ዕድመ ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ምቛም ናይ ሓባር ሽማግለን አብ ሰሜን አሜሪካ

 

 

ዕድመ ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ምቛም ናይ ሓባር ሽማግለን አብ ሰሜን አሜሪካ

ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፡ ድሕሪ ዓወታት ጀነቭ፡ ህግደፍን ሰዓብቱን አብ ዝለዓለ ቅልውላው ይርከቡ። እዚ ቅልውላው’ዚ ናይ መወዳእታ ስዕረት ህግደፍ ንምግባሩ ኒውዮርክ ዳግማይ ጀነቭ ዝብል ጭርሖ ሒዝና አብ ምሉእ ሰሜን አሜሪካን ፡ ካልእ ቦታት ዓለምን ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎና ከነርኢ ብትሕትና ንዕድም።

ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ፡ እዚ ምዕባለ’ዚ ሳላ እቲ ጽኑዕ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ሎሚ ብመንገዲ መርማሪት ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት አቢሉ ኩሉ እቲ አብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ሰበአዊ ግህሰት ብግቡእ ተሰኒዱ ዓለም ከምዝርእዮ ኮይኑስ ብደረጃ ፓርላማታተን አንጻር ስርዓት ህግደፍ መርገጽ ዝወስዳሉ ብሱል መድረኽ በጺሕና አሎና። እዚ ንደሞክራስያዊ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ናህሪ ወሲኽሉ አሎ።

ሕጂ ‘ውን ዳግማይ ጀነቫን፡ እስራኤልን፡ አዲስ አበባን፡ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያን፡ዋሺንግቶን ዲሲን፡ አብ ኒው ዮርክ፡ዝለዓለ ምድላው ብምግባር ኩሉ ተቓውሞ ሓይልታት፡ ማለት (ውድባት፡ሲቭኽ ማንሕበራት፡ ምንቅስቓሳት፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖታት፡ዘይተጠርነፉ ውልቀ ባእታት፡ ደቂ አንስትዮ፡ መንእሰያት) ተራኺቦም፡ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ምግባር፡ሓይሊ ተቓውሞና አጸቢቁ ከፍልጦ ከምዝክእል ዝሰሓት ሓቂ አይኮነን። ስለዚ ነዚ ዕውት ንምግባርን ቀጻሊ መደባት ንምክያድን ናይ ሓባር ሽማግለ ንምቛም፡ ብመንገዲ ጨንፈር ባይቶ ዋሺንግቶን ዲሲ ጸዋዒት ይቀርብ አሎ። ነዚ ንምግባር ቅልጡፍ ናይ ኢመይልን ናይ ቴሌፎንን ርክባት ክግበር እዩ።

ክቡትራት ደለይቲ ፍትሒ፡ ህዝብና ንምጽናት፡ ሃገርና ነበረ ያ ነበረ ንምግባር ህግደፍ ዘይገበሮ አዕናዊ ስረሓት የሎን። ስለዚ ነዚ ናይ ሓባር ጸላኢ ንምስዓር፡ ክዛዘም ቀሪቡ ዘሎ እዋን ኩልና ተሳታፍነትና ከነረጋግጽ መድረኽ ይሓተና አሎ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ዕንወትን ውድቀትን ንስርዓት ህግደፍ
ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዉአት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *