ኢድ ኢስያስ ብደምሕት ተቐርሲማ – ሶሎሞን ተ.September 15, 2015 7:50 am ,

Screenshot_2015-09-14-11-06-44-1-1

ወረ ምብታኽ ደምሕትን ኢሳያስን ቀስ ብቐስ’ዩ ናብ ደቂ ኣሰመራ ኒፍ ኒፍ ክብል ጀሚሩ። እዚ ነቶም ኣዝዮም ውሑዳት ዕድል ኢንተርኔት ዘለዎም ዝምልከት ኣይኮነን። ይኹንምበር: እቲ መስተውዓሊ ኣእምሮ ኣዝማሪኖ: ነቲ ዝረኣዮ: ዝሰምዖ: ዝፈርሖን ዝተደሰቐሉን ፍጻሜታት ብቕጽበት ኣገጣጢሙ ሓደ ንጹር ስእሊ ከውጽእ ጊዜ ኣይወሰደሉን። “ኢድ ኢሳያስዶ ተቐርሲማ? ቤ… ላ!” ኢሉኒ ሓደ ኣማኒየይ።

እቲ ብዓርቢ ዝተፈጸመ ወረ: ኣብ ደቂ ኣስመራ: ብፍላይ ሰኑይ: ከም እሳት ብህቦብላ እዩ ተላቢዑ። ህዝቢ ነቲ ብማዕከናት ዜና ኣሰና: ኤረና: ዋላ ነቲ ብሬድዮን ተለቪዠንን ኢትዮጵያ “ጨለ ስርሒት ስለያ” ተባሂሉ ዝተነግረሉ ትንታነ ኣኰማሲዑዎ። ሓፈሻዊ ሰምዒት ኣዝማሪኖ ፤ መስፈሪ ኣልቦ ሓጎስ!  ምኽንያቱ: ሓንቲ ኻብተን ንጥፍኣትና ኣብ ክሳድ ኤርትራ ብኢድ ኢሳያስ ተንጠልጢላ ዝነበረት ሴፍ: ከም ሑጻ ስለ ዝተደኰዐት። ንህግደፍን ካድረታቱን ግን: እዚ ወረ’ዚ ውጽኣት ከም ዘትሕዞም ርግጸኛ’የ።

ይኹን’ምበር: ብዘይካ ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ: ካብ ካልኦት “ስለምንታይ”: “ከመይ”: “እንታይ እዩ ጠንቁ” ወዘተ … ንዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ዝመለሰ ትካል የለን። ማዕከናት ህግደፍ ኢሳያስ’ኳ ኣብ ውራይ ምሕማሰን ስለ ዘለዋ ጥራይ ዘይኮነስ: ብቐንዱውን ፈብረኽቲ ሓሶት ሰለ ዝኾና ብዘይ ዘረባ ካብ ቁጽሪ ምውጸአን ይሓይሽ። ንትንታነ ፈነወ ኢትዮጵያ ግን: ተኽእሎ ኣለዎ: ጥራይ ኢልና ኣይንሓልፎን ኢና። ምኽንያቱ: ህዝቢ ነዞም ደምሕት: ከም ኣብ ከብድና ተኾዪጡ ሰዓታት ዝፈቅድ ደንጎላ ነታጒ እዩ ዝቈጽሮም። ይኹን’ምበር: ነዚ ትንታነ ኢትዮጵያ እውን: ነቲ ድራማዊ ኣቀራርባኡ ዕሽሽ ኢልና: ኣብ ሓደ ሸነኽ ነጽንሓዮ። እሞ እንታይ ድኣ ተረፈ? ዝረኣየን ይንገርካ ዝወዓለን ይምከርካ: ኸም ዝበሃል: ነቲ ህዝቢ ዝፈልጦ ሓቂ ብጥሪኡ: ብናተይ መንገዲ ከካፍለኩም።

መጀመርያ ነገር: ህዝቢ: ገለ ግዱሳት ገዲፍካ: ነዞም ሞላ ዶ ገበየ ዋላ ለማ ኣይፈልጦምን’ዩ። ኣነን ከምዚ ኸማይን ክንፈልጦም ተገዲስና ኣይንፈልጥን። ነቲ ከምጽኡዎ ዝኸእሉ ስግኣት ግን: ብፍርሒ ከብድና ሓቚፍና ኢና ጸሊና። እዚ ጉዳይ’ዚ እምብኣር: ንዓይ ከም ዝርድኣኒ: ዛንታ ኽልተ ጕሓሉ ሓምኹሽቲ ስንቆም እዩ።

ቀዳማይ ሓቂ ፤  ኣቀታትላ ፍስሃ: ኣቦ መንበር ደምሕት ነበር እዚ ፍስሃ ዝተባህለ ሰብ’ዚ: ካብ ተሰነይ ተበጊሱ ብማኪና እናኸደ እንከሎ ሓደ ሰብ ክማለኦ ይሓቶ። ፍስሃ ይሰቕሎ። እቲ ንዓና ክሳብ ሕጂ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ግን ኣብ ገለ በረኻ ቐቲሉዎ ይስወር። እቲ ዛንታ ኣቀታትልኡ ነዚ’ዩ ዝመስል። እቲ ሓቂ ግን: እቲ ሰብኣይ በዚ ይኹን በቲ ሞቱ ኣይተረፎን። እቲ ሞላ ዝተባህለ ካልእ ሰብኣይ ክኣ: ብኢሰያስ ተረቚሑ ኣብ ስልጣን ከም ዝመጸ ይውረ። ባህሪ ኢሳያስ ንዝፈልጥ ድማ ካብዚ ንላዕሊ መርትዖ ዝደሊ ኣይመስለንን። እንተ ደለየ ኽኣ: ክሳብ ሓደ ምዓልቲ ጊዜኡ ኣኺሉ ዝቕላዕ: ተማህሊሉ ከም ዘይረኽቦ ፍሉጥ’ዩ። ግን እዚ ኣገባብ ኣሰዋውራ: እቲ ዝውቱር ሕላገት (calling card) ኢሳያስ ኣለዎ። ሞላ ድማ ኣብ ኢሳያስ ዘማቻችኣሉ መንበር ተቐሚጡ ክሳብ ዕለተ ባእሶም ጸኒሑ።

ካልኣይ ሓቂ ፤  ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ ንደምሕት ዝተዋህቦ ቘላሕታ ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ ሓርበኛታት: ሰራዊት ደምሕት ኣብ ከባቢ ፎርቶ ፍሉይ መዓሰከር ተዋሂቡዎም። እቶም ኢሰያስ እምነቱ ዘጥፍኣሎም ሰራዊት ኤርትራ ግን: ካብታ መንበረ ንግስነቱ ትቕመጠላ ኣስመራ ብኪሎ ሜተራት ክርሕቁ ተኣዚዞም። እቲ ሞላ ዝመርሖ ደምሕት ክኣ ቀንዲ ሓኻኻይ ዝባን ኢሳያስ ኮይኑ።

ሳልሳይ ሓቂ፤ ብሪጋደር ተኽለ ማንጁስን ደምሕት ኢሳያስ ትካላዊ ኣሰራርሓ: ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዘይፈቱ: ኩሉ ዝግብት ሰብ’ኳ እነተ ኾነ: ንኸምስል: ንተኽለ ማንጁስን ንሓደ መንግስ ዝበሃል ሓላፊ ስለያ ምክትታል ዶባትን ከም ኣተሓባበርቲ መንግስትን ደምሕትን መዚዙዎም ኔሩ። ተኽለ: ብኣጸዋውዓ መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎት “ሓባ መሻይፍ”: ከምዚ ሎሚ ኮኾቡ ከይወደቐን ፍሽኽታ ጎይትኡ ከይተማህለለን: ምስ ውጩ ዝነበራ ጕጅለ ኾይኑ— ዳርጋ ኹሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ነናቶም ግሩፖ እዩ ዘለዎም— ንደምሕት ናብ ዝደለዮ እዩ ዘቕንዓ ኔሩ። ንዕኡን ንጎይትኡ ኢሳያስን ራዕዲ ዕልዋ ቁሩብ ምስ በነነሎም ክኣ: ተኽለ: ብትእዛዝ ኢሰያስ ክኸውን ኣለዎ: ንፖሊስን ሃገራዊ ድሕነትን ከየፍለጠ: ንደምሕት ኣብ ኣስመራን ከረንን ዓዲ ቐይሕን ኮታ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኤርትራ መንእሰያት ኣብ ምግፋፍ ኣዋፊሩዋ።

ኢሳያስ ዝነዓቓ ወይ ዝፈርሓ ቀያሕ መስመር ረጊጹ። ግን ፈራሕ ስለ ዝኾነ:  ብእግሪ ሓባ መሻይፍ ተኽለ እዩ ሓምቲሉዋ። እቲ ንዑቕ ህዝቢ: ብፍላይ ኣብ ኣሰመራ: ደምሕት ምዃኖም ምስ ፈለጠ መንእሰያት ብደናጉላ: ኣዴታት ብኣውያት ኣትዮሞም። ዕግርግር ከህድኡ ዝመጹ ፖሊስ: ነገራቱ ምስ ፈለጡ: ንህዝቢ ገዲፎም ምስ ደምሕት ተዋጠጥ ኮይኑ። ግርማይ ምሰግና ዝተባህለ ቀንዲ ዓሽከር ተኽለ: እንተ ብስም ስድርኡ እንተ ብስሙ ናይ ሆስፒታላት ኦሮታን እንዳ ኮርያን ኣብያተ መግቢ ተኾናቲሩ ሃብቲ ዝደለበ ክዑብ ሰብ: ምስ ተሓባበርቱ ኾይኑ ነቲ ምውጣጥ ደምሕትን ፖሊስን ከህድእ ተላኢኹ። ሽዑ ሓመድ’ባ ተዝሰሓኑ ዘይበለ ሰብ ዘይነበረ ኣይመስለንን። ግን ከም ገለስ ሃዲኡ ድኣ። ተኽለ ተገልቢጡ ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊስን ክኸሶም ከም ዝፈተነን ንሳቶም ብገዲኦም ንዓኣቶም ረጊጹ ብምኻዱ ናቱ ከም ዝገበሩሉ እሙናት ሰባት ኣዕሊሎምኒ። ከማይ እውን ብዙሓት ሰሚዖሞ። ናይዚ ጭቡጥ ሳዕቤን ድማ: ተኽለ ሓባ መሻይፍ ጃልብኡ ተገልቢጣ: ጋሽ ባርኩኡ ኣንቆልቊሉ።

ራብዓይ ሓቂ ፤  ሜጀር ጀነራል ፍሊጶስን ደምሕትንድሕሪ ፈተነ ዕልዋ ተኣማንነቱ ሰለ ዘመሰከረ ኮኾቡ ክትዓርግ ዝጀመረት ፍሊጶስ: ነቲ ኣብ ኣፍ ሞቱ መዓርግ ዝተወሰኾ ውጩ ተኪኡ— ንሱ እውን ምኒስትርነት ጥራይ እያ ተሪፋቶ እምበር ኣብ ምክልኻል ገባርን ሓዳግን’ዩ ኾይኑ—  ብቐጥታ ሓድጊ ተኽለ ማንጁስን ጒጅለ ውጩን ከዕኑ እዩ ተጓዪዩ። ነቶም ብዘይ ሕጋዊ ሃብቲ: ብደቂ ዓይኒ መዓርነትን መቕረብን: ብምሰጋር ደቂ ሰብ: ብቅርስና (ሽዑታት ዝተሰምዐት ሓዳስ ቃል): ብገለመለ ተኸሲሶም ተባሂሉ ባዶ ሰለሰተ ነፊሑ: ነቶም መሓውር ተኽለ ዝበሎም ወዲ ምስግናን መሰልቱን ቀፊዱዎም። በዚ ምኽንያት’ዚ: ተራ ፍሊጶስ ኣብ ደምሕት ክንድቲ ግሁድ ኣይጸንሐን ክበሃል ይከኣል። ኢሰያስ እቲ ወዲ መዝሙሩ ተኽለ ከም ባህጊ ልቡ ስለ ዘይኮነሉ: ምስ ሞላ ብቐጥታ ምርኻብከ መን ክኽልክሎ ይኽእል? ምኽንያቱ: እቶም ካባይ ንላዕሊ ብዛዕባ ሞላ ዝፈልጡ: ሎሚ ነቲ ኹሉ ሸብዳዕዳዑ ኣገናዚቦም: “ለካ እንዶ ግዳ! ” ይብሉ ኣለዉ።

ፍሊጶስ እምበኣር: ኣብዛ ቐረባ እዋን “ስምረት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ” ተባሂሉ እምብልታ ዝተነፍሓሉ ፍጻሜ እዩ ጉሉሕ ተራ ተጻዊቱ። “ፍሊጶስ ኣስማሪ” ኾየኑ ያኢ። ስምረቶም ክኣ ርኢናሎም። ጸወታ ሕኸኸኒ ኽሓከካ። እቲ ካብ 2008 ዓ.ም. ኣትሒዙ ምስ ኢሳያስ ዘበጥበጥ ዝብል ዝነበረ ሞላኸ ኣብ ሎሚ በጺሑ እንታይ ወሪዱዎ? መልሰይ ፤  ምስ ኢሳያስ ዝኣተዎ ኪዳን በለጽ ዕድሚኡ ኣብቂዑ። ንመፈንጠራ ኢሰያስ ጎሪሑላ ቀዲሙዎ ሃዲሙ።

ናይ መወዳእታ ሓቂ ከካፍለኩም። እቶም ኣብ ስቱድዮ ፈነወ ዜና ደምሕት ዝሰርሑ ኤርትራውያን: ሎሚ ሰኑይ 14/9/2015: ብዘይ ካልእ መግለጺ: “ሎሚ ስራሕ የብልኩምን: ” ተባሂሎም ገገዝኦም ተመሊሶም።

ንኢሳያስ ነገር ወንጪራቶ ኣላ። ልዐሊ ኹሉ: ይዋእዩ: ክብሩ ተጎዲኡ። እንተ ንዓና ኤርተራዉያን’ሞ ዕዳ ቐለለ! ናይዞም ኣብዚ ዓዲ ንነብር ሰባት ገንዘብኳ ብግዲ: ናይዞም አብ ወጻኢ ክለተ ካብ ሚእቲ ትኸፍሉ ሰባት ከኣ ብውዲ: ቀለብን ዕጥቅን ደምሕት እዩ ዝኸውን ኔሩ። ኣብ ክንዲ ንመብራህቲ: ንማይ: ንባኒ። ዕዳ ቐለለ! ዘይስንኻ ሑጻ ቖርጥመሉ: ይብሉኹም: ኢሰያስ ብኣስናን ደምሕት ከጥፍኣና ዝቐረባ ሴፍ ሑጻ ተቐዪራ። ዕዳ ቐለለ: ህይወት ድሓነ! ኣቱም ኢትዮጵያ ኽኣ እንቋዕ ሓጎሰኩም! ሓንቲ ዓባይ ጉራዴ ሁከት ጠፊኣትልኩም።ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር ግን: ካብ ክልቲኡ ወገን ህይወት ሰብ ጠፊኡ ኣሎ። ንወለድን መቕርብን ጽንዓት ይሃቦም! እንተ ነዛ ጥፍኣት እዚኣ ዝመሃዘ’ሞ ወይልኡ። ሕጂ ምዉት ዳሕራይ ክኣ ዳግማይ ሞት’ዩ ዓሰቡ።

posted by-EriVision.org

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *