ንስለ ዝኽሪ ኩቡር ሓዉ ተስፋማርያም ወልደማርያም – ነጸረ ተ/መድህን ለንደን

 

ንስለ ዝኽሪ ኩቡር ሓዉ ተስፋማርያም ወልደማርያም – ተመክሮ ቃልስኻ – ካብ ሰዓታት ናብ መዓልታት፣ ካብ ሰሙናት ናብ ወርሓት፣ ካብ ወርሓት ናብ ዓመታት ደማሚረ ብዕምቆት ክትንትኖ እኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ንድምር ኣወንታዊ ዉጺኢታቱ ሓሓሊፈ ፈይ-ፈይ ከብል ግን ብዙሕ ዘሸግረኒ ኣይመስለንን። ተስፎም – ኣበርክቶኻ ዝምስክሮ ንዕምቆትን ስፍሓትን ክለሳ-ሓሳባዊ ዓቕሚ ሰራዊት-ሓርነት ዓቢ እጃም ካብ ዘበርከቱ ባእታታት ሓደ ኢኻ። ዝያዳ ኸኣ ከም ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኴንካ ነታ ናይ ሓበሬታን ዜናን – ቀንዲ ‘ኳ ‘’ብክፍሊ ዕዮ-ዜና’’ እትፍለጥ – ቤት-ጽሕፈት መሪሕካ – ኣብ ዉዑይን ሓርፋፍን መድረኻት፡ ንምክልኻል ዴሞክራስያዊ መትከላትናን ዉድባዊ ህልዉናናን ዘርኣኻዮ ህርኩት ጻዕሪ መስኪሩዎ ‘ዩ። ብተወሳኺ ነቲ ዘይግጠም ዝመስል ተጓናጺ ወፈራታት ህ/ግንባር፡ ብዓሚቚ ምኽንያታዊ መርትዖታት ከጋልጽ ዘኽኣለ ዉሕሉላት ዝተፈላልያ መጽሔታዊ ስነ-ጽሑፋት፡ ብሓላፍነት ዝመራሕካ መንእሰይ ተጋዳላይ ኔርካ። ንብዙሓት ተራ ዜጋታትን ፈሊጣዉያንን ዓይኖም ክኸፍቱ ዘኽኣለ ኣገባብ ጽሑፋትካ ንኣበርክቶ ቤት-ጽሕፈትካ ታሪኽ ዘንበረ ‘ዩ። ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ዝነበሮም ሚዛንን ግምትን ከኣ ዳግመ ርእይቶ ክገብሩ ኣኽኢሉ። ብትካላት ቤት-ትምህርትታት ካድራት ኣብ ታሕታይ ባርካን (ዓሌት) ከበሳን (መለዛናይ)፡ ብምትሕብባር ዕዮ-ዜናን ካለኦት ቤት-ጽሕፈታትን ዝሰነቐ ሰራዊት ሓርነት ናይ ምምይያጥ ባህሊ ዝወነነ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ንዘይ ጎንጻዊ ልዝባዊ ኣፈታትሓ ግርጭት ክሳብ መጨረስታ ዘኽበረ ስልጡን ሰራዊት ‘ዩ ነይሩ። እዚ ምዕቡል ናይ ሓርነት ሰራዊት ‘ዚ፡ ሓበን ምዕራፍ ታሪኽ ተጋድሎና ዝወቐረ ‘ዩ። ምስ ልዙብ ኣሰራርሓኡ፡ ሓድሽ ቅዲ ናይ ኣሰራርሓ ምዕባሌ ኣተኣታትዩ ንማሕበራዉን ፖሊቲካዉን ለዉጢ፡ ብዝማዕበለ ዝእምት ኣቕጣጫ ኣኸተለ። ተራኻ ህያዉ ‘ዩ። ኣብ ቅድመ-ግንባር (ከበሳ) ንሰለስተ ወርሓት ዝኣክል፡ ተስፋማርያምን ካለኦት ክልተ ኣባላት መሪሕነትን ምሳይ ክተሓባበሩ ከም ዝጸንሑ ድዝከር እዩ። ከም ሓላፊ ናይ’ቲ ግንባር መጠን ዘበርከቱለይ ደገፍን ምትብባዕን ኣዝዩ የሕብነኒ። ብፍላይ ዘይርስዖ፡ ኣነ ነቲ መደብ ሓድሽ ስለ ዝነበርኩ ተስፋማርያም ‘’ኣጆኻ ነዚ ሒዝካዮ ዘሎኻ ሰፊሕ ናይ ግንባር መደብ ልዕሊ ብቕዓት ኢኻ’’ ይብል። እዞም ናይ ምትብባዕ ቃላት፡ ምስቲ ኩሉ ኣኽቢቡና ዝነበረ ጻዕቂ ሓድሕድ ኩናት (ሽርክነት ህ/ግን ወያኔን)፡ ነዓይ ኣዝዮም ኣድለይቲ ነበሩ። ሓዉ ክብደት ናይቲ ክዉንነት ኣለልዩ ሕልፊ ደገፍ ምግባሩ፡ ኣድኒቐዮ። ምስ ተስፋማርያም ብሓደ ዝተሳተፍናሉ፡ ዝተፈላለየ ናይ ላዕለዎት ካድራት ኣኼባ እዉን ኣብ ልዕሌኡ ኣወንታዊ ሚዛናት ከንብር ዘኽኣለኒ ባህርያታት ስለ ዝተዓዘብኩ እየ። ኣብ ሕምብርቲ ጸላኢ እንከሎ ‘ዉን እንተ ኾነ ኣዝዩ ዉፉይ ተበግሶታትን ስርዒታትን ይወስድ ምንባሩ መሓዙቱ ይገልጽዎ እዮም። ናይ ነዊሕ ምትእስሳር ቃልሱ ዘመልክት ኣብነት ከኣ፡ ኣብ ሓጺር ገድላዊ ዕላዊ ተሳትፎኡ፡ መሪሕ ላዕለዋይ ተራ ክወሃቦ እንከሎ ‘ዩ። በል ግዜ ኣኺሉ ከድኩ እንካብ በልካ፣ ነቶም ኩሎም ኣቐዲሞም ዝሓለፉ/ፋ ጀጋኑ ብጾት ኩነታትና ኣዉጋዓዮም፣ ወዮ ደኣ ደስ ኣይብሎምን ‘ምበር ሃገርና ‘ዉን ኣብ ምንታይ ወዲቓ ከም ዘላ ህድእ ኢልካ ኣተንብሃሎም። ነዓና ግን በብሓደ ሰብ ወሓደ ኮይኑና – ጀጋኑና ኣብ አእዋኑ ትፍለዩና ምህላዉኩም ኣቑሪሩና። ንምሉእ ቤተ-ሰብ ጽንዓት ይሃቦም!!! ነጸረ ተ/መድህን ለንደን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *