ንኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጻውዒት ሕጂስ ይኣክል ኢልና ባዕልና፡ ብዛዕባ መሰልን፡ ክብርን፡ ህዝብናን፡ ልዕላውነት ሃገርናን፡ ንውስን።

ሕጂስ ይኣክል ክቡራትን፡ ክቡራንን ኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን፡ ኣብ’ዛ ግዜ’ዚኣ ኤርትራ ሃገርና፡ ብኣማእት ኣሸሓት፡ ዝቑጸር ሂወት ጀጋኑኣን፡ ናይ ኣሽሓት ምልዮናት ዝዋግኡ ካሊእ ሃብትን ፡ንዋትን፡ ከፊላ ዘምጽኣታ ነጻነት ሃገር፡ ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈዎርቂን ውሑዳት ዓሽኽሩን ብጥልመት ተመንዚዓ ኣብ መዘና ዘይብሉ ህዝባዊ ህልቂትን፡ መከራን፡ ውርደትን፡ ሃገራዊ ዕንወትን ፡ ድሕሪ ምጽንሓ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን፡ ኣብ […]

ደምዳሚ መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ (ማ. ባ.) ግሃድኤ-ሕድሪ

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI ማእከላይ ባይቶ (ማ.ባ.) ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ካብ ዕለት 30 ሰነ ክሳብ 01 ሓምለ 2018 ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ኣቓኒዑ። እዚ ኣኼባ’ዚ ክካየድ ከሎ ኣካቢቦምና ዘለዉ ኣህጉራውን ዞባውን ህሉዋት ኲነታት፣ ግሃድኤ-ሕድሪ ብከም’ዚ ዝስዕብ ብዕቱብ ገምጊሙ። ብመጀመርያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብኣህጉራዊ ደረጃ ክትአ ከሎ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ በይናዊ ስጉምትታት እንዳወሰደት […]