ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብኸመይ ክጸልዎም እዩ?

ኣብ መንግስታት ፈዴራልን ክልል ትግራይን ክዓርግ ዝጸንሐ ምትፍናን ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ክልል ትግራይ ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰሜን እዝ ብምቁጽጻር ዝጀመረ ጎንጺ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ጽዑቕ ኩናት ኣኸቲሉ ኣሎ። እቲ ኵናት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣርባዕተ መዓስከራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብሉ ከባቢ ይካየድ ብምህላው ኣብቶም ስደተኛታት ሻቐሎት ፈጢሩ ምህላው ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ብዙሓት ኣብ ውሽጥን […]

መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ

መግለጺ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ምስሕሓብ ካብ 3 ናብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ ዘውግሕ ናብ ጎንጺ ከም ዝማዕበለ ብማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ምስ ተሓበረ ኣዝዩ ኣሕዚኑና። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ ሕድሕዶም፡ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ […]