ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ ፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝራሕረሖ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ኣቡዛቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ 1ይ ጸሓፊ ዝነበረ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ በቲ ስርዓት ናይ ስራሕ ግዜኻ ኣእኪልካ ተባሂሉ ናብ ኣስመራ ክምለስ ድሕሪ ዝተዋህቦ መጸዋዕታ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ወጻኢ ተሸሪቡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣቶ ኣልኣሚን ናፍዕ፣ ብኣባላት ኤምባሲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣቡዛቢ ወግዓዊ መፋነዊ ምስ ተገብረሉ ‘ዩ፣ እቲ ስርዓት ናብ ኤርትራ ክኣቱ እናተጸበዮ […]

ኤርትራውያን ዝያዳ ዘሻቅለና ጉዳይ እንታይ’ዩ?

ኤርትራ ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ከባቢኣን ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካውን ጸጥታውን  ቅልውላው፡  ከምኡ’ውን ዘለዋ እስትራተጂካዊ ኣገዳስነትን ተጠማትነትን፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ትርከብ። ገለ ኣንበብትን ሰማዕትን፡ ጽቡቅ፡ ሕማቅን ዘሎኒ ስክፍታን  ስለዝገለጽኩ “ ከመይ ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ” ዝብሉ ኣይስኣኑን፡ ባህርያውን ዝጽበዮን’ዩ ድማ። የግዳስ  ሰላምን ብልጽግናን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝብህግ፡ ሃገረይ ስለዘፍቅር፡ ፍልጠትና ንምዕባይን ፍታሕ ንምንዳይን እምበር […]

ዕድመ ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ምቛም ናይ ሓባር ሽማግለን አብ ሰሜን አሜሪካ

    ዕድመ ንሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍን ምቛም ናይ ሓባር ሽማግለን አብ ሰሜን አሜሪካ ዝኸበርኩም ደለይቲ ፍትሒ፡ ድሕሪ ዓወታት ጀነቭ፡ ህግደፍን ሰዓብቱን አብ ዝለዓለ ቅልውላው ይርከቡ። እዚ ቅልውላው’ዚ ናይ መወዳእታ ስዕረት ህግደፍ ንምግባሩ ኒውዮርክ ዳግማይ ጀነቭ ዝብል ጭርሖ ሒዝና አብ ምሉእ ሰሜን አሜሪካን ፡ ካልእ ቦታት ዓለምን ንርከብ ደለይቲ ፍትሒ ተሳትፎና ከነርኢ ብትሕትና ንዕድም። ክቡራት ደለይቲ […]

ኣገልግሎት ኤልክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ቅድሚ 10 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ኣንቆልቝሉ Radio Erena: 24 July 2015

ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣብ ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ዝነበሮ ዓቕሚ ብኣስታት 50 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብ ክፍሊ ምህንድስና ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤልክትሪክ ነበረ ገሊጹ። እቲ ስሙ ክንዕቕበሉ ዝመረጸ ሰራሕተኛ በዓል መዚ ኤልክትሪክ፣ ኣብ ሓያሎ ከተማታትን ገጠራትን ኤርትራ ኤልክትሪክ ንምስፋሕ ናይ ኣዕኑድን ገመድን ምዝርጋሕ መደባት ክትግበር እኳ እንተኸኣለ፣ እኹል ሓይሊ ኤልክትሪክ ከመንጩ ዝኽእል ዓቕሚ ኣብ ርእሲ […]

ብኤርትራውነተይ ማንም ክወራዘየለይ ኣይክእልን! እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብመስከረም.ኔት ኣቢሉ ኣብ ልዕለይ ዝፍኖ ዘሎ ቅንጸላ (character assassination) ዝምልከት’ዩ…ዳንኤል ረዘነ 24 ሓምለ 2015..

ብኤርትራውነተይ ማንም ክወራዘየለይ ኣይክእልን! እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብመስከረም.ኔት ኣቢሉ ኣብ ልዕለይ ዝፍኖ ዘሎ ቅንጸላ (character assassination) ዝምልከት’ዩ። ቀንዲ ዕላምኡ፡ ገለ መሰረታዊ ርድኢታት ንምብራህ ድኣ እምበር፡ ነቲ ኹሉ ዝበሃል ዘሎ ቆሎ-ጥጥቖ ሕቶታት ንምምላስ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ኮይኑ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት፡ መልሲ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን እኳ እንተ በሉኒ፡ ኣንባቢ ባዕሉ ሚዛኑ ክወስድ […]

Ethiopian Opposition Leader Travels to Eritrea to Lead Rebellion by William Davison July 24, 2015 — 5:27 AM CDT

The leader of a U.S.-based Ethiopian opposition group relocated to Eritrea to organize civil and armed resistance against the government in the capital, Addis Ababa, a movement spokesman said. Berhanu Nega, a U.S. citizen, traveled to Ethiopia’s northern neighbor following the merger of his Ginbot 7 group with the Ethiopian People’s Patriotic Front this year, […]

ድምጽና ዝብሃል ብሞያውያን ኤርትራውያን ዝቖመ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ።

ድምጽና ዝብሃል ብኤርትራውያን ሰብ ሞያ ዝቖመ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ጉጅለ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝነጥፍ ሓዱሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ብህጹጽ ንምምስራት ዘኽእል ናይ ስራሕ ውጥን ዘርጊሑ። እቲ ድምጽና፣ ሎሚ 23 ሓምለ 2015፣ ውጥን፣ ንህጹጽ ትግባረ፣ ምምስራት ሓድሽ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና assenna.com ዝዘርግሖ ንድፊ ውጥን ጽማቝ  ተልእኾኡ፣ […]

ዕጡቕ ተቓውሞ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት 7 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ስጉምቱ ኣብ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ።

ዕጡቕ ተቓውሞ ኣምጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምራሕ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣተወ ዝንገረሉ ብርሃኑ ነጋ ዝተባህለ ሓደ ካብ መስራቲ ናይቲ ግንቦት ሰባት ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ስጉምቱ ኣብ መንጎ ‘ቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ዝተፈላለየ ግብረመልስታት ኣለዓዒሉ። ገሊኦም እህወደግ 100 ካብ ሚእቲ ኣብ ምርጫ ተዓዊተ ኢሉ ምእዋጁ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከይተርፈና ብምባል […]