ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ገለ ኣንበብትን ሰማዕትን፡ ጽቡቅ፡ ሕማቅን ዘሎኒ ስክፍታን ስለዝገለጽኩ “ ከመይ ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ዝብሉ ኣይስኣኑን፡ ባህርያውን ዝጽበዮን’ዩ ድማ። የግዳስ ሰላምን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝብህግ፡ ሃገረይ ስለዘፍቅር፡ ፍልጠትና ንምዕባይን ፍታሕ ንምንዳይን እምበር ጸልማት ኤርትራ ስለዝተመነኹ ኣይኮንኩን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዝያዳ ዘሻቅሎም ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ንምግማት ዘጸግም’ኳ እንተዘይኮነ፡ ንዓይ ድቃስ ዝኸልኣኒን ዘሰክፈንን ጉዳያት ምክፋል ሕማቅ ኣይኮነን።ቀዳማይ ስክፍታ፡ ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ብሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ክንነብር እንተእንኽእል፡ ብዙሕ መክሰብን ንምዕባለ ክልቲኡ ሃገራት ዘርብሕ ጎደና ምተነጽፈን።ይኹን እምበር፡ ኣብ መወዳእታ 50’ታት፡ ኤርትራ ብዓሎቕ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሓያላት ዓለምን፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ክትቁረን ድሕሪ ምውሳን፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣሽሓት ህይወት ሰብ ዝወሰደ፡ ኣካል ዘሰንከለ፡ ሃብቲ ዝጸንቀቀ፡ ትሕተ ቅርጺ ዘዕነወ፡ ህዝቢ ዘመዛበለን ወርቃዊ ግዜ ዘባኸነን ንዓመታት ኩናት ተኻይዱ። እቲ ስርዓት ደርጊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምግላፉ ብገለ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ናይ ኣፍሪቃ ኣናብርን ኣብነትን ክኾና ኢየን’’ ዝተባህለ ድማ ከይዓንበበ ሓሪሩን በኒኑን። ኤርትራን ኢትዮጵያን ድማ ዳግማይ ኣብ ኩናት ኣትየንን ክሳብ ለይቲ ሎሚ ዶባተን ረጊጠን ኣብ ምትፍናንን ኣለዋ። ኣብ ሓንጎል ብዙሓት ኤርትራውያን ዘሎ ፍርሕን ስክፍታን ግን ዳግማይ ኩናት ከይውላዕ ጥራይ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ሓላፍነት ህዝቢ ዘይብሉ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ሃገራዊ ስምዒቱን ሓድነቱን ባይታ ዘቢጡ ሃገር ዝከላኸል መንእሰይ ሞራሉ ወዲቁን ገለ ናብ ስደት ኣምሪሑን ስለዘሎ፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብቀሊሉ ክትቆጻጸራን ብባርኾት ኣመሪካን ስዓብታን ኣብ ግዝኣታ ክትጽምብራ ወይ ኣህጉራዊ ጸቅጢ እንተበዚሕዋ ዝምእዘዝዋ ዕሱባት ኤርትራውያን ኣብ ስልጣን ከተምጽእ ትኽእል’ያ። ኢትዮጵያ እዚ እንተዘይሰሊጥዋ ግን፡ እቲ ዝዓበየ ጠለብ ኢትዮጵያውያን ንምምላእን ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብን ንወደብ ዓሰብ ምምንጣል’ዩ። ዓለም ምስዝሓየለ ስለዝኾነ ድማ፡ ብጥርዓን ዝረጋገጽ መሰልን ክብርን የለን። እስራኤል፡ ንውሳኔ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕሽሽ ኢላ መሬት ኣዕራብ ክሳብ ሎሚ ብሓይሊ ጎቢጣ ምህላዋ’ውን ሓደ ኣብነት’ዩ።
ካልኣይ ስክፍታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኳ ብምስልምናን ክርስትናን ዝቆመ ሕብረተሰብ እንተኾነ፡ ኣብ 40’ታትን ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስን ሓድነቱ ብደሙ ኣመስኪሩን ንዘመናት ብሰላምን ሓድሕድ ምክብባርን ተቀሚጡን’ዩ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቅ፡ ሰሜን ምዕራብን ኣፍሪቃን ካልእ ኩርናዓት ዓለምን ዝላባዕ ዘሎ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ናዕብን ምትፍናንን፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምረት ናብራን ጨፍላቂ ስርዓትን፡ንህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን ክጸልዎ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ድማ ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘይተጸንዐን ልቦና ዝጎደሎን ናይ ወጻኢ ፖሊሲ፡ ሃጸይ ኢሳያስ ዕምሩ ንምንዋሕ ህዝብና ኣብ ዘይረብሓሉ ሓዊ ክጠብሶን ምስ ካልኦት ህዝብታት ከቀራሕኖን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ንኣብነት ነዚ ኣብ የመን ዘሎ ሓድሕድ ኩናትን ጦብሎቅታ ካልኦት ሃገራትን፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ልማዱ ጠልቀፍቀፍ ምባሉ ኣይገድፍን’ዩ። ኣብ እዋናዊ ጉዳይ የመን ድሮ ኢዱ ኣእትዩ ከምዘሎ’ውን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።
ሳልሳይ ሻቅሎት፡ ስርዓት ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ስለዝተፈንፈነን ካብ ጎረባብቱን ዓለምን ብዙሕ ተነጺሉ ስለዘሎን፡ ይንዋሕ ይሕጸር ውድቀቱ ዘይተርፍ’ዩ። ምውጋድን ምብቃዕን ምምሕዳር ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሕዱር ሕማሙ ምፍዋስ’ኳ እንተኾነ፡ ናይ ስልጣን ባዶሽ(ሃጓፍ) ከይርከብን፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ውድድር ስልጣን፡ ኩናት ሓድሕድ፡ ናይ ኣውራጃን ሃይማኖትን ቀቢላን ምትፍናን ክኽሰት ወይ’ውን ካልእ ህግደፍ ክውለድ ይኽእል’ዩ። ብፍላይ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክንዲ መንጎኛ ኮይኑ ህይወት ሰላማውያን ዘድሕንን ናይ ደገ ተጻብኦ ዝከላኸልን፡ ጸግዒ ናይ ሓደ ወገን ወይ መሳርሒ ስልጣን ዝሃርፉ ብምዃን ብረቱ ኣንጸር ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ እንተኣቅኒዕዎ ድማ ዝበኣሰ ጸገም ክፍጠር ይኽእል።
ራብዓይ ስክፍታ፡ እቲ ራብዓይን ኣብ ተግባር እንተውዒሉ ንኹሉ ፍታሕ ዝኸውን ስክፍታ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን እንተተኣልዩ፡ ብዘይ ጸገምን ናይ ደገ ምትእትታውን፡ ኤርትራውያን ወሰንትን ወነንትን ጉዳይና ባዕልና ናይ ምዃን ዓቅሚ ከይጎድለና’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ነቲ ኤርትራውያን ክንፍጽሞ ዘይክኣልና ጉዳያት ንምምላእ ተባሂሉ፡ ግዳማዊ ሓይሊ ከም ዓቃብ ሰላም ሰራዊትን ተዓዛቢ ጉጅለን ከይንዕድምን መንነትናን ክብርናን ከይግሃስን ሕልኽላኻት ከይፍጠርን’ዩ። ኣብ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቅልውላውን ናይ ግዳም ምትእትታውን ከኣ ጭቡጥ ኣብነት ናይዚ’ዩ።
ሓሙሻይ ሻቅሎት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘዝተወልደን እቲ መጻኢ ኤርትራ ዘረጋግጽን መንእሰይ ናብ ስደት እንተድኣ ኣምሪሑን ናብ ሃገሩ ከይተመልሰ ብዝኸዶ እንተጠፊኡን፡ ኤርትራ ሕጽረት ዓያዪ ጉልበትን ክኢላን ከጋጥማ’ዩ። ብግቡእ ትምህርቱ ዝከታተልን ኣብ መመረቅታ በጺሑ ስራሕ ረኺቡ ንገዛኣ ርእሱን ስድራቤቱን ዝዕንግል ዜጋ የንቆልቁል ስለዘሎ፡ ሰለሎ ናይዚ ንዓመታት ክቅጽል’ዩ። ብኻልእ መዳይ፡ ዝበዝሕ ናብ ስደት ዝጠፍእ ዘሎን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈረን ወዲ ተባዕታይ’ዩ። እዚ ድማ ምንካይ መጠን ወሊድን ዘይምምጥጣን ቁጽሪ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከኸትል’ዩ። ብሓጺሩ ዝቅባበ ደቂ ኣንስትዮን ሕጽረት ደቂ ተባዕትዮን ማለት’ዩ። ብተወሳኺ ጠዋሪ ዘይብሎም ወለዲ፡ ተወሊዶም ናባዪ ስኢኖም ግዳም ሓደር ዝኾኑ፡ ዝዝኽትሙን ኣብ ክንዲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣብ ሽቅለት ዝዋፈሩን ትሕቲ ዕድመ ክበዝሑ’ዮም።
ሻዱሻይ ስክፍታ፡ ኣብ ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸን ሕጋውን ስርዓት ስለዘየለ፡ ካብ ዝደቀቀ ክሳብ ዝነኣሰ ጉዳያት ንምስላጥ፡ ጉቦ ክትከፍል ወይ ድማ ጠለብ ህግደፍ ከተማልእ ትግደድ። ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣብ ትካላት ህግደፍን ውልቀ ነጋዶን ድሮ ሳዕሪሩ ዘሎ ሕኸኸኒ ክሓከካን ስርቅን መግትኢ እንተዘይተገይሩሉ ድማ፡ ኤርትራ ከም ቁንቁነ ዝኣተዋ ገረብ ክትወድቅ’ያ። ፍትሒ ጎደለ ድኻ ተበደለ ስለዝኾነ፡ እቲ ገንዘብ ዘለዎ፡ ለመጭን ሳእኒ ሰበስልጣን ዝልሕስን ጥራይ’ዩ ክነብር ዝኽእል። እዚ ተርእዮ’ዚ ድማ ካብ ተላጋቢ ሕማም ንላዕሊ ማህሰይቱ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።
ብዘየወላውል፡ ስክፍታናን ሻቅሎትናን ብዙሕ’ዩ፡፡ ኣብ እንተታት ዝተመርኮሰን ብገሌና’ውን ብዙሕ ግምት ዘይውሃቦ’ውን ክኸውን ይክእል’ዩ። ገለ ካብዚ ኣቀዲመ ዝጠቀስኩዎ ነጥብታት ክኽሰት ከምዝኽእል ግን ንጹር’ዩ፡ ድሮ’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ይጋሃድ ኣሎ። እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ እምብኣር ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምድሓንን ንኹሉ እንተታት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንሃገራዊ ረብሓ ካብ ውልቃዊ ፍልልያትና ኣቀዲምናን፡ ብመጻኢ ወለዶ ክይንኽሰስን፡ ኣብ ሓንቲ ጽላል ብምጽላል ንጠንቂ ድኽነት፡ ስደትን ዕንወትን ህግደፍ ምእላይ’ዩ።