ደምዳሚ መግለጺ 4ይ ስሩዕ ኣኼባ
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ፡
ማእከላይ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 01 ክሳብ 05 ሓምለ 2016 ኣካይዱ፡፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብዚ ንሓሙሽተ መዓልታት ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፡ ዝሰርዖም ኣርእስተ ኣጀንዳታት፡ ዓለማዊ፡ ኣህጉራዊ፡ ዞባውን ከባብያውን፡ ሃገራውን ኩነታት፡ ናይ ነብሲ-ወከፍ ፈጻሚ ኣካል ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረበ ናይ 6ተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ሰሚዑ፡ ብዕምቆት ዘትዩን ገምጊሙን ሚዛኑ ኣቐሚጡ፡፡
ማእከላይ ባይቶ፡ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣስዒቡ ነቲ ናይ ሽዱሽተ (6) ኣዋርሕ ካብ ሕድ-ሕድ ቤት ጽሕፈታቱ ዝቐረበ ጸብጻብ ትግባረታት ብመንጽር ዕላማታቱ ብዕምቆት ገምጊሙ ኣወንታን ኣሉታን ፈልዩ መዚኑ፡፡ ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ ኣብ ጉዳይ ሓድነት ኣምልኪቱ ከም ውድብ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ከም ዝጸንሐ ብምስማር፡ ብሕጂ”ውን ዝያዳ ክደፍኣሉ ምዃኑ ከብርህ ከሎ ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልፍንታዊ መስርሕን ርክብ ምስ ማሓዙት ፖለቲካዊ ውድባትን ምዕባለታቱን ኣመልኪቱ ዝያዳ ክድፈኣሉ ኣዘኻኺሩ፡፡
ካብኡ ብምቐጻል ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ፡ ድሕሪ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ምስምዑ ብቕጥታ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብምትኳር ነቲ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ክፍጸም ዝጸንሐን ዝፍጸም ዘሎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምህላዉ ዝገልጽ ጸብጻብ ዘረጋግጽ፡ ወሰን ዘይብሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምህላዉ ብንጹር ምቕራባን ሓቂ ምኳኑን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ተወዲቡ፡ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ራዕዲ ዝፈጠረ፡ ብዕለት 23 ሰነ 2016 ኣብ ጀኔቫ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣብ ማዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያን፡ ብዕለት 21 ሰነ 2016 ከኣ ኣብ ሃገረ እስራኤልን ብሕኑን ድምጺ ኤርትራውያን ዝቐረበ ድጋፍ ንመርማሪት ኮሚሽን ዓቢ ትርጉም ከም ዘለዎን፡ ንውድቀትን ፍሽለትን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዘይተርፍ ምኳኑ ዘመላኸተ ከምዝነበረ መዚኑ፡፡ ኣብ እቲ ኩሉ መዳይ ዝተኻየደ ንጥፈታት ሰለማዊ ሰልፊ ድማ ንተሳታፈነት ኣባላቱ ኣብ መላእ ዓለም ኣዝዩ እንዳኣመስገነ በቲ ዘርኣይዎ ንጥፍታትን ተበግሶን
ከይተዛነዩ፡ ብሕጂ ከጋጥም ኣብ ዝኽእል ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ኣበርቲዖም ክሳትፉን ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነቶም ከብርክቱ ከምዝግባእ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ እዚ ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምድጋፍ፡ ብህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ደገፍ፡ ምስጋንኡ እንዳገለጸ ንቐጻሊ እውን ኣቲ ደገፍ ክድፍኣሉ ምዃኑ ልዑል እምነት ከም ዝለዎ ገሊጹ።
ኣብ መደምደምታ መጻኢ መደባት ስራሕ ኣነጺሩ፡፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንዝግበር ውድባዊ ጉባኤ ንምዕዋት ከኣ ኩሉ ኣባል ውድብ ክረባረብ ከምዝግባእ ብምዝኽኻር ናብ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤ መምርሒ
ኣሒሊፉ፡ ከምኡውን ክሳብ ጉባኤ ንዝመርሑ ኣባላት ፈጻሚን ኣሰናዳኢት ሽማግለ ጉባኤን ገለ ውሱን ለውጢ ብምክያድ ኣኼብኡ ዛዚሙ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ማእከላይ ባይቶ ግሃድኤ-ሕድሪ
ሓምለ 05/2016