጥረለን ከም ወያ ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ዝባሃል ክኸውን’ሞ ስሙ ክመርሓለን፡ ምእንቲ ርካበ ፍሳሃ. . . ኢለነኦ ፍሳሃ-ንፍሳሃ፡ እናተፈሳሃ። ተኽሊ ዓመታት ኮይኑ ድሕሪ ክንዲ ሰብ ምእካል ፍሳሃ ክፈጥረለን’ዩ እቲ ትምኒት።

እቲ ግዜ መምህር ዝኸብረሉ ግዜ ስለ ዝነበረ “እዚ ወደይ መምህር’ዩ ዝኾነለይ” ይብላ። “ወዲ እገለስ በሉ መምህር ኮይኑ. . .ኪዲ በሊ! ፖው! ሆእ ሆእ ሆእ!” ክባሃል ከሎ ይራኣየን’ሞ ብደወን ይፍሳሃ።

ዘርኢ ክረምቲ ተረኺቡስ ሓምለ ተዘሪኡ መስከረም ክኣኽለለን ኣይጸልኣን። “ሓቀይ እንድየ’ታ? መልስ’ባ!” እናበላ ድማ ይረርወኦ። “ኣታ ዕንዱ ወደይ ዕንዱ ወደይ. . .ሕንጥልጥል ክሳደይ፡ መሊሰ ዶ ከእትወካ ኣብ ከብደይ. . .” እናበላ የሰራስረኦን የጻውተኦን።

ሕንጥሸው ኣብ ዘዝበሎ፡ “የዕቢኻ!” ይብለኦ ተቐዳዲመን ዝቕድመን ካልእ ፍጡር ዘሎ ክመስላ። ክዓብየለን’ሞ ሓሳብ ልበን ሰሚሩ ክፍሳሃ።

ቀንየን ካኣ፡ “ኣንጀኒር እዩ ዝኾነለይ እዚ ወደይ” ይብላ-ኢንጂነር ዝብል ኣፍ ምዃኑ እዩ። ህንጻታት ጥልያን ከም ባዓል ፍያት ታሌሮን ካቴድራልን ፍርያት ኢንጂነር ምዃኑ ምስ ሰምዓ ቅዱስ ቅንኢ ይቐንኣ። ነባሪ ቅርሲ ኮይኑ ሓወልቲ ዘቕውም ክኾነለን ይሃርፋ። ማዕረ ማዕሪኡ ነዊሕ ዕድመ’ውን ይምነያሉ-ነዊሕ ምጽናሕ ኣብ ኩሉ ስለዘብጽሕ። ተኽሊ ዓመታት ከምዝኾነ ተረዲአን ኣብ ስራሕ ፈጣሪ ምእታው ከይኮነን ይስከፋ’ሞ ንፈጣሪአን ይቕረታ ሓቲተን ጸሎተንን ትምኒተንን ኣበሪኸን ይቕጽላ። “መን’ዩ ክንድዚ ትሓስብዮ ዘለኺ ዓመታት ክጸንሕ እዩ ኢሉኪ? ምጽናሕን ዘይምጽናሕን ስርሐይ ደይኮነን’ዩ ኣብ ዘይስራሕኪ ትኣትዊ?” ከይብለን ፈጣሪአን’ዩ ስክፍተአን። “የጽነሖ’ባ! ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ዝካኣሎ ዘይሳኣኖ! ንመን ኢሉዎ!? ‘ተመነዩ ክህበኩም’ እንድዩ ኻኣ ዝበለ” እናበላ ኣብ ጥራሕ ጎልጎልን ፈጣሪአን ከይሓዛን ይምነያ ከምዘየለዋ ዘርኢ ሓሳብ ይሓስባ።

“ዶቶረ ኢንፈርሜረ. . .” ድማ ይብላ’ሞ. . .”ዋእ ዋእ ኔው በሎ! መምስ ዝተቐንዘዉ ዝቕንዞ እንታይ ገዲሱዎ ዝወደይ!. . .ፍሻለ እዩ ዝኸውን” ናብ ዝብል ሓሳብን ትምኒትን ይሰግራ። ኦፊስ ሒዙ ሓለፈ ወዲ ኩስቶ ክበሃል ከሎ እናተራእየን። ይሕሾ ዘዝበለኦ’የን ዝመርጻሉ። “ጽቡቕ’ዩ!” ዝብል ዕላል ዘዝሰምዓሉ ሞያ ክበጽሖ ቅዱስ ቅንኢ ይቐንኣሉ። ናብ ኣፍንጭኡ እናቐረባ ድማ፡ “ኣታ ንስኻ ኸ እንታይ ይሕሸካ? ምረጽ እስኪ። ኳዕነነ. . .ን እናበልካ፡ ባሊላ ሕጅካ ጅጅጅ. . .፡ ባኖኻ ጌርካ ሸነ. . .ን ክትብል ኢኻ” እናበላ ከም ዓቢ የዕልለኦ።

ብዙሕ በቒቐነኦ። ብዙሕ ተኸናኺነነኦ። ተንፏሒኹ፡ ታተ እግሪ ሃብኒ ሰንበተ ኣቢለነኦ። እግሪ ኣትኪለን ኣጎቢዘነኦ። እግሪ እግሩ እናሰዓባ ተኸታቲለነኦ። ኣብ ዘዝተዓንቀፎ በጃኻን ቅድመኻን ይስጣሓኒ እናበላ ክሓልፋሉ ድልውቲ ኮይነን። ጎልጎሉ ወዲኡ ትምህርቲ ጀሚሩ ምስ መዛኑኡ። ክፍለ ትምህርቲ እናደመረ ከይዱ።

ፍሳሃ ነደይ ኣለማሽ ኣየሕፈረንን። ከም ትምኒተን እናኾነ እናነፍዐን “ወሰደ” ዝባሃለሉን ተማሃራይ እናኾነ ሶጊሙለን። ዓመት መጸ ፍረ ጻዕሪ ተማሃራይ ብልጫ ሒዝካ ገዛኻ ምእታው ከም ልሙድ ተወሲዱ። ንብልጫን መንፋዓትን ዋርድያ ብዘይ ብረት ተቐይሩለን። ኣደይ ኣለማሽ ድማ ብፍሳሃ እናተፈሳሃ ጸባ ክሰትያ ጀሚረን። “የዕቢኻን ሓሳብ ልብኻ የስምረልካን” ዝብላ ምርቓታት ድማ ናይ ወትሩ ቀለቡ ኮና-እንተላይ ነብሰ ምርቓ ምዃኑ’ዩ። ኣማዕድየን እቲ ዝኾኖን ዝበጽሖን እናተራእየን ድማ ጸጽቡቑ ተመንየንን ተመንየናሉን ንፍሳሃ እናተፈሳሃ።

ግርማይ ዮውሃንስ

posted by-EriVision

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *