ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ከምዘሎ ኣመልኪቱ ብመርማሪት ኮሚሸን ሕ. ሃ ዝቐረበ ጸብጻብ: ቅኑዕነቱ ኣመልኪትና ደገፍና ንምግላጽን ጻዕርና ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ንምስግጋርን: መቐጸልታ ጀኔቫ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኒው- ዮርክ ክካየድ መጸዋዕታና ነቕርብ::
ንኣተገባብራ አፈጻጽምኡ ዝምልኸት “ንኩሉ ዝሓቁፍ: ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ዝእለ” ኮይኑ : ዝርዝራቱ ኣብ ቀረባ እዋን ክንገልጽ ምኳና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ::
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!
ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ-ሰሜን ኣመሪካ ሓምለ 7, 2016
Gereger.com