ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ቦታ ክልተ ትሕተ ዕድመ ኤርትራውያን ብፈንጂ ተሃሪሞም።

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ቦታ ክልተ ትሕተ ዕድመ ኤርትራውያን ብፈንጂ ተሃሪሞም። ዝቕጽል ግፋ ናባናዩ ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሶም ነብሶም ከግልሉ ዝፈተኑ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 17 ዝኾኑ ኤርትራውያን ብሽነኽ ዛላንበሳ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘራኽብ ቦታ ብ22 ሓምለ 2017 ብፈንጂ ተሃሪሞም ብከቢድ ከም ዝተጎድኡ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ዓዲግራት ሓቢሮም። እቶም ዛጊት ብንጹር […]

ብሰንኪ እምነታ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ኣደ፣ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን፣ ገና ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ተረጋጊጹ

ሰንኪ እምነታ ድሕሪ ምእሳራ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ መትከል ኣብየት ዝሞተት ፍቓዱ ደበሳይ፣ ኣፈወርቂ ዝተባህለ በዓል ቤታን ቦኽሪ ወዳን’ውን ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘለው ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ምንጭታት ሓቢሮም። ወለዶም ብሰንኪ እምነቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017ድሕሪ ምእሳሮም፣ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይኣላዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ደቆም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኸኣ ብዝበኣሰ ግዳያት ዝኽትምና ኮይኖም ምህላዎም’ውን እቶም ምንጭታት […]

Reggae helps heal mental wounds of torture for migrants in Italy

ኣፍሪቃውያን ኻብ ዝተፈላለያ ቦታታት ዘመጹ ስደተኛታት ኣብ ሐደ ጽላል መዱ (MEDU)ተባሂላ ትጽዋዕ ኦርጋናይዘሽን ንዞም ብሰሀራ ሐሳረ መከራ ርእዮም ተረፍ እቶም ኣብ ፈቀዶ ባሕሪ ዝጣሐሉ ብበደዊን ሂወቶም ዝሰኣኑ ንመዘናግዒ ወይ ውን ነቶም ዝሳቀዩ ዘሎዉ  ብስንባደን ሕማምን ንምትብባዕ ዝዓለመ ሙዚቃ ምድላዎም ቁዱስ ዕላማ ኢዩ።ንሕና ኣፍሪቃውያን ሐድሕድና እንተዘይ ተኣባቢድና ማንም ሰብ ኣይክሕግዘናን ኢዩ። ኣፍሪቃውያን ሓድነትና ኢጽናዕ፡ ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ […]

On the path with young Eritrean refugees hiking from Italy to France along the Cote D’Azure.

ዘሕዝን ኢዩ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዋላ ኣብ ጸምጸም በረኻ ንምንባር ተኸልኪሉ፡ዓለም ኣብ ዝኸዶ ቦታ ደድሕሪኡ ክትኩብኩቦ ትነብር ኣላ። ww.aljazeera.com/indepth/features/2017/07/refugees-pass-death-italy-france-170726055256553.html

ዓላማን ፡ ውጽኢትን  ናይ ህግደፋውያን ፈስቲቫል ከተማ ሲያትልን፡ ከባቢኣን። 

ዓላማ ናይ’ቲ ብዕለት 11-ክሳዕ ዕለት 13 ነሓሴ 2017፡  ኣብ ከተማ ሲያትልን ከባቢኣን ዝተኻየደ ናይ ህግደፋውያን ፈስቲቫል፡ ብዝተፈላለየ ድፍኢትን፡ ምፍርራሕን ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ’ቲ ፕሮግራም ብብዝሒ ብምስታፍ፡ ናይ ቪድዮ ስእልታት ኣልዒልካ፡ ንኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብናን፡ ንመላእ ህዝቢ ዓለምን ፡ መንግስታዊ  ስርዓት  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቂ፡ ምሉእ ደገፍ  ናይ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዘሎዎ […]