
ምምሕዳር ሃገረ ኤርትራ ካብ ዓዲ ሃሎ ቀለታ ኪዳነ –
መውዓሊ ገዛ ፕረሲዳንት ኣብ ዓዲ ሃሎ
06/22/2015
ሎሚ ምምሕዳር ሃገርና ካብታ ርእሲ ከተማ ሃገርና ካብ ኣስመራ ዘይኮነ ካብ ዲጋን ሕርሻን ዓዲ ሃሎ ምዃኑ ዝካየድ ክትሰምዕ ከሎኻ ክትኣምኖ ዘሸግር’ኳ እንተዀነ ብጭብጥን መረጋገጽን ክቐርበልካ ከሎ ግን ካብ ምእማን ሓሊፍካ ክትህቦ ትኽእል ምኽንያት ኣይትረክብን። ፕረሲደንት ኢሳያስ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ኣስመራ ተፈናቒሉ ካብ ምኒስተራቱን ኣመሓደርቱን ህዝቢ ኣስመራን ርሒቑ ሕርሻኡ እናሓረሰን ከብቱ እናጓሰየን ሃገር ኣብ ዓዲ ሃሎ ኣብ ቴንዳን መጽለልን ኰይኑ ከካይዳን ነቶም ካብ ዝተፈላለየ ኣውራጃታትን ምምሕዳራትን ፋይላት ተሰኪሞም ንውሳኔታት ዝመጹ ስበስልጣን መንግስቲ ብሪጋ ክቕበልን ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ዜጋታትን ወጻእተኛታትን ኣብ ቴንዳ ከኣንግድን ኣጋይሽ ክቕበልን ከም ዝውዕል ክነግሩኻ ከለዉ ከኣ ኣዝዩ ኣገራሚ ኢዩ። ዓዲ ሃሎ ከኣ ግዜኣ ሂቡዋ ሎሚ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ከብቱ ዝጓስየላን ሕርሻኡ ዘካይደላን ዕድለኛ ዓዲ ኰይና ኣላ። ንምዃኑ ስለምንታዩ ፕረሲደንት ኢሳያስ ቤት ጽሕፈቱ ካብ ኣስመራ ንዓዲ ሃሎ ክቕይሮን ካብ ህዝቡ ክሕባእን ተገዲዱ ዘሎ? ገለ ገለ እከያት ተዛረብቲ ከም ዝብሉዎ ሎሚ ዳርጋ ኵሎም እቶም ናይ መሃንድስትነትን ሕርሻን መጓሰ ከብትን ዝተማህሩን ናይቲ ሞያ ትምህርትን ብቕዓትን ዝነበሮም ሰባት ዝእሰር ትኣሲሩ ዝስደድ ከኣ ተሰዲዱ ሃገር ብዘይ ክኢላታትን ምሁራትን ጥርሓ ስለዝተረፈት እቲ መራሕ ሃገር ስራሕ ንኸይበኵር ሓላፍነት ወሲዱ ኣብቲ ሞያ ክሰርሕን ነቲ ስራሕ ዲጋን ሕርሻን ብሓላፍነት ክሰርሖን ከፈጽሞን ስለዝግደድ ምዃኑ ይሕብሩ። ናይ ብሓቂ ከኣ እዚ ኵነታትን ወረን እዚ ኣይኰነንዶ ንደቂ ሃገር ንጓና እውን ንኽትሰምዖ ዝገርምን ዘደንጹን ጕዳይ ኢዩ። ሎሚ እቲ ጭዋን ጻዕረኛን ትጉህ ሰራሕተኛን ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ መራሒኡ ቤት ጽሕፈቱን መንበሩን ጠንጢኑ ካብ ከተምኡ ርሒቑን ካብ ህዝቡ ትሓቢኡን ኣብቲ ዘይምልከቶ ስራሕ ህንጻን ዲጋን ጥራሕ ዘይኮነ ከብቱ ገዚኡ ክጓስን ሕርሻኡ ከካይድን ኣብ ዓዲ ሃሎ ይውዕል ኣሎ ተባሂሉ ክንገሮ ከሎስ እንታይ ኮን ይብል ይኸውን? ህዝቢ ንስራሕ ዝመርሖን ዝኣልዮን ዝከታተሎን ስኢኑ ሃገር ኣብ ምጽናት ባህሊን ፍቕርን ስራሕ ወዲቓ ህዝቢ ዘገልግሎን ዝሰምዖን ስኢኑ ክበኪ ይውዕል ኣሎ ክብሉ ክትሰምዕ ከሎኻ ግን ዘይንቡር ጕዳይ ስለዝዀነ ደቂስካ ዘሕድር ኣይኰነን። ገለ ገለ ነስመራ በጺሖም ዝተመልሱ ሰባት ክገልጹዎ ከለዉ ከኣ ሎሚ ንሓደ ሽሓን ፉል 70 ናቕፋ፡ ንሓደ ሽሓኒ ዝግኒ ወይ ጥብሲ ከኣ 350 ናቕፋ ሂብካ ከም ዝብላዕ እሞ ንሱ ከኣ ደረጃ ጽሬቱን ጽፈቱን ዘየዕግብን ዘየሓጕስን ምዃኑ ክገልጹልካ ከለዉ ከኣ ኣዝዩ ዘሰምብድ ኢዩ። ካብኡ ብዝገደደ ከኣ እቶም ዝበዝሑ ናይ ከተማ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ብምኽንያት ጉቦ ስለዝተኣስሩ ሎሚ ንጽሬት ይኹን ኣገባብ ንግዲ ዝከታተሉ ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ (ማዘጋጃ ቤት) ስለዘየለዉ ከተማ ኣስመራ ኣገባብ ንግዲ ጠፊኡዋ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽሬታን ጽፈታን ዝቈጻጸሩ ሰራሕተኛታት ስለዘይብላ ሎሚ ብርስሓትን ብጨናን ተደዊናን ተበላሽያን ኣላ ክብሉኻ ከለዉ ከኣ ሕሉፍ ታሪኽ ሂወታን ጽሬታን ጽፈታን ዘኪርካ ብማዕዶ ትበኽየላ። ኣብ ሓደ ሃገር ግቡእ ምምሕዳር ከም ዘሎ ክትፈልጥን ክትርዳእን ትኽእል በቲ ኣብ ከተማ ትርእዮ ጽሬትን ጽፈትን ኣገልግሎት ህዝብን ኢዩ። ነዚ ብምርዳእ ከኣ ምምሕዳራት ከተማታት ኤርትራ ካብ እዋን መግዛእቲ ጀሚሩ መንግስቲ ጣልያን ንርእሱን ንምምሕዳሩን ክብል ብዝተሓንጸጸለን ናይ ከተማ ምምሕዳር ሕግታት መሰረት ክሳብ ጊዜ ደርጊ ብሕግን ብስርዓትን ብጽፈትን ብጽሬትን ክመሓደራ ምጽንሔን ኣሉ ዝበሃል ኣይኰነን። ኣብ እዋን ፈደረሽን መንግስቲ ኤርትራ ከተማታትና ብዝያዳ ብግቡእ ምእንቲ ክመሓደራ ብማለት እቶም ኣመሓደርተን ከይተረፈ ናይቲ ከተማኦም ህዝቢ ድሌትን ጠባይን ባህልን ዝፈልጡ ቋንቋኡ ዝዛረቡ ንምዕባሌን ዕቤትን ከተማኦም ዝሓልዩን ዝግደሱን ደቂ እቲ ኣውራጃ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ውሳነ ተመሓላሊፉ ምንባሩ እዝክር። በዚ መሰረት ከኣ ኣብተን ሽዑ ዝነበራ ሾመንተ ከተማታት ኤርትራ እቲ ዝወጸ ሕጊ ክስርሓሉ ጀሚሩ ነሩ ኢዩ። እዚ ማለት ግን ሓደ ሰብ ኣብ ኣውራጃኡ ስለዝተሸመን ዝተመደበን ጥራሕ ብቑዕ ኣገልጋልን ንጹህ ኣመሓዳርን ህዝቢ ክኸውን ይኽእል’ዩ ማለት ዘይኰነስ፡ እቲ ህዝቢ ነቲ ምምሕዳርን ነቶም ኣመሓደርትን ከም ናይ መንግስቲ ዘይኰነ ከም ናቱ ክቕበሎምን ክትኣማመነሎምን ስለዝተደልየ ጥራሕ ኢዩ ነሩ። ከም ኣብነት ኣነ ካብ ዝፈልጦም፡ ከተማ ስም ኣመሓዳሪ ከተማ ኣውራጃኦም ኣስመራ ደጃ ሓረጎት ኣባይ ሓማሴን ዓሰብ ሺሒም መሓመድ ጊዕደር ካሚል ዓፋር ባጽዕ ሸኽ መሓመድኑር ናይብ ሰምሃር መንደፈራ ሻም. ሓጎስ የውሃንስ ሰራየ ደቀምሓረ ግራ. ነጋሽ ካሕሳይ ኣከለጉዛይ ከረን ዑመር ሙሳ ሓጅ ሰንሒት (ብሌናይ) ኣቝርደት ኣቡበከር ሓጃጅ ባርካ (ቢንዓምራይ) ተሰነይ ግራ. መሓመድ ባዱመ ጋሽ ባርካ (ኩናማ) እዚኤን እተን ናይ ከተማ ምምሕዳር ሕግታትን እኹል እትዋትን ዝነበረን ጥንታውያን ከተማታትና ክዀና ከለዋ ቀጺለን ድሒረን ዝሰዓባ ከም ብዓል ዓዲቐይሕ፡ ዓዲዃላ፡ ባረንቱ፡ ጊንዳዕ፡ ኦምሓጀር ወዘተ እውን ብመጠኑ ግቡእ ምምሕዳር ከተማ ክረኽባ ጀሚረን ነረን እየን። ኣመሓዳሪ ከተማ ንኸተማኡ ብግቡእ ንኸምሓድር ምሉእ ስልጣን ይወሃቦ። መንግስቲ ካብ ምክትታል ሓሊፉ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ፈጺሙ ኢዱ ኣየእቱን ኢዩ። እቲ ምምሕዳር ከኣ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝኣከቦ ገንዘብ ተመሊሱ ናብቲ ህዝቢ የውዕሎ እምበር ካብ መንግስቲ ዝረኽቦ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣይነበረን። ኵለን ከተማታት ኤርትራ ከኣ ንህዝበን ብግቡእ እናመሓደራ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዝነበረን ኣይርስዓንን። ኣመሓዳሪ ከተማ ህዝቡ መብራህቲ ኮነ ማይ ከይስእን ከተማታት ብግቡእ ጽሬትን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ክሕለዋ ጽርግያታት ቤት ትምህርትታት ሕክምናታት መንበሪ ገዛውቲ ብፍቓድን ብግቡእን ብብቕዓትን ከም ዝሰርሑ ይሕሉን ይቆጻጸርን። ይኹን እምበር ኣመሓዳሪ ንህዝቡ ዝውጽዕ ግብሪ ከየኽፍልን ህዝቢ ዝኸፍሎ ገንዘብ ብዝግባእ ኣብቲ ነባሪ ንኽውዕልን ከኣ ምስቲ ኣመሓዳሪ ኰይኖም ዝሰርሑን ዘማኽሩን ኣብ ገጊዜኡ ዝቕየሩ ብህዝቢ ኮነ ብመንግስቲ ዝምረጹ ኣባላት ይምደቡ። እቲ ናይ ከተማ ህዝቢ ዘድልዮ ቀዳምነታት እንታይ ምዃኑ ከኣ ምስኡ ኰይኖም የማኽሩን ይሰርሑን። ኣመሓዳሪ ከኣ ንሶም ካብ ዘይተሰማምዑሉን ዘይፈልጡዎን ባጀት ወጺኡ ዝዀነ ስራሕ ኮነ ናይ ገንዘብ ወጻኢ ክገብር ኣይክእልን። ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ክብድሉኻ ከለዉ ኣብ ኣመሓዳሪ ከተማ ትጠርዕ። ምምሕዳርን ኣመሓዳሪ ከተማን ክብድሉኻ ከለዉ ከኣ ኣብ ዝምልከቶ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጠሪዕካ ፍትሕን ፍርድን ትረክብ። ህዝቢ ኣስመራ ኮነ ህዝቢ ካልኦት ከተማታት ሃገርና ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍትሓዊ ምምሕዳር ወጺኡ ሎሚ ማይን መብራህትን ስኢኑ ክሳቐን ህዝቢ ገዛ ከይሰርሕ ተኸልኪሉ ከብቅዕ ጉቦ ከፊሎም ክሰርሑ መንግስቲ ስቕ ኢሉ ክርእዮም ጸኒሑ ኣብ መወዳእታ ብዘይሕጊ ገዛ ሰሪሕኩም ተባሂሎም ብዙሕ ኣሽሓት ከፊሎም ንመጽለሊ ዝሰርሑዎ ገዛውቲ ብቡልደዘራት ከፍርስ ይውዕል ኣሎ ክትሰምዕ ከሎኻ ከኣ ንምስምዑ ዘደንጹ ኣብ ታሪኽ ከተማታት ሃገርና ኣብ ናይ ዝዀነ ባዕዳዊ መግዛእቲ መንግስታት ዘይተርኤን ዘይተሰምዔን ታሪኽ ኢዩ። እዚ ኣብ እዋን መግዛእቲ ባዕዲ ከይተረፈ ብሕግን ብስርዓትን ዝናበር ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ፍትሓውን ሕጋውን ምምሕዳር ጨኒቑዎ ጥራሕ ዘይኮነ ሰለሎ ኣትዩዎ ስለዝርከብ ካብዚ ምምሕዳር ዓዲ ሃሎ ኣዋጽኦ ክፈጥረሉ ንምነየሉን ንጽልየሉን።
ዓወት ነቶም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ጀጋኑ