ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝራሕረሖ ምንጭታት ሓቢሮም።

foriegn_eritrea

ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ በቲ ስርዓት ናይ ስራሕ ግዜኻ ኣእኪልካ ተባሂሉ ናብ ኣስመራ ክምለስ ድሕሪ ዝተዋህቦ መጸዋዕታ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ ብኣባላት ኤምባሲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣቡዛቢ ወግዓዊ መፋነዊ ምስ ተገብረሉ ‘ዩ፣ እቲ ስርዓት ናብ ኤርትራ ክኣቱ እናተጸበዮ ኣብ ወጻኢ ሃገር ተሰዊሩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጺኦም ንዘጣራጥሩዎ ልኡኻት ጉዳያት ወጻኢኡ ናይ ስራሕ ግዜኹም ኣእኪልኩም ብዝብል ጉልባብ ናብ ኤርትራ ከምዝኣትዉ ብምግባር ናይ ምእሳር ልምዲ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

By on

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *