
ፍርቂ ኤርትራ ኣብ መዕርፎ ባቡር ምድሪ ኤውሮጳ
ኪዱ ንሚላኖ ንሮማ ንዙሪክ ወይ ንፓሪስ’ሞ ኣንፈቶም ዝሰሓቱ ዝቶጎሳቖሉ ትሕቲ ዕድመን ልዕሊ ዕድመን ኤርትራውያን መንእሰያት ኪትዕዘቡ ኢኹም። ገሊኦም ቁጻር ፌስታል ገሊኦም ተሓንጋጢ ቦርሳ ሒዞም ዘዘው ይብሉ። ኣብ ገጾም ናይ ተስፋ ቑርጸትን ዕርበት ሕልናን ስምዒታት ይንበብ። ጽሙኣት’ዮም ግን ከኣ ተረርቲ። ሂወቶም ኣብ ጉዕዞ እዩ። ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ወትሩ ካብ ፖሊስ ምኽዋል። ገለ ካብዚኣቶም ነብሰጾራት’የን። ሓያሎ ኸኣ ትሕቲ ዕድመ። ኣብ ሊብያ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ በቶም ደለልቲ ኣብ ጽርየቱ ኣብዘይተሓለወ ከባቢ ንኣዋርሕ ስለ ዝዕጸዉን ኣካላቶም ክሕጸቡ ዕድል ስለዘይረኽቡን ብዙሓት ካብዞም ስደተኛታት ዓበቕ ኣለዎም። ሓርከፍ ይብሉ። በቲ ናቶም ቃላት ኪግለጽ እንከሎ ሕከኪን ኣለዎም።
ሎሚ ቕነ ንኹነታት ኤርትራ ክገልጽ ዕድመ ቀሪቡለይ’ሲ ናብ ሓንቲ ሉቤክ ዝተባህለት ኣብ ከባቢ ዶብ ዴንማርክ እትርከብ ከተማ ንምጋሽ ኣብ ባቡር ተሰቒለ ጉዕዞ ጀመርኩ። እቲ ጉዕዞ ናይ ኣርባዕተ ሰዓታት እዩ። ኣብ ማዕዶይ ሓደ ኣዝዩ ዝደኸመ ዝመስል ምናልባት ወዲ 18 ዓመት ጥራሕ ዝኸውን ጎበዝ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ በጥ ኢሉ ደቂሱ ነበረ። ሓንቲ ተሳፋሪት ናብ’ታ ባቡር ደየበት’ሞ ኣቐዲማ ወንበር ሒዛ ስለ ዝነበረት ትኽ ኢላ ናብታ እዚ ጎበዝ ኮፍ ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ትመጽእ። እቲ ወንበር ከፊላትሉ እያ እንተኾነ፣ ኣደቓቕሱኡ ስለ ዘስተብሃለት ኣበራቢራ ካብቲ ወንበር ከተተሰኦ ኣይደለየትን። ኣብ ጎድኑ ዝነበረት ጥርሓ ወንበር ተቐመጠት። ነዊሕ ተጎዓዝና፣ እቲ ጎበዝ’ውን ነቲ ብቖቢዕ ሸፊንዎ ዝነበሩ ገጹ ቀሊዑ ተበራበረ። ምስሉ ወዲ ሃገረይ ይመስል። ሰላም በልክዎ፣ ሰላም መለሰለይ። እንታይ ደኣ ኣብዘይ ወንበርካ ተቐሚጥካ በልክዎ። ብምግራም እዋእ ከፊለ እኮ እየ ተሰቒለ በለኒ። ሕራይ ደሓን ናበይ ኢኻ ደኣ? ክብል ሓተትኩዎ። ልክዕ ከምዛ ኣቐዲሙ ዝፈልጣ ከተማ ናብ ሃምቡርግ በለኒ ብተኣማንነት። ኣብኡ ከምዘይነብር ድሮ ፈሊጠዮ ስለዝነበርኩ ክሓቶ ኣይደለኹን። ካብ ከምኡ፣ ካበይ ይመጽእ ከምዘሎ ሓተትክዎ። ዓዲ ጣልያን በለኒ። ዕላል እንዳመቀረ ስለ ዝመጸ ምሳይ ኮፍ በል። ብዛዕባ ኣብ ሊብያ ዘሕለፎ ኩሉ ሕሰም ከዘንትወለይ ጀመረ። ኣብ መወዳእታ ናብ ሽወደን ይኸይድ ከምዘሎ ገለጸለይ። እንታይ ደኣ ንበይንኻ ኢለ ሓተትክዎ፣ ፖሊስ ጀርመን ሒዞም ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ዕጸዉና ብመስኮት ዘሊለ እየ ሞሊቐ፣ መማጽእተይ ዕድል ኣይገበሩን ኢሉኒ። ብዝኾነ ሃምቡር ኣተና ኣነ ቀልጢፈ ናብታ ናብ ከተማ ሉቤክ እትወስደኒ ባቡር ክቕይር ስለዝነበረኒ፣ ጽቡቕ ዕድል ተመንየሉ፣ ሽግር እንተሎ ክድውለለይ መብዛሕቶም ስደተኛታት ኣብ ኤውሮጳ ዘዘውትርዎን ብነጻ ክድውል ዘኽእል ናይ ላይካ ቁጽሪ ተለፎነይ ሃብክዎ። ክሳብ ሎሚ እዚ ቆልዓ ኣብ ዶባት ይተሓዝ ናብ ሽወደን ብሰላም ይእቶ ዝፈልጦ የብለይን።
ኣብዚ ሰዓት ኣብ ሓያሎ ባቡራት ኤውሮጳ ካብን ናብን ኣብ ሽንቲ ቤት፣ ኣብ ትሕቲ ወንበር ባቡራት ዝሕብኡ ማእለያ ዘይብሎም ስደተኛታት ይረእዩ። ኣንፈቶም ንሰሜን እዩ። ሓበሬታ ብ መንገዲ ቫይበርን ፌስቡክን ይለዋወጡ። ዓዲ ስለ ዘይፈልጡ ዋጋ መጎዓዝያ ክንደይ ሙዃኑ ከነጻጽሩ ይሽገሩ። ዝበዝሐ እዋናት ከኣ በቶም ኣብ መዕርፎ ባቡራት ኤውሮጳ ተዓኒዶም ንሓደስቲ ስደተኛታት የሕዋቶም ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ደሞም ክመጽዩ ዝዋደዱ ኤርትራውያን ግዳይ ይኾኑ። እዞም ደለልቲ፣ ኣብ እንዳ ባቡራት ቀንዲ ምንጪ እቶቶም ዝገበሩሉ ምኽንያት ነቶም ግሩሃቱን ኣንፈቶም ዝጠፈኦም ስደተኛታትን ፖሊስ ከይሓዝኹም ቀልጢፍና ከነፋንወኩም ብምባል’ዮም ካብቲ ዝግበኦ ዋግ ዕጽፊ እንዳኸፈሉ ዝምጅርጥዎም። ንግዲ ኣየር ብኣየር ኣብ መዕርፎ ባቡራት ኤውሮጳ።
ህዝብኻ ኣብ ፈቐዱኡ ወዘልዘል ኢሉ፣ ገፍፍ ክብል ክትሪኦ እንከለኻ ብሓቂ ከብድኻ ዝቐርጽ’ዩ። ሎሚ ሎሚ ህዝብና ነዞም ሃገር ዘይብሎም ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ፈቐዶ ጎደናታትን መዕርፎ ባቡራትን ተበቲኖም ዝነብሩ ብስም ሮማ ዝፍለጡ ዓሌት እንዳመሰለ ይመጽእ ኣሎ። ህጹጽ መፍትሒ እንተዘይረኺባ ኤርትራ ኣንፈትና ናብኡ ገጹ ሙኻኑ ድማ ኣየጠራጥርን!!
ዘካርያስ’የ ካብ መዕርፎ ባቡራት ኤውሮጳ