
መምህር መምህረ መማህራን ሊቕ ሊቓዉንቲ፡ ብምጉት ታሪኽ ዘይብሉ መዳርግቲ፡ ንያሬድ ማህሌታይ ግእዝ መዳጉምቲ፡ ሃሌታ ፖለቲካ ንትግርኛ ከፋቲ። ረቒቅ ዝልሳኑ ቓሉ ዘየሰልቲ፡ ቐለሙ ከይነጸፈ ንድቓስ ዘየዛቲ፡ ሳዋ ትመስክር መዓስከር ጸሓፍቲ፡ ኩሉ’ዶ ወሲድካዮ ገደፍካ ሕፍንቲ። ታሪኽ ተራኺ ንኽብሪ ተስቖርቛሪ፡ ባሕሪ ልበናኡ ንኹሉ ሰታሪ፡ ቐላሲ ባሕረ ሓሳብ ንስሕበተ ፍቕሪ፡ ብራና ከይገንጸለ ቓሉ ዘይስንዝሪ። ድሙቕ ዝኣወርኡ ግሩም ሰናድሪ፡ ዝናሩ ከይዓጠቕ ዘይጸቕጥ ምኒሽሪ፡ ብፍልጠቱ ተመኪሑ ደረት ዘይሰግሪ፡ ጽፉፍ ዝታሪኹ ማይ-ሓቒቅ ዝዛሪ። ሞትስ ሞት ኢያ ንመንከ ተዛኒ፡ ዝተሰንደ ሰነድ ኣሎንዶ ነባሪ፡ ሰላምን መጎስን ንዓኻ ይኹን ክብሪ፡ ሓርበኛዊ መምህር ዘልኣለም ተዘከሪ። ክብርን ሞጎስን ንተስፋማሪኣም Eyob Sequar Orlando, Fl