ዓለምና ናበይ ገጻ፡ 2ይ ጽሑፍ፣ ብ’ገብረእግዚኣብሀር “ወዲ ባሻይ”፡ ጥቅምቲ 25/2015።

ናይ ሎሚ ጽሑፍ ኣካልቲ ናይዚ እዋንዚ ብዂናት ዝልብለባ ዘለዋ ሃገራት ማእከላይ ምስራቕ ዝኾነት የመንን ፖለቲካዊ

ጸወታታት ጎረባብቲ ሃገራትን ሓርፋፍ ገምጋም ምስፋሩ ኣገዳስነት ኣለዎ ዝብል ርኢቶ ኣሎኒ።

እዚ ጽሑፋት’ዚ ምናልባት ምስ መጥቃዕትታት ሩስያን ኩነታት ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ሃገራት ሶርያን ዒራቕን ተደሪቱ ዝተርፍ ኣይኮነን። ካብ ኩነታት ሃገራት ሶርያን ዒራቕን ተፈልዩ ዘይረአ ጉዳይ የመን ኣሎ። ኣብ ኩነታት የመንን ምምልላስ ኣጽዋርን ዓብዪ ጠቕሚ ዘለዎ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ገምጋምዚ ምክታቱ’ውን ንኣፍልጦና ሓጋዚ ይኸውን’ዩ። ኩነታት የመን ካብ 1980ታት ክሳብ ሎሚ ረጊኡን ሃዲኡን ኣይፈልጥን። ሰሜንን ደቡብን ተባሂሉ ክልተ ነጻነተን ዝሓለዋ ሃገራት ምንባረን ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ደቡብ የመን ብዴሳዊ ኣተሓሳስባ (ብማሕበርነት) ክትምራሕ ክትጸንሕ እንከላ፡ ሰሜን የመን ድማ ብኣንጻሩ ናብ ምዕራባዊ ዓለም ዝ’ዘንበለ ፖለቲካዊ ቅጥዒ ትመስል ነይራ። ብኸምዚ ምኽንያት ንሓያሎ ዓመታት ክልተ መንግስታት ድሕሪ ምጽናሕ ምድኻም ዴሳዊ ደምበ ኣብ እተኽስተሉ” እዋን ክልተ ሃገራት የመን ናብ ሕንቲ ሃገር ክጥቕለላ ናይቲ እዋንቲ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ብዝደረኾ ብዓብላልነት ሰሜን የመን ትምራሕ ሓንቲ የመን ቆመት። ነዊሕ ከይወሰደ ኲናት ሕድሕድ ስለዘኸተለ ድማ ሰበ ስልጣን ደቡብ የመን ነበር ተሳዒሮም ተበታተኑ። ፖለቲካዊ ዕጫ ከምኡ እንከሎ፣ ካልእ ኣብ ህዝቢ የመን ኣብ ሓደ እስላማዊ እምነት ዝጥርነፍ ኮይኑ! ሰዓብቲ “ሱኒ’ን ሽዓን፣ ብምዃኖም ንሃገር የመንን ህዝባን ካብቲ ኩሉ’ሳዕ ናብ ኲናትን ወረ ኲናትን ሸሚሙዋ ዝነብር ሓደገኛ ፖለቲካ ኮይኑ፡ ተኸተልቲ ሽዓ ብናይ ኢራን፡ ተኸተልቲ ሱኒ ድማ ብናይ ስዑዲ ዓረብ ፖለቲካዊ ካርታታት እናተሓመሰት ትነብር ሃገር’ያ። እቲ ፖለቲካዊ ሕልኽላኻት ከምኡ እንከሎ ግን ሃገረ-የመን ጥንታዊት ታሪኻዊት ሃገር’ያ። ከም ሓንቲ ሳባ’ዊ ሕብረተ-ሰብ፡ ንኣሸሓት ዓመታት መንግስታዊ ትካላት ዝነበራን ንዕኡ ዘሰኒ ታሪኻዊ ቅርስታትን ጥንታዊ መዘክራዊ ጸጋታት ንዓለምና ዘበርከተትን፡ ዓባይ ሃገር’ያ ምባል ኣብ ቦትኡ እዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ብመሰረት ወነንቲ ኣዱሊስ ዝኾነ ሓበሻ’ውያንን ወነንቲ ማሪብ ዝኾኑ ሳብ’ውያንን፡ ምስ ምዕብልናታት ሓበሻ ብንግዲ ይኹን ካልእ ናይ ዘርእታት ምትእስሳር ማለት! ካብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ንላዕሊ ብታሪኻዊ ሕውነት ዝለዓለ ስፍራ ትሕዝ ሃገርን ህዝብን የመን ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን።

ኣብ እዋን ዘመናዊት ዓለምና እንተኾነ’ውን የመን! ከም ሃገርን ህዝብን ብፈራዲ፡ ሓጋግን ፈጻሚን ኣካላት፡ እትመሓደር ብፓርላሜንታዊ ቅጥዒ ትግዛእ ዝነበረት፡ ብዘይካ ውሽጣዊ ቀቢላዊ ጸገማት፡ ንደገን ጎረባብታን ዝሕምስ ሃይማኖታዊ ይኹን ካልእ ፖለቲካዊ ኢድ ምትእትታው ዘይነበራ ሃገር’ያ ምባል ኣብ ቦትኡ እዩ። ብኣንጻሩ ከም ሃገር ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ዓመታት ዘየቑጸረት ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ኩነታት የመን ኢድ ምትእትታው ዝለዓለ እጃም ትስከም። ኣብ ሞንጎ የመንን ስዑዲ-ዓረብን ኩሉ’ሳዕ ድሕሪ 20 ዓመታት እናተሓደሰ ዝቕጽል ናይ መሬት ውዕልታት ኣሎወን። እዚ ብፍላይ ምስ መንግስቲ ሰሜን የመን እናተሓደሰ ዝጸንሐ ኮይኑ! የመና’ውያን ክሳብ ጣይፍ ዘሎ ግዝኣት ስዑዲ-ዓረብ (የመን ክሳብ ጣይፍ 600 ኪሎ ሜትራት ዝግመት) መሬትና እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ክነምልሶ ኢና ካብ ምባል ጠጠው ኢሎም ኣይፈልጡን። የመና’ውያን 600 ኪሎ ሜትራት ዝኣክል መሬትና ዝብልዎ ክምለሰሎም ኣብ ሰማይ ዘሎ መብራህቲ ክንሱ፡ ብሸነኽ መንግስቲ ስዑዲ ግን ብገንዘብን ካልእ ሓገዛትን ኣብ በቢ20 ዓመታት እናተሓደሰ እዩ ክነብር ጸኒሑ። በዝን ክንድኡን ዝኣክል መንግስቲ ስዑዲ-ዓረብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካውን ሕብረተ-ሰባውን ጉዳያት ናይ የመን ዝለዓለ ኢድ ኣእታውነት ከም ዝህልዋ ኣብ ግምት ምእታዉ ቁቡል ይኸውን። ስለ’ዝኾነ ድማ ቅድሚ ዓመታት ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ጀዛን ካብ ዝርከብ ግዝኣት ስዑዲ-ዓረብ ሓያሎ ኪሎ ሜትራት ብ’ሑታውያን (የመናውያን) ተዋጋእቲ ተመንጢሉ ጸኒሑ እዩ። ብ’ሓፈሽኡ ብመንግስቲ ኢራን ዝምወሉ ሓይልታት “ሑቲ” እንተ-ተዓዊቶም እስትራተጅካዊ ረብሓታት ጥራይ ዘይኮነስ ብዓብይ መልክዑ “ሕቶ ዋንነት መሬት ክሳብ ጣይፍ” ምልዓሉ ኣይተርፎን። (ጣይፍ መካ 30 ኪሎ ሜትር።) ኣብ’ዚ ዞና’ዚ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ስዑዲ-ዓረብ ብዘይ ባርኾት ምዕራባውያን ይኸውን ማለት ዘይ ሕሰብ’ዩ። ብሕልፊ መንግስት ኤመሪካ።

ናብ ጉዳይና ክንጥምት ከሎና ድማ፡ ብሕልፊ በቲ ኣፋፈት መንደብ ማዕዶ-ማዕዶ ብ’ካብ 30-50 ኪሎ ሜትራት ዝርሕቀቱ ተጠማምቱ ዘሎ ደናድስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት የመንን ኤርትራን፡ ኣብ ጽባሕ ሓራ መሬት ኤርትራ ህንጡይ ስርዓት ህግደፍ፡ ብምኽንያት እኩባት ደሴታት “ሓንሽ” ጸኒሑ ብኽሳራ ህግደፍን ምጥፋእ ዋንነት ደሴት ኤርትራን ዝደምደመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ርእሲ ሓው ዝኾነ መንግስትን ህዝብን ኲናት ተኸፍተ። ኣይኮነን’ዶ! እጃምና ተሓዊሱዎስ ናይ ካሎኦት ሓይልታት እንተኾነ’ውን ኣብ’ዚ ዞና’ዚ ዝኽሰት ኣሉታውን ኣወንታውን ምዕብልናታት ብቐጥታን ተዘዋዋርን ብዓብዩ ከም ዝጸልወና ኣየተሓትትን። እኳ’ደኣ ምስቲ ዘንተ-ዕለት ኣብ ትሕቲ ኮንትሮ-ባንዳዊ ቅልውላው ተዓቚቡ ዝነብር ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብዚ ከባቢ ንዝለዓል ጎንጺ ብዝለዓለ ተሃሰይቲ ምዃንና ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። ምኽንያቱ ዞና’ውን ዓለማውን ፖለቲካዊ መርገጽን ቅዋማዊ ምሕደራን ዘይብሉ ጉጅለ፡ ምእንቲ ርኹስ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ምስ የመን ውዒሉ ምስ ስዑዲ ክሓድር ዘይሓፍር ስርዓት፡ ኣብ ክልቲኡ ተጻራሪ ሓይልታት ፖለቲካዊ ምንዝርና ክሰርሕ ድሕር ከም ዘይብል ተሞክርኡ ይምህረና እዩ። እምበኣር ብዕምቆት ክጽናዕን ክንበብን ዘለዎ ዞናዊ ነውጺ ምዃኑ ንምእማት’ዩ እዚ ጥቕሲ ዝሰፍር ዘሎ። ብተወሳኺ ብሓፈሽኡ ኣብ’ቲ ዘንት-እለት ካብ ኲናትን ወረ- ኲናት ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ ዞና ማእከላይ ምስራቕ (ደሴት ዓረብ) ቀሪ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን ዘራኽብ ፈለግ ቀይሕ ባሕሪ ካብን ናብን ዝወናጨፍ ወታደራዊ ይኹን ንግዳዊ ምዕብልናታት ብቐጥታ ትልከፍ ሃገርና ኤርትራ ብምዃና ንዓና ኣገዳስነቱ ዓብዪ እዩ።

ናብ ሶርያ ክምለስ፣ ሃገር ሶርያ ካብተን ጥንታዊ መሰረታዊ ምዕብልናታት ዓለም ዘበሰራ ሃገራት ከም ምዃና በቲ ሓደ መዳይ፡ ኣብ እተፈላለዩ መዋእላት እተፈላለዩ ወረርቲ ሓይልታት ዘኸትሉዎ ዕንወትን ብርሰትን በቲ ካልኣይ መዳይ” ከተስተኣናግድ ከምጸንሐት መጠን፡ ሎሚ ነቶም ንዓለምና ድንቂ ካብ ዝኾኑ ሃወልትታትን ጸጋታትንን ዋንነት ህዝቢ ሶርያ፡ ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ብዝተጠራቐሙ ሓይልታት ዳዕሽ እናፈረሱ ጠቕሊሎም ዓንዮም እዮም። ብዓብይኡ ድማ ብሸነኽ ኣጥቃዕን ተኸላኻልን ማለት ብክልቲኡ ሸነኻት ዝካየድ ህንካን ሃባን ናይ መዳፍዕ ውግእ ብዝያዳ ኣብ ልዕሊ ህንጻታትን ንግዳዊ ትካላትን ህዝቢ ሶርያ ስለ ዝዓርፍ ሶርያ ናብ ዑናታት ተቐይራ ትርከብ።

ድሕሪ መዕረፊ ኩነታት ሶርያን ዒራቕን የመንን ዓለምና ንዳግመ ህንጻአን ዝምልከት ትሪልዮናት ከምትሕተት ርዱእ’ዩ። ይኹን’ምበር ኩነታት ሶርያን ዒራቕን ጌና ናብ ዝበኣሰ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎን ዋግዋጎ ሰላም ዘየንጸባርቐሉ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት መሬት ናብ ባርዕ ተቐይሩ’ሎ። መጥቃዕቲ ሓይሊ ኣየርን ባሕርን ሩስያ ዘመናውን ሓድሽ ውድቤን ዝሓዘ’ዩ። ባህሪ ወታደራዊ ግጥምያታት ክቀያየር ባህርያዊ ስለ ዝኾነ ንሓይልታት ‘ናቶ’ በዳህኩ ዝብል ዘሎ ሓይሊ መንግስቲ ሩስያ እተደገፈ ወታደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ሶርያ፡ እንተ-ኾነ’ውን ብውዱብ ኣገባብ ብመጽናዕቲ ወታደራዊ ሓይሊ ሩስያ እተወሃሃደ ሓድሽቲ መጥቃዕቲታት ጀሚሩስ ጊዝያዊ መኽሰብ ኣብ ምስልሳል ይረአ ኣሎ። ኣብ’ዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ክረአ ዘለዎ ግን፡ ተዋጋኢ ሓይሊ እስላማዊ ጥሩፍነት(ዳዕሽ) ብቐሊሉ ስለ’ዘይመጸ፡ ኣናኢስካ ክረአ ከም ዘይብሉ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ ሰፊሕ ዓለማዊ እስላማዊ ምትእስሳር ዘለዎን ከምቲ ኣብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ዝሓየለ ካሊፋትን ከምኡውን ኣብ መወዳኣታ 15 ክፍለ-ዘመናን ዝማዕበለ ዖስማናዊ ሓይልን ዘለዎ መልክዕ ዝሓዘ ዝመስል ናይ ነዊሕ መጽናዕቲ ዘለዎ ስለ ዝኾነ ብቐሊሉ ዝቑጸ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ኣብ ሶርያ ወይ ኢራቕ ተደሪቱ ክተርፍ ምባል የዋህነት እዩ ዘስምዕ። ድሮ’ውን ኣብ ሱዑድን ካሎኦት ሃገራት ደሴት ዓረብን ድቂ ፈልዩስ ጥንሲ ኲናት ፈለኽለኽ ኣብ ምባል ይርከብ። ብሓፈሽኡ ኣብ ማእከላይ ምስራቕ ንዝለዓል ጎንጽን-ነውጽን ንሃገራት ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ቐጥታ ንዓና እዩ ዝጎድኣና። ብዝተሓተ ይኹን እምበር ካብ ኤርትራውያን ከይተረፈ ካብ ሙሉእ ዓለማት ዝርከቡ ስምዒታውያን ሰባት ብተምሳል ሃይማኖታዊ ስምዒታት ብምትላል ብዶላራት እናዓደገ ዘኽትት ዘሎ ወፍሪ ካልእ ሳዕቤናቱ ከቢድ እዩ። ንዚ ሓደ መረዳእታ ዝሕግዝ ካብ ግዝኣታት ሶቬት-ሕብረት ነበር ጥራይ ናብ 4ተ ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ኣሸሓት ኣኽረርቲ ተጸንቢሮም ኣንጻር መንግስቲ ሶርያ ይዋግኡን ዝበዝሑ ሂይወቶም ከፊሎምን ኣለዉ። እዚ ምስቲ እስትራተጅካዊ ረብሓታትን ኣብ ኡክራይን ዝቕስቀስ ዘሎ ነውጽን ተደማሚሩ ንመንግስቲ ሩስያ መራጎዲ ኣገዳስነት ኣለዎ።

እቲ ውግእ ብህልኽ እተተኽተተኸ ብምዃኑ ድሕሪ እተናወሐ ምጭፍላቕ እቲ ሚዛን ናብ ሓደ ገጹ ምዝዛው ኣይተርፎን፣ ምናልባት ሓይልታት እስላማዊ መንግስቲ (ዳዕሽ) እንተተዳኺሞም ሰለስተ ሽግራት ክኽሰቱ ይኽእሉ እዮም።

-መጀመርታ ናብ ደባይ ተዋጋኢ ክቕየሩ ከም ዝኾኑ ምርዳእ የድሊ።

-ካልኣይ ድማ ካብ ሓይልታቱ ከፋፊሉ ብፍላይ ናብቲ ድሮ ኣብ ኣፍሪቃ ቆይሙ ዘሎ ኣሸባሪ ጉጅለ ሓይሉ ጸፍጺፉ ዳግም ከደልድል ዘይኽእለሉ ምኽንያታት ኣይክህሉን።

-ብሳልሳይ ደረጃ ምስቲ ናብ ኤውሮጳ ዝውሕዝ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ተሰጋሲጉ ሓይልታቱ ዘየዋፍረሉ ምኽንያታት እውን የብሉን።

ኣገዳስነት አመሪካን ሩስያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝብል ርእሱ ዝኸኣለ ኣርእስቲ የድልዮ እዩ። ካብቲ ዓለምና ናበይ ገጻ ዝብል ብደረጃ ሩስያን አመሪካን ምስ ወቕታዊ ኢድ ምትእትታው ሓይልታት ሩስያ ምርኣዩ ንሓበረታ ጠቓምነት ኣለዎ። ኣብ ሶርያ ንመንግስቲ ኣሳድ ንምዕላው ብግዙፍ ምዕራዊ መሳርሒ ዝዓጠቑ መውጻእቲ ሓራ ሶርያውያን ካብ ወታደራዊ ሓይሊ መንግስቲ ሶርያ ዝመንጠሉዎ ግዝኣታት ዳርጋ መብዛሕትኡ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ሶርያን ከባቢ ርእሰ ከተማ ዝኾነት ዶማስቆስን ዓሪዶም ይርከቡ። ብሓይሊ ባሕሪ ሩስያ እተሰነየ መጥቃዕትታት ሓይሊ ኣየር ሩስያ፡ ቀዳሞት ኣብ ታርጌት ሩስያ ዘለዉ ብምዕራባውያን ዝሕገዙ ተቓወምቲ ሓይልታት እዮም። ብሕሱም ድማ ይህረሙ ኣለዉ። ስለዚ ምዕራባውያን ኣብዚ ዞና’ዚ ከሲረን ክምለሳ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኾና ኣእዳወን ኣጣሚረን ክጥምታ ኣይኽእላን። በዚ ምኽንያት እቲ ውግእ ናብ ሓይልታት ናቶን ሩስያን ዘይቕየረሉ ምኽንያታት ኣይክህሉን ኢልካ ስግኣትካ ምቕማጥ ኣገዳስነት ኣለዎ። በዚ ምኽንያታት ድማ 3ይ ኲናት ዓለም ናይ ምብራዑ ክስተት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ኢልካ ቅድመ ግምታት ምቕማጥውን ይከኣል’ዩ።

ምስ ሰራዊት ሕድሪ ንቕድሚት!

ክሳብ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ሳናይ ቅነ!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *